Print this page

ንሕሉፍ ዝለዓለ ክብሪ እናሃብና፡ ንትስፉው መጻኢ ንርኢ!

2019-07-02 15:47:15 Written by  ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. 2019 Published in Community Center Read 2546 times
Rate this item
(0 votes)

ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. 2019

ጋዚጣዊ መግለጺ

ክቡር ደላይ ፍትሕን ሰላምን ተቓላስይ ሕዝቢ ኤርትራ፡


ከም`ቲ ልሙድ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ዚካየድ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ፡ ሎሚ ዓመት፡ ኣብ ሰነ 21-23 2019፡ ኣብ ከተማ ኦክላንድ፡ ካሊፎርኒያ፡ ሕ.መ.ኣ. ብዓወት ተዛዚሙ። ቀንዲ ዕማም ናይ`ዚ ዓመታዊ ዳግመ-ርክብ እዚ ነቲ ምስ ዕድመና ተነጻጺሩ ሓጺር፡ ግን ከኣ፡ ንመንነትናን እንታይነትናን ኣብ ምውሳን ዓቢ ተራ እተጻወተ፡ ብትርጉሙ ተወዳዳሪ ዘይብሉ፡ ንነጻነት ሃገርና፡ ንመሰልን ማዕርነትን ህዝብና ኣብ ምቅላስ ናይ ዘሕለፍናየን ዓመታት ግዜ፡ ኣብ ነንሕድሕድና ዚፈጠሮ ብዚኾነ ዋጋ ዘይዕደግ ሕውነትናን ብጻይነትናን ምሕዳስን ቀጻልነቱ ምርግጋጽን`ዩ። ኣብ ርእስ`ዚ፡ ዓመታዊ ዳግመ ርክብና፡ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎና ብዛዕባ ዘጋጠሙ ኣገደስቲ ተረኽቦታት፡ ብግብሪ ናይ ዚተሳተፉ፡ ብኣካል ናይ ዚወዓሉ ተጋደልቲ ተዘክሮታት ይሰምዕን ንመጻኢ ከም መወከሲ ታሪኽ ንኸገልግል ይምዝግብን ይዕቅብን። ብተወሳኺ እዚ ርክብ`ዚ ካብ ዚሓለፈ ናይ ቃልሲ ተመክሮና ኣብ ዚተፈላለየ ናይ ቃልሲ መዳያት ዘጋጠሙ ሽግራት፡ ዝተቐስሙ ተምክሮታት፡ ብዕምቈት ኣብ ክትዕ ብምውራድ፡ ብሓድሽ ኣረዳድኣ ብምግንዛብ፡ ንመጻኢ ሃገርና ንምህናጽ ዘለዎ ተራ ንምልላይ  ይህቅን።

ELF Reunion.2

ብዘይካ`ዚ ኣብ ላዕሊ ዚተጠቕሰ ልሙድ መደባት፡ ዳግመ-ርክብና ከም ተወሳኺ ግን ከኣ ኣገዳሲ ዕማም ዚወስዶ ጉዳይ ምእላይ ንሃገሮም ክኣትዉን ክእለዩን ዘይተፈቕደሎም፡ ኣብ ሃገር ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ከሰላ ዝርከቡ፡ ኣብ ሓርነታዊ ተጋድሎ ዚሰንከሉ ናይ ቃልሲ ብጾትና`ዩ። እዚ ጉዳይ`ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብዘለዉ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበርን ሰናይ ሕልና ዘለዎምን ብዚገብርዎ ደገፋት ዝጽወር`ኳ እንተኾነ፡ ዳግመ-ርክብና ፍሉይ ኣትኩሮ ብምሃብ፡ ምስ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብምትሕብባር፡ ነዚ ጉዳይ ዚገጥሞ ሽግራት ብምልላይ ፍታሕ ንምርካብን፡ ገንዝብ ኣብ ምውፋይን ዝልለ ተራ ይጻወት።

እዚ ርክብ`ዚ ዋላኳ ዳግመ-ርክብ ናይ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ነበር ኮይኑ ዚልለ እንተኾነ፡ ብግብራዊ ተሳትፎ ግን፡ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ፡ ኣብ ኣየናይ ውድብ ኔሩ፡ ብረት ዓጢቑ ተቓሊሱዶ ወይስ ኣይተቓለሰን፡ ሕጂ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ርእይቶ ኣለዎ ብዘየገድስ፡ ዚኾነ ዜጋ ንኽሳተፎ ዚፈቅድ ክፉት ርክብ`ዩ።  በዚ ድማ፡ ንብዙሓት ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ዘይነበሩ ጉዱሳት ዜጋታት፡ ብተሳትፎኦም ተመክሮ ተ.ሓ.ኤ. ብዘይተኸለሰ መልክዑ ክሰምዕዎን ክመሃርዎን ዘኸእል ዕድል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንዚካየድ ክትዓት ኣብ ምህብታምን መዕሟቕን ዚልለ ኣበርክቶ ዚገብሩ`ውን ብዙሓት`ዮም።

ናይ 2019 ሻቡዓይ ዓመታዊ ዳግመ-ርክብ ፍሉይ ዚገብሮ፡ እዚ ኩላትና እንነብሮ ዘለና፡ መላእ ህዝብና ልዕላውነት ሃገር ንምዕቃብ፡  ግዘኣተ-ሕጊ ንምንጋስ፡ ፍትሕን መሰልን ንምርግጋጽ፡ ሰላምን ራህዋን ንምስፋን ኣብ ወሳኒ ጽምዶ ኣትዩ`ሉ ኣብ ዘሎ ኣገዳሲ ኩነታት ምክያዱ`ዩ። ብርግጽ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ፡ ሰበኣይ ይኹን ሰበይቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ይኹን ኣብ ስደት፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብሓደ ድምጺ ይኣክል ንመግዛእቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍን መራሒኡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ ይኣክል ንልኡላውነት ሃገር ዚግህስ ከዳዕ ግዳማዊ ዝምድናታት፡ ይኣክል ንስደትን ምብትታንን፡ ይኣክል ንደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ይኣክል ንፍትሒ ኣልቦ ማእሰርትን መቕዘፍትን፡ ይኣክል ንግህሰትን መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላትናን መራሕተንን፡  ይኣክል ንውሽጣዊ  ምምቕቓላትን ግዳማዊ ውግኣትን ምርጻማትን ብዝብል ሓባራዊ ድምጺ ተላዒሉ፡ ኣንጻር ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጥምጥም ዝርከበሉ ዘሎ እዋንዩ። በዚ ድማ ዳግመ-ርክብና፡ ነቲ “``ንሕሉፍ ዝለዓለ ክብሪ እናሃብና፡ ንትስፍው መጻኢ ንርኢ`` ዝብል ጭርሖኡ እሙን ብምዃን፡ ነዚ ኣዚዩ ዘተስፉ መጻኢ ዘበሰረ፡ ናይ መንእሰያትና ዘሐብን ተሳትፎ ዘመስከረ፡ ኣብ መጻኢ ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ሃገርናን ህዝብን ግዙፍ ሳዕበናት ዘለዎ ታሪኻዊ ተርእዮ`ዚ ብዕትበት ክዝትየሉ፡ ኣብኡ ዘለዎ ርእይቶ ክገልጽ ናይ ግድን ይገብሮ።

ናይ ተ.ሓ.ኤ. ገዳይም ተጋደልቲ ደግመ-ርክብ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሃገርና፡ ንምውዳቕ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ስዒቡ ዚተተኽለ ዘይሕጋዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ትጽቢታት ህዝብናን ሃገርናን ናይ ዝፈጸሞ ክድዓትን ጥልመትን ውጽኢት ኮይኑ ዚተጋህደ ኩሉ ሜዳያዊ ሃገራዊ ውድቀታትን ዕንወታትን ኣብ ክጽወረሉ ዘይክእል ደረጃ ብምብጽሑ ዚተላዕለ ሓቀኛ ህዝባዊ ምንቅስቓስ`ዩ ኢሉ ይኣምን። ከም ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበር ከኣ፡ ዋላኳ ውድብና ካብ ህልውና ዓዲ ምውዓሉ ናይ ሓደ ውድብ፡ ብኡ ኣቢሉውን ናይ ሓደ ጉጅለ፡ ወይ ውልቀሰብ ዲክታቶሪያዊ ዓብላልነት ኣብ ሃገርና ናይ ምስፋን ሓደጋ መጠንቀቕታ ጻወዒት እንተነበረ፡ እቲ ከም ሓሳብ ንቃለሰሉ ኔርናን ኣለናን ኢልና እንኣምነሉ ካብ ህላውነትን ቀጻላነትን ነጻን ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ጀሚሩ፡ ንሓድነትን መሰልን ማዕርነትን ህዝብና፡ ንምዕባለ ቁጠባና፡ ንትንሳኤ ባህልና፡ ንርግኣትን ሰላምን ሕብረተሰብና ዚነበረና ቀልዓለም ዘይብሉ ባህጊን ዘይረዊ ህርፋንን ኩሉ ግዜ ካብ ኣእምሮና ኣይገለለን። ነዚ ቅዱስ ዕላማታትን ባህግታትን ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና ህያው ንምግባሩ ዝዓለመ ተባዕ ናይ ህዝብና ናይ ይኣክል  ምልዕዓል ድማ ፍሉይ ትርጉም ይህበና ። በዚ ድማ ነዚ ምንቅስቓስ`ዚ ብምሉእ ልብና ክንድግፎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዓወት ንምብጽሑ፡ ኣብ ጎኒ ቃልሲ  ህዝብና ተሰሊፍና፡ ኩሉ ዚከኣል ከነበርክት ታሪኻዊ ሓላፍነት ክም እንስከም ይርደኣና። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ነዚ ምንቅስቓስ ዘለና ዘየማትእ ደገፍና እናኣረጋገጽና፡ ኩላትና ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበር፡ ናይ ሕጂ ፖለቲካዊ ርእይቶናን ውድባዊ ኣባላነትናን ብዘየገድስ፡ ብስሙር ድምጺ፡ ኣብ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ብምስታፍ፡ ናይ ቃልሲ ተመክሮና ንረብሓ ሃገርና ብዘገልግል ከነውዕል ንጽውዕ። 

ዓወት ምእንቲ ደሞክራስን ፍትሕን ንዚካየድ ቃልሲ ህዝና!

ውድቀት ንኣረሜናዊ ስርዓት ህግድፍን ኮራኩሩን

ነጻን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንሰማእታትና!

Last modified on Tuesday, 02 July 2019 17:58