Print this page

BBC Tigrinya coverage of Eritrea Focus Conference 2

2020-06-30 22:36:40 Written by  ERITREA HUB NEWS Published in English Articles Read 1721 times
Rate this item
(0 votes)

JUNE 30, 2020  NEWS

The Conference – which concluded it’s first day of discussions on Law and Justice yesterday – has been reported in the BBC.

Habte Hagos, Eritrea Focus’s chair, was interviewed. You can listen to this here.

Below is the report on the BBC Website.

‘ዋዕላ ምህናጽ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ 2020’ ይጋባእ ኣሎ

29 ሰነ 2020

ኣስታት 300 ኤርትራውያን ምሁራት፡ ተጠባቕቲ መሰላትን፡ ወጻእተኛታት ዕዱማትን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዋዕላ ሎሚ ሰኑይ 29 ሰነ ተኸፊቱ።

እቲ “ምህናጽ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ” ተባሂሉ ዝተሰምየ ዋዕላ፡ ብመገዲ ኢንተርነት (‘ቪርቹዋል) ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣቐዲሙ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ብገጽ ንገጽ ርክብ ብኣካል ክካየድ ተወሲኑ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተሰናኸለ ወደብቱ ሓቢሮም።

ኣብቲ ን6 መዓልታት ዝቕጽል ኣኼባታት፡ ዝተፈላለዩ ኪላታት ቁጠባ፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ ፖለቲካ፡ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት፡ ሰባዊ መሰላትን፡ ካልኦት ዓውድታትን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ክመያየጡ ምዃኖም፡ ሓላፊ ናይቲ ነቲ ዋዕላ ዝወደበ፡ ‘ፎካስ ኤርትራ’ ዝተባህለ ማሕበር ገሊጹ።

ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሓቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዋዕላ ናይቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ ምዃኑ መቐጸልታ ኣብሪሁ።

ቀጺሉ ኣቶ ሃብተ፡ “ሽዑ ሓደ ሽዱሽተ ሕንጻጻት ኣውጺእና ነይርና፡ 24 ኪኢላታት ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ከጽንዕወን ጸኒሖም” ብምባል፡ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕትታት ኣብዚ ናይ ሕጂ ዋዕላ ንምይይጥ ክቐርብ ምዃኑ፡ ሓቢሩ።

እቲ ዋዕላ፡ መንግስቲ ኤርትራ ክልወጥ ብዝደልዩ ወገናት ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ “ድሕሪ ለውጢ ኣብታ ሃገር ንዝምስረት…ሓድሽ መንግስቲ ንምድጋፍ” መጽናዕትታት የካይዱ ከም ዘለዉ ይገልጹ።

“ጻዕርና ሓዳስ ኤርትራ ንምፍጣር’ዩ። ምስ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ህውከት ኣይንደሊ፡ ኣብ ዓድና ህዝብና ክርበሽ ኣይንደሊ፡ ህዝብና ርሂጹ ሰሪሑ ክነብር’ዩ ዝደሊ፡ ክጭኮን ኣይደልን’ዩ።

“ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ግን፡ ከም ሕሱም ተጨኲኑ’ዩ፡ ኣምባይዶ ሓውኻ፡ ጸላኢኻ ከምኡ ገይሩ ኣይጭኩነካን’ዩ” ኢሉ።

ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን፡ ንኣስታት 30 ዓመት ስልጣን ብሒቱዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ ንዝኾኑ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣፍልጦ ክህብ ኣይረአን፡ ብኣንጻሩ፡ መሳርሒ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብምባል እዩ ክኹንኖም’ዩ ዝስማዕ።

ሓደ ካብቶም ዝቐርቡ መጽናዕቲታት፡ ሓንቲ ሃገር “ብኸመይ ካብ ዲክታተርሺብ [ምልኪ] ናብ ደሞክራሲ ትሰጋገር” ዝብል ኣርእስቲ ከምዝህሉ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃብተ፡ እቲ ኣኼባታት ንኹሉ ሸነኻት ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ሓቢሩ።

Last modified on Wednesday, 01 July 2020 00:41