ንሕና፡ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡ ንሃገራዊ ስኒትና ዝዓናቕፉ ጉዳያት ክንፈትሕ፡ ቀጻሊ ሰሚናራት ከነካይድ ተበጊስና። ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ኣካል ናይ`ተን ድሮ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ተጠራኒፈን ዝነጥፋ ዘለዋ ዓሰርተ-ሰለስተ ከተማታት እያ። ዕላማና፡ ኤርትራ ካብ ጥፍኣት ድሒና፡ ቅዋማዊት ሃገር ንክትከውን ቀጻሊ ጻዕሪታት ምክያድ`ዩ።
ኤርትራውያን ተቐማጦ ኮሎራዶ፡ ሚያዝያ 26 2015 ኣብ ዝጅመር ሰሚናር፡ ኣብነታዊ መርኣያ ክኸውን ኩሉ ምድላዋት ክንገብር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣሚና፡ ክሳብ ቅዋማዊት ኤርትራ እትህነጽ ጻዕሪታትና ቀጻሊ እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ከከተመአን ነዚ ንቕሎታት`ዚ ደጊፈን፡ ክብገሳን፡ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ሰፊሕ ጎስጓስ ክግበራን ነተባብዕ።
ጸዋዒትና ንኩሎም ኤርትራውያን፡
መፍትሒ ሽግራትና ተጋቢእና ምልዛብ እዩ!
ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ይኣክል!
ለውጢ፡ ብተሳትፎ ናይ ነፍሲ-ወከፍና እዩ ዝረጋገጽ!
መዓስ? ... ሕጂ!!!!
ሽማግለታት ሰሚናር
ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ
03/30/2015