Print this page

መን እዩ ተጋዳላይ ኣልኣዛር ቀለተ ዘርአ

2016-05-17 16:44:56 Written by  ድራር ማንታይ Published in Community Center Read 5938 times
Rate this item
(0 votes)

ተጋዳላይ  ኣልኣዛር፥ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ቀለተ ዘርአን፡ ኣዲኡ ወ/ሮ ገብርኤላ ዘርአጋብርን ኣብ ከተማ ኣስመራ ገዛ ከኒሻ ተወሊዱ ኣብ ገዛ ባንዳ ጥልያን ዓብዩ።።  ኣልኣዛር ጌና  ንእሽቶ ተመሃራይ እንከሎ እዩ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዝኣተወ። እዚ ድማ  ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ሃገራዊ ሓርበኝነትን ስምዒትን ዝወረሶ እዩ ነይሩ። ኣልኣዛር በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገር፡ ካብ ሱሳታት ኣትሒዙ ናብ ሃገራውን ፖለቲካውን ቃልሲ ዝተሳተፈ። በዚ ኣቢሉ ኣልኣዛር_ኣብ ማሕበር ሸውዓተ፡ ኣብቲ ናይ ኣስመራ  ምስጢራዊ ስርዒት ኣባል ኮይኑ ክነጥፍ ጀመረ። ብድሕሪ እዚ  ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ብረት ከምጽእ ተላእከ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምታ ዝተባህለቶ መደብ ብርክት ዝበለ ብረት ሒዙ ምስ ብጾቱ ናብ ኣስመራ ተመልሰ። ብረት ሒዙ ከም ዝመጸ ብኣባላት ስለያ ስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ተፈልጠ፥ ንብጾቱን ነቲ ብረትን ከም ዝወጽእ ገበረ’ሞ ንሱ’ውን ክቃለስ ናብ ብጾቱ ተጸንበረ። ንኣልኣዛር ምሓዝ ዝሰኣነ ስለያ ጸላኢ ከኣ ንኣቡኡ ኣቶ ቀለተ ዘርኤን ንኣዲኡ ወ/ሮ ገብርኤላ ዘርኣጋብርን “ወድኹም ኣበይ ኣሎ? ኣምጽእዎ” ብምምባል ብዙሕ ኣሳቐዮም።

ድሕሪ እዚ ሜዳ ወጺኡ እናተቃለሰ እንከሎ፡ ምስ ተወልደብርሃን ዝበሃል ብጻዩ ስንቂ ከምጽእ ምስ ተላእከ ኣብ በለዛ ብኮማንዲስ ተታሒዙ ተኣስረ። ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከኣ ፈራዳይ፥ “ስለምንታይ ንሜዳ ወጺኢካ?” ኢሉ ሓተቶ። ኣልኣዛር ከኣ  “ንባንደራይ ክብል እየ” ኢሉ መለሰ። ፈራዳይ ብዙሕ ባንደራታት ኣቕሪቡ ስለ ዝጸንሐ፥ “ኣየነይቲ ካብዚአን እያ ባንድራኻ?” ኢሉ ሓተቶ። ካብ ማእከል ብዙሓት ባንደራታት ድማ ፈልዩ  “እዚኣ እያ ባንደራ ሃገረይ” ኢሉ ነታ ባንደራ ኤርትራ ኣልዒሉ ብድፍረት ኣርኣዮም።  ድሕሪ’ዚ ብጻዕሪ ናይ ክቡር ወላዲኡ ኣቶ ቀለተ ዘርአ፥ ኣልኣዛር ካብ 1961 ክሳብ 1963 ካብ ዝተኣሰረላ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ክወጽእ ከኣለ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዝቃለሶ ዝነበረ ቃልሲ፥ በቲ ናይ ማእሰርቲ ርዒዱ ወይ ተዳሂሉ ኣየቋረጾን። ቀጺሉ ናብርኡ እንዳኣካየደ መጽሔታት ምዝርጋሕን ምውዳብን ካልእ ስራሓትን እንዳማለአ ይነጥፍ ነበረ።  ሓደ ግዜ ካብቶም መጽሔት ዝዓደሎም ሓደ፡ ነታ መጽሐት ከንብባ ከሎ ብስለያ ይተሓዝ። እዚ ዝተታሕዘ ሰብ “ነዛ መጽሔት መን እዩ ሂቡካ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተተ “ኣልኣዛር ሂቡኒ” ኢሉ መለሰ። ስለያ ብቐጥታ ናብ እንዳ ቀለተ ዘርአ ይመጹ’ሞ ንመርዓ ኣልኣዛር ዳስ እንዳተሰርሐ፥ ኣልኣዛር ብማዕዶ ምስ ረኣዮም ንእሽቶ ወረቕት ጽሒፉ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ንሓደ “ነቦይ  ሃበለይ” ኢሉ ይህቦ። ስለያ ንኣልኣዛር ሒዞሞ ምስ ከዱ፡ ኣቶ ቀለተ ናብ ጠበቓ ኣቶ ተኽለ ካሳ ከዱ። ነቲ ጠበቓ “ወደይ ኣልኣዛር ኣብ ድሮ መርዓኡ ብወተሃደራት ተታሒዙ ኣሎ” ኢሎም ይሕብርዎ። እቲ ጠበቓ ከኣ መርዓዊ ክቡር ስለዝኾነ ክእሰር ኣይግባኣን’ዩ ብዝብል መጎት ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕረበ። ቀዳም መዓልቲ ከኣ ቤት ፍርዲተኸፊቱ ንኣልኣዛር ፍርዲ ተዋህቦ። እቲ ፍርዲ ከኣ  ካብ ከተማ ኣስመራ ከይወጽእን፥ እንደገና ኣብ ከምዚ ስራሓት ምስ ዝዋፈርን  ዝጽበዮ ናይ ሞት ፍርዲ ምዃኑ ብዝብል  መጠንቀቕታ  ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጽእ ተገብረ።

እንተኾነ ሕጂ እውን ኣልኣዛር ነቲ ቃልሱ ብምቕጻል ምስ ተጋደልቲ እናተራኸበ፥ ተጋደልቲ ዝለኣኽዎ የማልእ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ምስ ተጋደልቲ ክራኸብ  ኣብ መዓልዲ መሬት ደቀ-ምሓረ ደምበዛን ይኸይድ”ሞ እንደገና ብኮማንዲስ ተታሕዘ።  እቲ ዝሓዞ ኣባል ኮማንዲስ “ንስኻ ካብ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበካ መጠንቀቕታ ኣሎካ፡ ኣብዚ እንታይ ክትገብር መጺእካ?” ክብል ንኣልእዛር ሓተቶ። ኣልኣዛር ከኣ እንዳ ኣባሓጎይ ክርኢ መጺኤ ክብል መልሲ ሃቦ። እቲ ኮማንዲስ ንመንግስቲ እንተ ኣረኪብዎ፥ ኣልኣዛር ሞት ክፍረድ ምዃኑን ስለ ዝተረደአ እሞ ድማ ንወለዲ ኣልኣዛር ይፈልጦም ስለ ዝነበረ  ኣሕሊፉ ንጸላኢ ኣይሃቦን። ኣብ ክንድኡ  ’’ ንስኻ በቲ መንግስቲ ተፈሪዱካ ዘሎ ሞት እዩ ዝጽበየካ፥ ግን ከኣ ምእንቲ እቶም ወለድኻ  ምሒረካ ኣሎኹ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣፋነዎ። ሕጂ’ውን ኣልኣዛር ጌና ከም ቀደሙ ነቲ ቃልሱ ቀጺልዎ እምበር ኣየቋረጾን።  ከምዚ እናገበረ እንከሎ ኣብ ግዜ ደርግ እንደገና ስሙ ኣብ ዝርዝር ጥርጡራት ስለ ዝጸንሐ ወተሃደራት ናብታ ኣልኣዛር ዝሰርሓላ ዝነበረ ኣንዳ ባራቶሎ መጹ። ነቲ ሓላፊ ኢጣልያዊ ከኣ ስም ኣልኣዛር ጠቒሶም ኣምጸኣልና በልዎ። እቲ ኢጣልያዊ ኣልኣዛር  ብምኽንያት ስራሕ ውጺኡ ኣሎ ኢሉ ኮፍ ኣበሎም። እዚ ኢጣልያዊ ንሰብኣይ ሓብቱ ብቋንቋ ጣልያን ገይሩ ንኣልኣዛር “ኣብዚ ከይትምለስ ኢልካ ንገሮ”  በሎ። ሽዑ ኣልኣዛር ብኣ ኣቢሉ ብ1975 ናብ ሜዳ ወጺኡ።

ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፈ ነታ ቅድም ክብል ኣብ ዓዲ እንከሎ ዝነበረቶ  ናይ ምምራሕ መኪና ሞያኡ ሓቢኡ ኣብ ሓይልታት ሰራዊት ማለት ኣብ ቦጦሎኒ 375 ኣብ ከቢድ ብረት ተመደበ።  ሓደ እዋን ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሓርነትን ወተሃደራት ጸላእን ኣብ ዝተገብረ ውግእ መካይን ስለዝተማረኻ፥ ነተን ዝተማረኻ መካይን ንምውጻእ “መራሕቲ መካይን ዝነበርኩም” ከበሃል እንከሎ ተሳኢኖም ክጭነቑ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ሽግር ንምቅላል “ኣነ ኣሎኹ” ኢሉ ነተን ማካይን ከም ዝወጻ ካብ ዝገበሩ ሓደ ንሱ ነይሩ ። ከምኡ ተዘይገብር ግና ነተን ዝተማረኻ መካይን ጸላኢ መሊሱ መወሰደን ነይሩ።  ካብ’ቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ሞያኡ  ምምራሕ መኪና ምዃኑ ተፈልጠ’ሞ ኣብ ክፍሊ መጎዓዝያ ተመዲቡ  ንሰራዊትን ህዝብን ዝኸውን ኣድላዪ ነገራት ኣብ ምቕራብ ክሳብ 1981 ብትብዓትን ብቆራጸትን  ተቓሊሱ።

ብድሕሪ 1981 ከኣ ከም ሰቡ ንሃገረ  ጀርመን ተሰዲዱ። ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ሃገር ጀርመን’ውን ከይተረፈ  ብሓቦን ፍቕሪ ሃገርን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከይዘንገዐ፡ ቅድም  ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰራዊ ባይቶ ደሓር ድማ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ቀጺሉ። ኣልኣዛር ብህይወቱ እንከሎ፥  “ጸላኢ ኣይኮነንዶ፡ ህይወተይ፡ ሞይተ”ውን ረሳይ ኣይረክብን እዩ” ይብል ነይሩ። ቀጺሉ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከየልገሰ እንተ መይተ፡ ኣስከረነይን ኣስከሬን ብጾተይን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢስያስ’ዩ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ዝቕበር’ውን ይብል ነይሩ።

ኣልኣዛር፡  ክሳብ ዕለተ ሞቱ ነታ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ኢሉ ዝተሰለፈላ ዕላማ የማን ጸጋም፥ ወለቕ ዘለቕ ከይበለ ብጉልበት ይኹን ብንዋት ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ብዝሓደሮ ሕማም ብ16 ማዝያ 2016 ዓሪፉ። ብ22 ማዝያ 2016 ከኣ ኣብ ፕራግፍሪድሆፍ  ሃገረ ጀርመን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ኣልኣዛር ከምታ ባህታ ሓጎስ ሞይቶም ኣብ መሬት ዓደቦኦም ከይተቐብሩ ጸኒሖም ድሕሪ ሱሳ ዓመታት ኣስከረኖም ናብ ዓዶም ተመሊሱ ዝተቐብረ፥ ሕጂ እውን ኣስከረን ኣልኣዛርን ኩሎም ኤርትራውያን ሕስርብኛታትን ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ኣብ ዓዶም ዝቕበረሉ ግዜ ክመጽእ’ዩ።  ኣልኣዛር ዋላ’ኳ ካብ ዝፈትዎም ስድራቤቱን መቓልስቱን ብሞት እንተተፈልየ፡ ጽንዓቱን መትከሉን ግና ናብ ዝትክእዎ ደቁ  ስለዘውረሰ  ታሪኹ ህያው ኮይኑ ንዘለኣለም ክዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 17 May 2016 18:48