Print this page

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ወይዘሮ ተበርህ ገብረዝጊኣብሄር ተስፋሚካኤል

2016-11-16 03:08:09 Written by  Published in Community Center Read 6191 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ብዙሕ እነፍቅራ ኣዴና ወ/ሮ ተበርህእንታይነታን ልቦናኣን ሓልዮት ሰብን ሕያውነትን፡ ብጽሑፍ ጥራሕ ክትገልጾ ዘይትኽእል ኣዝዩ ልዑል እዩ። ይኹን እምበር ጽማቕ ሓጺር ታሪኽ ብኸምዚ ዝስዕብ እንሆ። ወ/ሮ ተበርህ ካብ ኣቡኣ ባሻይ ገብረዝጊኣብሄር ተስፋሚካኤልን ካብ ኣዲኣ ወ/ሮ ተበርህ ሃይማኖት ንጉስን ሰነ 26, 1932 ኣብ ዓዲ ጸባርያ መራጉዝ ሰራዬ ኤርትራ ተወልደት። ዕድሚኣ ዓቕሚእዳም ምስ በጽሔት ናይ ቃል ኪዳን ስነስርዓት ምስ በረምበራስ ተስፍስላሴ ገብሩ ወልዱ ምስፈጸመት፡ ክልቲኦም ሰብ ቃል-ኪዳን 9 ቆልዑ ወለዱ።ንሳቶም ድማ ነፍስሄር ኣለም ተስፋስላሴ፡ ነስፍሰሄር ፍስሃየ ተስፋስላሴ ሄዋን ተስፋስላሴ፡ ሮማ ተስፋስላሴ፡ ማጆር ተስፋስላሴ፡ ኣስመረት ተኣስፋስላሴ፡ ሚካኤል ተስፋስላሴ፡ ኣልማዝ ተስፋስላሴ፡ ዮዲት ተስፋስላሴ እዮም። ወ/ሮ ተበርህ ብኹሉ ፍትውት ህርኩትን፡ ብሕያውነታ ፍሉጥ ለጋስን ምስ ዓበይትን ናእሽቱን ክተጻወትን ከተዕልልን ዝኽእል ፍሕሽውን ብቐሊል ክትካእ ዘይክእል ወላዲት እያ። ወ/ሮ ተበርህ ኣላይን መፍቀርሪትን ስድራቤታን ዝኾነት ፍትውቲ ኣዴና ተበርህ ኩሎም ደቃን ደቂደቃን ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ክትርኢ ትምኒታ እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ ባህርያዊ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ግዴታ ኮይኑ ሎሚ ብስጋዊ ሞት እንተተፈለየትና፡ ኣዴና ተበርህ ወትሩ ካብ መንፈሳዊ ዝኽሪታትና ኣይትፍለን እያ። ኩሎም ኤተሰባን ዝፍልጥዋ ኤርትራውያን ማሕበረ-ሰብ ክዝክርዋ ክነብሩ እዮም። ኣዴና ወ/ሮ ተበርህ ሎሚ ንተፍቅሮም የሕዋታን ደቃን ደቂደቃን ክምእውን ኣንስቲ ደቃን ሰብኡት ደቃን ገዲፋ እያ ብሞት ተፈልያትና። ሞት ናብ ኩሉ ብተራ ዝበጽሕ ዕጫ ወዲ ሰብ ኢዩሞ ንኣዴና ወ/ሮ ተበርህ መንገስተ ሰማያት የዋርስኪ ድሓን ኩኒ ኢልና ንመወዳእታ ጌዜ ብምፍናው፡ ንኽብራት ደቃን ደቂደኣን ብምሉኦም ቤተሰባን ኣምላኽ ፍጹም ጽንዓት ይሃብኩም።  

ኣዴና ወ/ሮ ተበርህ ድሓን ኩኒ፡ መንግሰተ ሰማያት የዋርስኪ።

Last modified on Thursday, 17 November 2016 19:19