Print this page

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕ/ሃ ሸይላ ኪታሩዝ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተላ ኣናዊሑለን

2017-06-27 04:49:37 Written by  EPDP Information Office Published in Human Rights Read 6464 times
Rate this item
(0 votes)

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብ23 ሰነ 2017 ኣብ መዛዘሚ መበል 35 ኣኼባኡ ወ/ሮ ሸይላ ኪታሩዝ ኩነታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢርትራ ምክትታለን ክቕጽላ ወሲኑ። እቲ ባይቶ ነዚ ዝወሰነ ነቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል ብሓያል ተገዳስነት፡ “ሜላዊ፡ ሰፊሕን ጃምላውን ግህሰትን ጥሕሰትን ሰብኣዊ መሰል” ብዝብል ዝኾነኖ  ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንምክትታል እዩ።

Sheila Keetharuth1

እዚ ሓድሽ ኩነነ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ስርዓት፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝፍጸም ዘሎ “ ቀጻሊ ኮነ ኢልካ ምእሳር፡ ምስዋር ከምኡ እውን ሕሱም ህይወት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ” ክብል ገሊጽዎ። ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል፡ ብውሕዱ ካብቲ ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝቐረበሉ 92 ለበዋታት ዝተወሰነ ከተግብር ሓቲቱ።

ብዘይካዚ እዚ መበል 35 ኣኼባ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዝተነጸረ፡ ናይ ጥርጡራት መንነትን ብጥንቃቐ ዝቐረበ ተዛማድን ኣብ መጻኢ ተሓታትነት ኣብ ምንጻር ዝሕግዝን ሓበሬታን  ብግቡእ ኣስተብሂልሉ። ምስዚ ከኣ ወ/ሮ ሸይላ ኪታሩዝ ምክትታል ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣሕይለን ክቕጽላ ሓቲትወን።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ከምዘይሰርሐ ብምጥቃስ፡ ባይቶ ሰብእዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ተቕላላ ጉባአ ሕቡራት ሃገራት ንጻብጻን ናይ ቃል መብርህን መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስዳ ናብ ዝምልከተን ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ከቕርቦ ሓቲቱ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናብ ምንጻር እቶም ተሓተትን ናብ ፍትሒ ምቕራቦምን ዝዓለመ ምጽራይ ብምክያድ እቲ ብመርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝተነጸረ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ስጉምቲ ንክወስድ ዳግማይ ኣተባቢዕዎ።

እዚ ናይ ሎሚ ዘበን ውሳነ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ እታ ሴፍ ሕጂ እውን ኣብ ክሳድ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ እታ ካብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ጨቋኒት ዝተባህለት ጸባብ ጉጅለኡን ከም ዘላ ዘመልክት እዩ።

Last modified on Tuesday, 27 June 2017 06:52