ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ ፕሮግራም
(ሰ.ዲ.ህ.ኤ)
ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸደቐ
ፖለቲካዊ ፕሮግራም
31 ሓምለ - 4 ነሓሰ 2011
ትሕዝቶ
መእተዊ……………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………….4
1. ተልእኾን ራኢን ሰዲህኤ………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………. 7
1.1 ተልእኾ……………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………..………..……7
1.2 ራእይ………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………..……………………….7
2. ምህናጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት……………………………………………………………………………………………………………………………………….…..7
2.1 ቅዋማዊ መንግስቲ………………………………………………………………………………………………………………………………………………………….…….7
2.2 ምርግጋጽ ፍትሕን ልዕልና ሕግን……………………………………………………………………………………………………………………………….………….7
2.3 ምክፍፋል ስልጣን፣ ምሕያል ሓጋግን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ………………………………………………………………………………...…..…8
2.4 ምቋም ነጻ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ…………………………………………………………………………………………………………………………………..…...8
2.5 ምቋም ነጻ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰላምን ዕርቅን………………………………………………………………………………………………………………..…….……8
2.6 ጥዑይ ምሕደራን፣ ምውጋድ ብልሽውናን……………………………………………………………………………………………………………….………....…..8
2.7 ዘይምእኩል ምሕደራ…………………………………………………………………………………………………………………………………………….………….……8
2.8 ምርግጋጽ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ሕይወት ኤርትራ……………………………………………….....……..8
2.9 ምርግጋጽ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ……………………………………………………………………………………………...…….9
- ልዑላውነት ሃገር ዘውሕስ ሓይልታት ምኽልኻልን ጸጥታን ……………………………………………………………………………………………….9
3.1 ሓይሊ ምድሪ፣ ኣየርን፣ ባሕርን ኤርትራ……………………………………………………………………………………………………………………..….……9
3.2 ሃገርዊ ኣገልግሎት ስለያን ድሕነትን………………………………………………………………………………………………………………………..….…………9
3.3 ፖሊስ ኤርትራ………………………………………………………………………………………………………………………………………………………….………….10
3.4 ኣብያተ-ማእሰርትን ኣገልግሎቱን…………………………………………………………………………………………………………………………..…………..….10
4. ምርግጋጽ ቍጠባዊ ልምዓትን ምዕባለን…………………………………………………………………………………………………………….……….….…10
4.1 ፖሊሲ ልምዓት ሰዲህኤ…………………………………………………………………………………………………………………………………….………………..10
4.2 ፖሊሲ ሰዲህኤ ንምዕሩይ ቍጠባዊ ምዕባለ ኣውራጃታት ኤርትራ……………………………………………………………………………………..11
4.3 ፖሊሲ ዕቤት ብሕታዊ ጽላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ………………………………………………………………………………………………………….…………………..11
5. ዕቤት ሕርሻ፡ ዓሳን፡ እንስሳን……………………………………………………………………………………………………………………………………………..12
5.1 ፖሊሲ ሕርሻ ሰዲህኤ……………………………………………………………………………………………………………………………………………..…….….12
5.2 ፖሊሲ ሃብቲ ዓሳ ሰዲህኤ…………………………………………………………………………………………………………………………………………………..12
5.3 ፖሊሲ ምሕደራ ገረብ ሰዲህኤ……………………………………………………………………………………………………………………………..…………..13
5.4 ምዕቃብ ፍግረ-መሬት…………………………………………………………………………………………………………………………………………………..….…..13
- ምሕደራ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር………………………………………………………………………………………………………………………………………..13
6.1 ዋንነትን ምሕደራን መሬት……………………………………………………………………………………………………………………………….………………...14
6.2 ሃብትን ምሕደራን ማይ…………………………………………………………………………………………………………………………………………..……….…..14
6.3 ምሕደራን ኣጠቓቕማን ማዕድናት………………………………………………………………………………………………………..……………………….……14
6.4 ዕቤት ጽዓትን ምሕደራኡን………………………………………………………………………………………………………………………………………………..…15
6.5 ምክልኻል ከባቢ ካብ ብከላን ብርሰትን…………………………………………………………………………………………………………….………….…..…15
7. ፖሊሲ ሰዲህኤ ኣብ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን፡ ካልእ ማሕበራዊ ጕዳያትን…………………………………………………………..…..16
7.1 ፖሊሲ ትምህርቲ…………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………16
7.2 ፖሊሲ ክንክን ጥዕና…………………………………………………………………………………….………………………………………..……………………….….16
7.3 ፖሊሲ ሰሰን ህዝቢ………………………………………………………………………………………………………………….………….…………………………/……17
7.4 ፖሊሲ ክንክን ሕጻናት፡ ኣዴታትን፡…………………………………………………………………………………………..……………………………….....……17
7.5 ፖሊሲ ኣረገውትን ጡረተኛታትን………..……………………………………………………………………………………………….…..…….……………..…18
7.6 ፖሊሲ ክንክን ኣካለጽጕማን……………………………………………………………………………………………………….………………….….…………….….18
7.7 ፖሊሲ ስፖርት፡ ባህልን፡ ማሕበረ-ሰባዊ ዕብየትን………………………………………………………………………………………….………………….18
8. ዘመናዊ ትሕተ-ቅርጻ……………………………………………………………………………………………………………………………………………………………18
8.1 መጓዓዓዝያን መራኸብታትን……………………………………………………………………………………………………………………………………..……..….18
8.2 ገጠራዊ ልምዓትን ምውጋድ ድኽነትን……………………………………………………………………………………………………………….…………...19
8.3 ዕቤትን ልምዓትን ከተማታት…………………………………………………………………………………………………………………………………………….…19
9. ኣህጕራዊ ዝምድናንታት ሰዲህኤ…………………………………………………………………………………………………………………………….…….…..19
10. ስትራተጂ ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ……………………………………………………………………………………………………………….20
10.1 ምቕያር ስርዓት ህግደፍ………………………………………………………………………………………………………………………………….…...........….20
10.2 ምውዳብ ህዝባዊ ናዕቢ…………………………………………………………………………………………………………………………………….….............……21
10.3 መራኸቢ ብዙሓት………………………………………………………………………………………………………………………………….………….............……….21
10.3.1 ምብርባራዊ ዕዮ……………………………………………………………………………………………………………….……….……...................………21
10.3.2 ውደባ………………………………………………………………………………………………………………….…………..…………….................………….22
10.3.3 ጽዑቕ ድፕሎማሲ……………………………………………………..………………………………………….…………………….................……….…..22
10.4 መደብ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ………………………………………………………………………………………………….…...........…………22
10.4.1 ምብርባር ቍጠባ ሃገር ኣብ እዋን ምስግጋር……………………………………………………………………………….………..................…..22
10.4.2 ምጥጣሕ መስርሕ ዲምክራሲያዊ ምስግጋር……………………………………………………………………………….……….....................….22
10.4.3 ጸጥታ ኣብ እዋን ምስግጋር…………………………………………………………………………………………………………….……......................23
11. ምትግባርን ምምሕያሽን ፖሊቲካዊ ፕሮግራም…………………………………………………………………………………………………………….….…23
መእተዊ
ልዕሊ ክልተ ወለዶ ብዝወሰደ ክቡር መስዋእትነት ዝተረኽበ ነጻነት ኤርትራ፣ ሎሚ፡ እዛ ውልዶ ሃገርና፡ ሕድሪ ስዉኣትና ዝተረስዓላ፣ ትጽቢት ህዝብና ዝቐሃመላ፣ ህዝብና ኣብ ምንብባር ሃገሩ ዝተሓረመላ፣ ርትዕን ፍትሕን ዝተነፍገላ፣ ሕግን ስርዓትን ዝበዀረላ፣ ድንቍርና፡ ድኽነትን፡ ሕማምን ዝተበራረዩላ፣ ቅርዓት መዐንደሪ መላኺ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (“ህግደፍ”) ኮይና ኣላ። እዚ ግህሰታት’ዚ ንዕቀት ህዝብናን፡ ድፍረት ቅያ ኣያታዊ-ባህልናን፡ ክንዲ ዝኾነ፣ ድሕሪ ነጻነት፡ እንሆ ድሮ ዕስራ ዓመታት ሓሊፉ፡ ህዝብና ጌና ንያቱ ከየዕበረ ክቃለስ ይርከብ። እዚ ህዝብና ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕን ጸቕጥን፡ ካብቶም ቅድሚ ህግደፍ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘውረድዎ ግፍዒ፡ ብዓይነት ዘይኮነስ ብመልክዕ ገፋዒ ጥራሕ ስለዝፍለ፡ ብፍሉይ ንቕሓትን ብጽኑዕ ሓድነትን ንኽንገጥሞ ናይ መላእ ኤርትራዊ ዜጋ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኮይኑ’ሎ። ነዚ መሰረት ብምግባር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (“ሰዲህኤ”) ነቲ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ዝወሰደ ሽዓብያባ ጀብሃ ዚብል ፖለቲካዊ ቍርቍስን፡ ብውግእ ሕድሕድ ዝሰንበረ መጋረጃ ፍልልይን፡ ኣብ ፈለማ 2010 ዓ.ም.ፈ. ቀንጢጡ ትጽቢት ህዝብና ዝገሃደሉን፡ ሕድሪ ስዉኣትና ዝረጋገጸሉን፡ ንሕጅን ንመጻእን ዘማዕደወ ፖለቲካዊ መርሖ (ፕሮግራም) ኣብ’ዚ ቦኽሪ ጕባኤኡ ሓንጺጹ እንሆ ምስ ህዝቢ የላልዮ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርብዓታት ጀሚሩ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን፡ ከይተሓለለ ብዘካየዶ ሰላማውን ብረታውን ዝተፈራረቖ ሓርነታዊ ተጋድሎ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991፡ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (“ህግሓኤ”) ተመሪሑ ንወተሃደራዊ ስርዓተ-ደርጊ-ኢትዮጵያ ስዒሩ ልዑላውነት ሃገር ኣረጋገጸ። ይኹን’ምበር፡ ነቲ ድሕሪ ምርግጋጽ ልዑላውነት ሃገር ዝድለ ሓድሽ ዕማማት ንምቅብባልን ንምስልሳልን ዘኽእሎ ብቑዕ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውደባ ስለዘይጸንሖ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ህዝቢ፡ ብጉጅለ መላኺ ስርዓት ተጨውየን ተባሕተን። ብኡ ንብኡ ውሱን ክፍሊ መሪሕነት ህግሓኤ ምልካዊ ማእለማኡ ንምጥጣሕ፡ ኣብ ክንዲ ምሉእ ሃገራዊ ዕርቂ ምጽዋዕ፡ ነቲ ዝነበረ ወድብ ህዝባዊ ግንባር ሽፊጡ፡ ብህግደፍ ዝብል ሓድሽ ሰልፊ ተክኦ። ህዝብና ድሕሪ 30 ዓመታት ነዊሕን ዝተሓላለኸን መሪር ብረታዊ ቃልሲ ንዘረጋገጾ ዓወት ሓጐሱ ኣብ ዝገልጸሉ ዝነበረ እዋን፣ ስርዓት ህግድፍ ብኣንጻሩ ስልጣን ዝብሕተሉ ባይታ ኣብ ምጥጣሕን፡ ተንኮል ኣብ ምእላምን ኣድሃበ። እናወዓለ-እናሓደረ፡ ድማ ህግደፍ ንረብሓ ህዝቢ ዝጣበቕ ሰልፊ ዘይኮነስ፣ ብሓደ ውልቀ-ሰብን ኮራኵሩን ዝዝወር ምልካዊ ሰልፊ ምዃኑ ተጋህደ። ኣብ ጽባሕ ነጻነት፡ ኣብ ክንዲ ንሃገራዊ ዕርቂ ምዕዳም እሞ ዘላቒ ሰላምን ርግኣትን ሃገር ዘንግስ ቃል ምሃብ፡ ንዝነበራ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባት፡ “ … ሎሚ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን … ” ብዚብል ኣቋናጻቢ ብድዐ ካብ ህዝቢ ንምንጻለን፣ ንዝነበረ ፖለቲካዊ ቅርሕንትን ፍልልያትን ዘባልሕ፡ ዘሕፍር ዘይሓላፍነታዊ ኣዋጅ ኣወጀ። ብግብሪ ድማ፡ ኣካላት መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ዝርከብዎም ሓያሎ ኣባላት፡ ብምጭዋይ ኣብ ጐዳጕዲ ከም ዝሰፍሩ ገብረ። ኣብ ውሽጢ ህግደፍ’ውን እንተኾነ ብህዝቢ ተቐባልነትን ህቡብነትን ኣለዎም ንዝብሃሉ ሕፉራት መራሕትን፡ መጸበይታ ዝነበሮም ገዳይም ተጋደልትን፣ በብግዜኡ ንገለ ብምእሳር ንገለ ከኣ “ብምድስካል” ብዘስካሕክሕ ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን ስቓይ ደኒሱዎም ይርከብ።
እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ህግደፍ ኣብ ምምሕዳራዊ ሸነኽ ይኹን፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሓሳብ ይኹን ብተግባር ንምፍጻም ብቕዓት ይኹን ዓቕሚ ከምዘይብሉ እኹል ገምጋም ዝህቡ ገለ ካብ’ቲ ዝሳዕረረ ብልሽው ፖሊሲታትን ቃጻን መላኺ ስርዓት ንምጥቃስ ዝኣክል በዚ ዝስዕብ ክጥመር ይከኣል።
ዘይዲሞክራስያዊ ምሕደራ ህግደፍ፡- ህግደፍ ንኤርትራ ብዘይምርጫ፡ ብዘይባይቶ፡ ከምኡ’ውን ብዘይነጻ ቤት-ፍርዲ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ብሓደ ገባርን-ሓዳግን ፈሌል-ስርዓት ከማሓድራ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሃገርና ሕገ-ኣልቦ ኮይና ተሓታትነት ኮነ ግሉጽነት ብዘይብሉ ኣገባብ ብግጉይ ፖሊሲ ህግደፍ ናብ ኣንፈቱ ዘይፍሉጥ መንገዲ ዕንወት ኣምሪሓ ትርከብ። ሕግን ድግን ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ነጻን ርትዓውን ዝኾነ ምርጫ ከካይድስ ይትረፍ ብመሰረቱ’ውን ምርጫ ክገብር ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ብዘሕፍር ቋንቋ ብመንገዲ ፕረሲደንትን ካድራቱን ክግለጽ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ሳዓቤኑ ከኣ ኤርትራ ሓደ-ሰብ ከምድላዩ ዝዝውራ ምልኽቲ ሃገር ኮይና’ላ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ግዳይ ናይ’ዚ ዘይመረጾን ዘይቆጻጸሮን መላኺ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ።
ሕግን ፍትሕን፡- ህልው ስርዓት ህግደፍ ብዘይካ ንዕለቱ፡ ንህልውናኡ ዘገልግል ኣዋጃትን ስምዕታታትን እንተዘይኮይኑ፡ ህዝብን ሃገርን ዝምርሓሉ ግሉጽ ሕጊ ኮነ ድጊ የብሉን። ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት፡ ኣስታት 160 ኣዋጃትን፡ 120 ምልክታታትን ብምውጻእ እዩ ንህዝብና ክመርሖ ዝርከብ። ንሽሙ ቅዋም ብ1997 ተዳልዩ። ክሳብ ሕጂ ግና ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ጠቂሩ ይርከብ። ንኤርትራ ከኣ ሓንቲ ብዘይቅዋማዊ መንግስቲ እትማሓደር ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምእትፍለጥ ገይሩዋ’ሎ። ስርዓት ህግደፍ ንዜጋታት ኤርትራ ብዘይሕጋውን ፍትሓውን ዳንነት፡ ተሓታትነት ዘይብሉ፡ ክኣስር፣ ክጭፍጭፍ፣ ክቐትል፣ ንምብረቶም ክራስን፣ ሃለዋቶም ክጥፍእን ይርከብ።
ፖለቲካዊ ምሕደራ፡- ብመዳይ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዝመጸ፡ ኤርትራ ሃገርና ብመንጽር ኣፍሪቃ ክትርአ እንከላ፣ ብዘይካ ገለ ውሑዳት ኵለን ካልኦት ሃገራት ካብኣ ዝሕሻ እየን። ህዝብና ብሰንኪ ብልሽው ምሕደራ ህግደፍ ኣብ ታሪኹ ኣጋጢምዎን ርእይዎን ዘይፈልጥ ሕሰም፡ ድኽነትን፡ መከራን ድሂኹዎ ኣሎ።
ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ኣገባብ ምሕደራ ምእኩል ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓቲ እውን’ዩ። ካብ ዝልዓለ ጽፍሒ መንግስቲ ክሳብ ዝተሓተ ሽማግለ ዓዲ በቲ ስርዓት ዝተሓርዩ ወከልቲ ጌሩ ንህዝቢ ኣብ ፍጹም ምልኪ ኣእትዩዎ ይርከብ። ሕሉፍ-ሓሊፉ ነቲ ባዕሉ ዘቖሞ ሚኒስትሪታትን ምምሕዳራትን መንግስቲ’ውን ከይተረፈ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ፕረሲደንት መዓልታዊ ወይ ሰሙናዊ ብዘውጽኦ መምርሕታት ጌሩ ይከታተሎን ይቈጻጸሮን። ካብ ሕሉፍ ብሓትነት ዝተላዕለ፡ ንዞባታት ኣማሓደርቲ ሸይሙ ከብቕዕ፣ ብኣዘዝቲ ክፍለ-ሰራዊት ዝፍለጡ ወተሃደራዊ ጀነራላት ጌሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ንኡስ-ዞባታትን ብምንጽልላው ከማሓድር ይርከብ። ህልውና ክልተ ኣሕሉቕ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዞባን ንኡስ-ዞባን ዘረድእ፣ መሪሕነት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ብልሽው ዝኾነ ብሓቲ ምሕደራ ከምዝኾነ ዘምስክር እዩ። ብኡ መንጽር ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዘይተኣደነ ማህሰይቲ ኣስዒቡ ኣሎ።
ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡- ኤርትራ፡ ነጻነት ምሕሳብ፡ ምዝራብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምእካብ፡ ምውዳብ ዘይብላ፤ ነጻ-ፕረስ ዘይተፍቅድ ሃገር እያ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ነጻ ሞያውያን ኮነ ሲቪካውያን ማሕበራት’ውን የብላን። ንዜጋታታ ምድራዊት ሲኦል እያ እንተተባህለ ዝክሓድ ኣይኮነን። ሎሚ ሃገርና መዳጐኒት (ቤት-ማእሰርቲ) ጋዜጠኛታት፣ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት እንተላይ ንመዋእሎም ዝተጋደሉ ሚኒስተራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ምእመናን፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኮታስ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ንጹሓት ዜጋታት ዝሳቐዩላ ዘላ ሃገር እያ። ብሕጽር ዝበለ ኣብ ኤርትራ መሰል ሰብ ዝባሃል የለን።
ሃገራዊ ጸጥታ፡-
ፖሊሲ ህግደፍ ፖሊሲ ኲናትን ራዕድን እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ህግደፍ ምስ ኵለን ጐረባብቲ ሃገራት ደማዊ ውግኣት ክውልዕ ጸኒሑ። ካብ 1994 ክሳብ 2005 ክብ ለጠቕ ዝብል ውግኣት ምስ ሱዳን፣ ኣብ 1995 ብሰንኪ ደሴታት ሓንሽ ምስ የመን፣ ኣብ 1996 ምስ ጅቡቲ፣ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ምስ ኢትዮጵያ፣ እንደገና ኣብ 2008 ምስ ጅቡቲ ከምኡውን ክሳብ ሶማሊያ ብምኻድ ምስ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ዘራጸሞ ውግኣት ኣካየደ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ መወዳእታ 2009 ብዓለም-ለኸ ንሃገርና ዝንጽል እገዳ ተወሰነ። ነዚ ውግእን ወረ-ውግእን ንምትግባር ስርዓት ህግደፍ ብመጀመርታ ንህዝቢ ኤርትራ ብምርዓድን ብምንብርካኽን እዩ ጀሚሩዎ።
- ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ከም ማሕላኡ ንድሕነት ጸጥታን ሃገርን ዝከላኸል፣ መሳርሕን ሓላውን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክኸውን ዝተቐሰበ ውጹዕ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ እዩ። ዓለም-ለኻዊ መዐቀንታት ስሩዕ ሰራዊት ዝተነፍጎ፣ ብዘይግቡእ ዓስቢ፣ ብዘይዕብየት፣ ብዘይሕክምናውን ጡረታውን ሓለፋታት፣ ኣገልጋሊ ውሱናት ሰብ ጽሩራ ክኸውን ዝተገደደ፡ ውጹዕ ሰራዊት እዩ። እቶም ኣብ ሓርነታዊ ውግእ ዝሰንከሉ ጀጋኑ እውን ንመጻኢ ወለዶ ኣብነት ብዝኸውን መንገዲ ግቡእ ኣቓልቦን ፋይዳን ኣይረኸቡን። ሎሚ መንእሰይ ሃገርና መወዳእታ ብዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተቘሪኑ፣ ካብ ኵሉ ማሕበራዊ ናብራኡ ኮነ ትምህርቱ ተሓሪሙ፣ ወርቃዊ ዝኾነ ንኡስን ኣፍራዪን ዕድሜኡ ባኺኑ ይርከብ። ካብ’ዚ ዘስካሕክሕ ደረት ዘይብሉ ኣገልግሎት ንምልቓቕ፡ ካብ ኣንጸርጽሮት ዝተላዕለ ሃጽ ኢሉ ናብ ፈቐዶ ስደት ብምምራሕ፡ ግዳይ ምድረ-በዳ፡ ዓሳታት ባሕርን፡ ዘረፍቲ ተበላለጽትን ኮይኑ ይርከብ።
- ህግደፍ ብሽም ሃገራዊ ድሕነት ማሓውራት ስለያን ፖሊስን፡ ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ፡ ዘርጊሑ ንህዝቢ ብሓይሊ ኣንበርኪኹ ክገዝእ ኪኢሉ ኣሎ። ሓይሊ ስለያ ህግደፍ፡ ርግኣት ሃገር ንምውሓስን፡ ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽን ዘይኮነስ፡ ብመሰረቱ ንሃገርና ሓደጋ፡ ንህዝብና ስላምን ዕቤትን ዝነፈገ ኢደ-ቤዛ፡ ምልካዊ ስርዓት እዩ።
- ሃገርና ሎሚ ብምሒር ግፍዒ ህግደፍ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተቐይራ ትርከብ። ብዘይምኽንያት ዝእሰሩ ወይ ዝስወሩ፡ ዜጋታት ማእለያ የብሎምን። ካብቲ ዘስደምም ኣገባብ ኣተሓሕዛ እሱራት ህግደፍ፡ ኣብ ጸልማት ጐዳጕዲ፣ ኣብ ኮንተይነራት ሓጺን፡ ኣብ መጽለሊ ዘይብሉ ምድረ-በዳ፡ ኮይኑ፡ ንዅሉ ኣድማሳዊ መሰል ደቂ-ሰባት ዝግሃሰ እዩ።
ቍጠባ ህግደፍን ፍሹል ፖሊሲታቱን፡-
· ሃገርና ኣብ ልዕሊ’ቲ ደቛሲ ፖሊሲታት ገዛእትን፡ ነዊሕ ሓርነታዊ ውግእን ዘስዓበላ ቍጠባዊ ኣደራዕ፡ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ’ውን ተወሲኹ፡ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ቍጠባዊ ሃለዋት ትርከብ። መንግስቲ ህግደፍ ኵሉ ገንዘባዊ፣ ሰብኣውን፣ ነገራውን፡ ጸጋታት ሃገርና ጂሆ ሒዙ፣ ብሕታዊ ትካላት፡ ኣዕንዩ፣ ረብሓ ኣብ ዘይብሉ ውግእን፡ ኣፍራዪ ኣብ ዘይኮነ ጉልበታዊ ስራሕን፡ ጸሚዱ፣ ሃገርና ንድኽነትን ሕሰምን ኣቃሊዑዋ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ መሬት ህዝቢ ብምግባት፡ ካብ ዋናታቱ መንዚዑ ንሃብታማት ሰብ ዶላር ክሽይጥ ጸኒሑን ኣሎን። ንብሕታውያን ኣውፈርቲ ድማ ናይ ወፍሪ ጠለቦም ነዊሕን ኣህላኽን ካብ ምኳን ሓሊፉ ነቶም ዝነበሩ ውሑዳት ኣውፈርቲ’ውን እንተኾነ ናይ ንግዲ ፍቃዶም ኣሕዲጉ ፈቐዶ ሃገራት ኣፍሪቃ ፋሕ-ጨንገራሕ ከም ዝብሉ ጌሩዎም’ዩ።
- እቲ ብሕርሻን ብሞጓሰን ዝነብር ክፍሊ ህዝብና’ውን እንተኾነ፡ ደቂ-ሓረስቶት ይኹኑ ደቂ-ጓሶት ፍጥር ከይበሉ ሳዋ፡ ወይውን ማእቶት እንዳበለ ስለዝወስዶም ግራት ሰኣን ማሕረስ ቃዲሩ፡ ጤለ-በጊዕ ስኣን ጓሳ ጸኒተን ይርከባ። ህዝብና ድማ ኣደዳ ጥምየትን ሕማምን ኮይኑ ይርከብ።
- ዕቤት ብሕታዊ ወፍርን ብሕታዊ ጽላትን ንሓንቲ ሃገር መንኮርኮር ምዕባለ ከም ምዃኑ መጠን፡ ነዚ ጽላት’ዚ ኣዕንዮም ክኸዱ ዝፈተኑ ስርዓታት ንቕድሚት ክስጉሙ ኣይክኣሉን። ስርዓት ህግደፍ ናይ ምእኩል ቍጠባ ፖሊሲ ኣተኣታትዩ ምልካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ሃብትን ጸጋታትን ሃገር ገቢቱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ሕሰም ኣውዲቕዎ ኣሎ። ነጻነት ዕዮ ኣብ ኤርትራ የልቦን። ካብ 40 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሜኦም ዜጋታት፡ ብውሑድ ወይ ብዘይደሞዝ ንዘይተወሰነ ግዜ ንርብሓ መንግስቲ ከገልግሉ ግዱዳት ኮይኖም ኣለዉ።
ትምህርትን ክንክን ጥዕናን፡-
- ናይ ህግደፍ ትምህርታዊ ፖሊሲ፡ ንኤርትራ ንምምሕያሽ ዘይኮነስ፡ ንቁጽጽርን ንፖለቲካዊ ሃልክን ዝግበር ተዋስኦ እዩ። ነታ ሓንቲ ኡኒቨርሲቲ ዝነበት ዓጽዩ፣ ብንኡሳት ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዝካየዳ ኮለጃት ተኪኡ፣ ንመንእሰያት ዕዙዝ ላዕለዋይ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድል ሰሪቑዎ ኣሎ። ካብ ሓፈሻዊ ዓመታዊ እቶት ሃገር ንትምህርቲ ዝተሰልዐ ካብ ክልተ-ሚእታዊት (2%) ዝበዝሕ ኣይኮነን። እዚ ስልዕቲ’ዚ ብመንጽር እቲ ንወትሃደራዊ ዕንደራኡ ዘውጽኦ ክመዛዘን እንከሎ፡ ሓደ ሲሶ ኣይጸርን እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ዓሰርተ-ሓደ ክፍሊ ዝበጽሑ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ካብ ሑቕፊ ወለዶም መንዚዑ ንወተሃደራውን ስለያውን ምልመላ ብዝጥዕሞ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቍጽጽሩ ኣእትዩዎም ይርከብ።
- ኣብ ጥዕናውን እንተኾነ ህዝብና ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ ህግደግ ብስእነትን ድኽነትን፣ ብሕጽረት ሓካይም፣ ብዋሕዲ መድሃኒታት፣ ብርሕቀት ሕክምናዊ ማእከላትን፣ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ተሳጢሑ ይርከብ። ብምኽንያት ነጻግ ፖሊሲታቱ እቲ ካብ ኣህጕራዊ ትካላት፡ ገቢረ-ሰናይ ማሕበራት ኮነ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ክርከብ ዝኽእል ንዋታዊ ሓገዛትን ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን ተነፊጉዎን ተነጺሉን ይርከብ። ሳዕቤን እዚ ኵሉ ሕማማት ተላገብ ኣብ ህዝብና ጌና ሳዕሪሩ፣ ዝውለዱ ሕጻናት ድማ ቅቡል መጠነ ክብደት ዘይብሎም ወይ’ውን ሕይወቶም ኣስጋኢ ዝኾኑ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ቀዳማይ ጕባኤ ሰዲህኤ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝተጠቕሰ ህልዊ ኵነታት ሃገርና ኣብ ገምጋም ብምእታውን፣ ህዝብና ሓድነቱ ኣደልዲሉ፡ፍትሒ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን፡ ዕብየትን ንኸረጋግጽ ሰዲህኤ ተራኡ ንኸበርክት ቈሪጹ ብምብጋስ ነዚ ዝስዕብ ፖለቲካዊ መርሖ የጽድቕ።
1. ተልእኾን ራኢን ሰዲህኤ
1.1 ተልእኾ
ዕላማን ተልእኾን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (“ሰዲህኤ”)፡ መላእ ሓርነት ህዝብና ዘውሓሰት፡ ልዑላውነታ ዝሓለወት፡ ሓድነት ህዝባ ዘዕቆበት፡ ድኽነትን ሕማማትን ዝሰዓረት፡ ብልጽግቲ ቅዋማዊት ደሞክራስያዊት ሃገር ምህናጽ እዩ፤
1.2 ራእይ
- ሰዲህኤ ኣብ ሓራ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዘለዎ ራእይ፡ ናይ ዝቐውም መንግስቲ ምንጪ ስልጣን፡ ብምርጫ ህዝቢ ዝውሰን፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝኾነ፡ ኣብዝሓን ሰላማዊ ውድድርን ሰልፍታት ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት፡ ዘኽብርን ዝጣበቕን፤
- ሰዲህኤ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቀቢላዊ፡ ባህላውን፡ ቋንቋውን፡ ብዙሕነት ይኣምንን፡ ከም ሃገራዊ ቅሙጥ ጸጋን ሓይልን ይቖጽሮን። ኤርትራ፡ ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈና ሃገር ንኽትከውን ድማ፡ ንብዙሕነትና ዘለለየ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ፍትሒ ዝሰረቱ፡ ምዕሩይ ምክፍፋል ስልጣንን ሃብትን ብዘይተማእከለ ኣመሓዳድራ ንምርግጋጽ ክጽዕትን ክጣበቕን እዩ።
- ሰዲህኤ ድንቁርና፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ ንምስዓር፡ ናይ ትምህርትን ልምዓትን መደባት ቀዳምነት ብምሃብ፡ ዓቕምን መሃዝነትን ህዝብና ከበርኽን፡ ፖሊቲካዊ ርግኣትን ቅሳነትን ከስፍንን እዩ። ነጻ ዜናዊ ኣገልግሎታት፡ ነጻ በርጌሳዊ ማሕበራት ክቖማን ተራኤን ከዕዝዛን ከተባብዕ እዩ።
- ሰዲህኤ ኣብ ኣህጕራዊ መዳይ ክብራ ዝሓለወት ቅብልቲ፡ ሃገር ንምህናጽ፡ ኣህጕራዊ ውዕላትን ውሳኔታትን ከኽብር፡ ልዑላውነት ሃገራት ዘይደፍር፡ ናይ ሕድሕድ ኢድ ምትእትታው ዘይቅበል ዞባውን ኣህጕራውን ዕዮታት ከካይድ እዩ።
2. ምህናጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት
ሰዲህኤ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ ስርዓት ክህነጽን ቀጻልነት ክህልዎን ብህዝቢ እተሓንጸጸን ዝጸደቐን ዲሞክራስያዊ ቅዋምን፡ ኣብ ቅዋም እተሞርከሰ ዲሞክራስያዊ ትካላትን ክትከልን ክምዕብልን እንከሎ ምዃኑ ይኣምን። በዚ ምኽንያት ተሳትፎን ወሳኒ ተራን ህዝቢ ኣብ ጕዳዩን፡ ኣብ ጕዳይ ሃገሩን ብሕግን ብግብርን ውሕስነት ምእንቲ ክረክብ፡ ኣብ ምክፍፋል ስልጣን ዝምርኰስ ብነንሕድሕዱ ዝተሓሳሰብ፡ ግሉጽነት ዝመልኦ፡ ነጻ መንግስታዊ ትካላት ምቛም መሰረታዊ ዕላምኡ ገይሩ ይርእዮ። ኣብ ርእሲ እዚ’ውን፡ ስልጣንን ሃብትን ኣብ ሓደ ቦታ ከይእከብ ወይ’ውን ብውሱናት ኣካላት ከይግበት ምእንቲ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገራውን ቦታውን ውሳኔታትን ኣፈጻጽምኦምን ክዋሳእ ዘብቅዖ ዘይምእኩል ስርዓተ-ምሕደራ ንምዕዋትን ንምውሓስን ክቃለስ እዩ።
2.1 ቅዋማዊ መንግስቲ
ሰዲህኤ ምህናጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት መሰረቱ፡ ብቕዋም ዝግዛእ መንግስቲ ምትካል ምዃኑ ይኣመን። ካብዚ እምነት እዚ ነቒሉ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላቱን ሃገራውን ባህላውን ክብርታቱን ዘጠቐለለ ንዅሉ ኣከያይዳ መንግስትን ትካላቱን ዝገዝእ ሓደ ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክሕንጽጽን ከጸድቕን ከይተሓለሎ ክቃለስ እዩ። ኣብ መስርሕ ነቲ ሕሉፍ ጻዕርታትን ተሞክሮን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕንጻጽ ቅዋም ኣብ ግምት ዘእተወ ይኸውን። ብህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋም ክመሓየሽ፡ ክትካእ ወይ’ውን ክልቀብ እንተድኣ ኮይኑ፡ ብውሳኔ ህዝቢ ክኸውን ከምዘለዎ ይኣምን።
2.2 ምርግጋጽ ፍትሕን ልዕልና ሕግን
ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኵሉ ኤርትራዊ ዜጋን ተቐማጦአን ማዕረ እዮም። ሕጊ ዕላምኡ ፍትሕን ስርዓት ንምንጋስ፣ ውሕስነት ንምሃብን ስለ ዝኾነ ሰዲህኤ ኣብ ሃገርና ኣብ ቅዋም እተሞርከሰ ሕጋውን ምምሕዳራውን ለውጥታት ኣተኣታትዩ ህዝብና ብፍትሓዊ ኣገባብ ዝመሓደረሉ ኵነታት ክፈጠር ክቃለስ እዩ። ሰዲህኤ ኣዋጃት ይኹኑ ሕጋገታት ብመለክዕታት ፍትሒ፣ ንመባእታዊ መሰል ዜጋታት ብዘኽብር፣ ስርዓተ-ሕጊ ብዘረጋግጽ፡ ቁጠባዊ፣ ማሕበርውን ባህላውን ረብሓታት ብዘዕቁብን፣ ልዕሊ ኵሉ ድማ ቅዋማዊ መስርሕ ሒዙ ብዝምልከቶ ሓጋጊ ኣካል ዝወጽእን ዝጸድቕን ተፈጻምነት ዝረክብን ክኸውን ክቃለስ እዩ።
2.3 ምክፍፋል ስልጣን፣ ምሕያል ሓጋግን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ
ሰዲህኤ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምክፍፋል ስልጣን ዝተሰረተ ብሓጋጊ፣ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዝቖመ ዲሞክራስያዊ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ክትክል ይቃለስ። እቶም በብእዋኑ ብህዝቢ ዝምረጹ ኣባላት ፓርላማን (ሃገራዊ ባይቶ) ከምኡ’ውን ኣብ ትካላት ቤት ፍርዲ ዝምደቡ ክኢላታትን ሓላፍነቶም ብግቡእ ምእንቲ ክፍጽሙ ንስርሖም ዝሕግዝ ኣድላዪ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን ክዳሎን ክትግበርን ክቃልስ እዩ።
2.4 ምቋም ነጻ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ
ኣብ ቅዋማዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ-መንግስቲ ሕቶ ርትዓውን ነጻን ፖለቲካዊ ምርጫ ዝልዓለ ቦታ ከምዝሕዝ ስለዝኣምን፡ ሰዲህኤ ነጻን ናይ ገዛእ ርእሱ ዓመታዊ ባጀት ዝውንን ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ክህሉ ክቃለስ እዩ። ብተወሳኺ፡ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ ሕይወት ሃገሩ ብዝልዓለ ንኽዋሳእን፡ ኣፍልጦኡን ሲቪካዊ ግንዛበኡን ኣብ ሕጊ ምርጫ ክብ ንምባልን፣ ትምህርቲ ከዳሉን ብቐጻሊ ክምህርን ክቃለስ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድድር ዝሳተፉ ኣካላት ከኣ ብሰልፍታት ዝተወደቡ ጥራይ ዘይኮኑ ካብ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ነጻ ዝኾነ ዜጋታት ዘጠቓለለ ክኸውን ክቃለስ እዩ።
2.5 ምቋም ነጻ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰላምን ዕርቅን
ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ብሰሪ መግዛእታዊ ስርዓትን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጌጋታትን ኣብ ሕሉፍ ይኹን ኣብ ህሉው ኵነታት እተራእየ ነገራውን ኣእምራውን ሃስያታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰዲህኤ ፍትሒ ንምንጋስን በሰላታት ንምፍዋስን ነጻ ኮሚሽን ዕርቅን ሰላምን ብምቋም ጕዳያት ክስምዑን ፍትሒ ክረኽቡን ክገብር እዩ። ሓድነት ህዝብናን ነቲ ብኽቡር መስዋእቲ ዘረጋገጽናዮ ልዑላውነት ሃገርናን ንምዕቃብን ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ንምኹስኳስን ሰላምን ዕርቅን ቀንዲ ቅድመ-ኵነት ስለ ዝኾነ ከኣ ግቡእ ኣቓልቦ ንኽረክብ ክቃለስ እዩ።
2.6 ጥዑይ ምሕደራን፣ ምውጋድ ብልሽውናን
ሰዲህኤ ኣብ ሃገርና ብኣህጕራዊ መለክዕታትን መምዘንታትን ዝልለ ጥዑይን ተሓታትነት ዘለዎን ምሕደራ ከተኣታቱ መሰረታዊ ዕላምኡ እዩ። ካብዚ ነቒሉ ንብልሽውና ንምውጋድን፡ ንግሉጽን ንተሓታትነት ዝምእምእን መስርሕ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት መንግስታዊ ትካላትን ምምሕዳራትን ከተኣታቱን ከይተሓለሎ ክቃለስን እዩ። ብዘይካዚ ህዝቢ ርእይቶኡ ሰጋእ ከይበለ ዝገልጸሉን፡ መንግስታ’ውን ርእይቶ ህዝቢ ዝሰምዓሉን ኣድላዪ ባይታ ንምፍጣር ክጽዕር እዩ።
2.7 ዘይምእኩል ምሕደራ
ሰዲህኤ ሓድነትን ባህላዊ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው ስልጣንን ሃብትን ሃገር ብውሱናት ኣካላት ንኸይግበት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሃገር ደረጃ ይኹን ብቦታዊ ምምሕዳራት ናይ ምውሳንን ምፍጻምን ተሳፍትነቱ ምእንቲ ክረጋግጽ ዘይምእኩል ምሕደራ መሰረታዊ ዕላምኡ ምዃኑ ይኣምን።
መንግስታዊ ስልጣን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ በብደረጅኡ ተኸፊሉ፡ ህዝቢ ብቐጥታ ኣብ ምምሕዳር ገዛእ-ርእሱ ተሳታፊ ክኽውን ዘኽእሎ ብቅዋም እተረጋገጸ ዘይምእኩል ቅርጺ ምምሕዳር ክህሉ ክቃለስ እዩ። ታሪኻዊ ምትእስሳር ህዝብና ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል፡ ብመሰረት ታሪኻዊ ሰፈራ፡ ህዝብናን፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ክውንነትን ተጸኒዑ ክሳብ ዝቐርብ ከኣ፡ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ነቲ ታሪኻዊ ኣቀዋውማ ኣውራጃዊ ምምሕዳራት ሃገርና ዝሕሉን ዘኽብርን ቅርጺ ክሕዝ ክጽዕት እዩ።
2.8 ምርግጋጽ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ሕይወት ኤርትራ
ሰዲህኤ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፍርቂ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዃነን መሰለን ተሓልዩ ኣብ ኵሉ ሕይወት ሕብረተ-ሰብናን ሃገርናን ብማዕረ ክሳተፋ ከምዘለወን ይኣምን። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ እቲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ካብ ኵሉ ማሕበራውን ውልቃዊ ሕይወትን ክግልለን ዝጸንሐ ባህላውን ፖለቲካውን ቀይድታት ብሕጊ ንምውጋዱ ኣድላዪ ቃልሲ ክካይድ እዩ።
ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽን ብኡ ኣቢልካ’ውን ዲሞክራሲ ንምሕያል ሕጊ ማዕርነት (law of equality) ብምውጻእ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ሕሉው ክኸውን ሰዲህኤ ኣድላዪ ጻዕርታት ክገብር እዩ። ብተወሳኺ ንተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኵሉ ትካላዊ ሕይወት ንምሕያል ስልዕታዊ (ኮታዊ) ኣገባብ (quota system) ብምትእትታው ብደረጃ ሰልፍን ሃገርን ንኽትግበር ክቃለስ እዩ።
2.9 ምርግጋጽ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ
ሰዲህኤ መሰረታዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ብምልኣት ክረጋገጽ በዚ ዝስዕብ ፖሊሲ ከይተሓለሎ ክቃለስ እዩ።
2.9.1 ነጻነት እምነት ምኽባር፡ ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ሃይማኖታዊ እምነት፡ ኣብ ኣውራጃ፡ ብሔር፡ ዓሌት፡ ወይ ጾታ ዝተሞርከሰ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ምውጋድ፤
2.9.2 እቲ ኣብ ኤርትራ ዝቐውም ስርዓት መሰል ምውዳብ፡ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ከምኡ’ውን ሰላማዊ ተቓውሞ ዘኽብር፡ ኣብ ኣብዝሓ-ሰልፊ ዝተመስረተ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክኸውን ምቅላስ፤
2.9.3 ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ሲቪላዊ ማሕበራትን ሞያዊ ትካላትን ክቖማን፡ ስርሐን ብምሉእ ነጻነት ከካይዳን ምቅላስ፤
2.9.4 መሰል እሱራት ምኽባርን ኣብ ልዕለኦም ዝኾነ ይኹን ስነ-ኣእምራውን ኣካላውን በደል፡ ዓገብ፡ ወይ’ውን ስቅያት ከይወርድ ምክልኻል፤
2.9.5 መሰል ቆልዑ ኮነ ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይት ክቡርን ሕሉውን ክኽውን ምቅላስ፤
2.9.6 ምኽባር መሰል ምውናንን፡ንብረት ዜጋታት ምሕላውን ምክልኻልን፣ ዘማልአ ይኸውን።
- 3. ልዑላውነት ሃገር ዘውሕስ ሓይልታት ምኽልኻልን ጸጥታን
ሓይልታት ምኽልኻልን ጸጥታን ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ሃገር ዘውሕስ፡ ንኣህጕራውን ዞናውን ውዑላት ዘኽብር፡ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ጕዳይ ጣልቃ ምትእትታው ዘየፍቅድ፡ ብውሳኔታት ብቕዋም ዝተመርጸ መንግስቲ ጥራሕ ዝምእዘዝን ዝግዛእን ቀንዲ መቖምኡ ዕላማታት ክኸውን እዩ።
3.1 ሓይሊ ምድሪ፣ ኣየርን፣ ባሕርን ኤርትራ
3.1.1 ሰዲህኤ: ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን፡ ንሃገራዊ ቅዋምን፡ ልዑላውነት ሃገርን ህዝብን ከምኡውን ፣ ብመሰረት ቅዋምን ሕጊ ምርጫን ብህዝቢ ንዝተመርጸ መንግስቲ ዝከላኸል፣ ሃገራዊ ትካል ምዃኑ ይኣምን። በዚ መሰረት ንረብሓታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝከላኸልን ዘገልግልን፡ ንብረት ህዝብን መንግስትን ዝሕሉ፣ ኣፍራዪ፣ ፖሊቲካዊ ሻርነት ዘይብሉ፡ ሃገራዊ ሰራዊት ንምቛምን ንምምዕባሉን ብተወፋይነት ክሰርሕ እዩ።
3.1.2 ሰዲህኤ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ብሞያዊ ዓይኒ ጠሚቱ ኣብ መዳያት ሓይሊ ምድሪ፡ ባሕርን ኣየርን፡ ወትሃደራዊ ኮለጃት ክኸፍትን፣ ዘመናዊ ስልጠናታት ከም ዝወሃብ ክገብርን፡ ማህደረ-ትምህርቲ ክሰርዕን እዩ።
3.1.3 ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብሞያውያን ሰራዊትን፡ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክቐውም ተደላይነት ከም ዘለዎ ብምግንዛብ ስሩዕን ዝተጸንዐን መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝህሉ ክገብር እዩ። ይኹን’ምበር ሃገራዊ ኣገልግሎት ቅዋማውን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ብጊዜ ዝተደረተን፡ ከምዝኸውን፡ ንምግባር፡ ሓድሽን ፍትሓውን ሕጊ ከም ዝወጽእ ክገብር እዩ።
3.1.4 ሰራዊት ኤርትራ ንማሕበራዊ ምልኣት ኤርትራ ዘንጸባርቕ ይኸውን፤ ውልቀ-ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ ክመርጹ መሰል ይህልዎም። ተጻይ ጥቕሚ ክንዲ ዝኾነን ብዝንባሌ ንኸይስዓሩን ግና፡ ኪምረጹ፡ ወይ ኣባላት ሰልፍታት ክዀኑ ኣይክእሉን።
3.1.5 ሰዲህኤ ንህዝብን ሃገርን ዝሕሉን ዝከላኸልን ዘመናዊ መሳሪሒታት ዝውንን ክፍሊ ኣገልግሎት ስለያ (Intelligence Department) ንኽቐውም ይኣምን፤
3.1.6 ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ እዋን ንቅዋም ኤርትራ ዝምእዘዝ፣ ንሃገር ብግዳም ክመጻ ንዝኽእል ሓደጋ ብሞያዊ ብቅዓት ዝገጥም፡ ዝከላኸልን፡ ዘበርዕንን ድሕነታዊ ትካል ኮይኑ፡ ናይ ዝኾነ ይኹን ፍሉይ፡ ሰልፊ ወይ ውድብ ወይ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ጸጊዕነት ዘይብሉ፤ ይኸውን።
3.1.7 ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ንመሰረታውያን መሰል ወዲ-ሰብ ዘይግህስ፣ ምስ ካልኦት ሓይልታት ጸጥታ ሃገር ዘይጋጮ፣ ምስ ህዝቢ ብቀረባ ተሓባቢሩ፡ ዝሰርሕ፣ ንኽኸውን፡ ንኣወዳድባኡ፡ ዝሰርዕን ዕማማቱ ዘነጽርን፡ ሕግታትን መምርሕታትን ክወጸሉ፡ እዩ።
3.2 ፖሊስ ኤርትራ
3.2.1 ሰዲህኤ ፖሊስ ኤርትራ ብዘመናዊ ኣገባብ ተወዲቡ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝሕሉ፡ ፖሊሳዊ ኣገልግሎት ክህብ ንምግባሩ ፖሊሲታት ሓንጺጹ ክሰርሕን ንብረት ህዝብን መንግስትን ክሕሉ ከኽእሎ እዩ።
3.2.2 ፖሊስ ኤርትራ ኣብ መላእ ሃገር ተዘርጊሑ ስርዓተ-ሕጊ ንምኽባርን፡ ገበናት ንምክልኻልን፣ ገበነኛታት ናብ መጋባእያ ፍትሕን ፍርድን ንምቕራብን፡ ዘኽእል ዓቅሚ ፖሊስ ክብ ክብል ክጽዕት እዩ።
3.2.3 ፖሊስ ኣብ ስርሑ፡ ብፍላይ ድማ ገበን ደው ንምባል ኣብ ዝብገሰሉ እዋን፡ ምስ መሰል ውዲ-ሰብ ዝጋራጮ ዝመስል ኵነታት ከጋጥም፡ ስለ ዝኽእል፡ ነዚኦም ንምውጋድን፡ ልዕልነት ስልጣን ብምጥቃም ገበን ካብ ምፍጻም፡ ንምድሓንን ዘመናዊ ትምህርትን፡ ምልመላን ክካየድ እዩ።
3.2.4 ሰዲህኤ ናይ ፖሊስ ኣካዳሚ ብምኽፋትን፡ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት ብምቅያስን፡ ዓቕሚ ኣገልግሎት ፖሊስ ንምሕያል፡ ብሞያን ብቅዓትን ዋሕስ ህዝብን ንብረቱን ከም ዝኸውን ንምግባር ክሰርሕ እዩ።
3.2.5 ተራ ህዝቢ ኣብ ሰላምን ጸጥታን ንምዕዛዝ፡ ፖሊስ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ዝህልዎ ዝምድና ኣደልዲሉ፣ ህዝቢ ናይ ሕይወቱን ንብረቱን ዋና ተኸላኻላይ ከም ዝኸውን ንምግባሩ ክጽዕት እዩ።
3.3 ኣብያተ-ማእሰርትን ኣገልግሎቱን
3.3.1 ሰዲህኤ ነቶም ስርዓት ህግደፍ፡ ግፍዒ ዝፍጽመሎም፡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብሕጊ ኣፍሪሱ፡ ገበን ንምክልኻልን፡ ቅሳነት ዜጋታት ንምርግጋጽን ዝዕላማዑ ስርዓት ኣብያተ ማኣሰርቲ ክኽተል እዩ። ንኵሎም’ቶም ብሰንኪ ፖለቲካዊ እምነቶምን ንቕሓተ-ሕልናኦምን ብዘይሕጋዊ መስርሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ድማ ብዘይውዓል ሕደር ክፈትሕ እዩ።
3.3.2 ብገበን ዝተኣስረ፡ ባእታ፡ ብወግዓዊ ቤት ፍርዲ ተፈሪዱ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ብሕጊ ሕሉው ኮይኑ፡ ኣፍራዪ ዝኾነሉ ባይታ ይጣጥሓሉ።
3.3.3 ሰዲህኤ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብግቡእ ተታሒዞም፡ ንእሱራት ግቡእ ነገራውን ምምሕዳራውን ኣገልግሎት ዝህብሉ ፖሊሲታት ከውጽእን ከተግብርን እዩ። ምምሕዳር ኣብያተ-ማእሰርቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ክህብ ፍሉጥ ባጀት ክስልዓሉን፡ ኪኢላታት ክምደብሉን እዮም።
3.3.4 ሰዲህኤ እሱራት ምስ ስድርኦም ናይ ምርኻብ መሰሎም ሕልው ክኸውንን፤ ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ይኹን ኣካላውን ኣእምሮኣውን በደላት ከይፍጸምን ክከላኸል እዩ፤
3.3.5 ሰዲህኤ ንእሱራት፡ ጽዕነት ሕብረተሰብ ኮይኖም ንኸይተርፉን፡ ፍርዶም ወዲኦም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኣድማዒ ተራ ንኽዓሙን፡ ኣካዳምያውን ሞያውን ትምህርቲ ክሰርዕን ከተግብርን እዩ።
4. ምርግጋጽ ቍጠባዊ ልምዓትን ምዕባለን
ሃገርና፡ ብደቛሲ ፖሊሲታት ገዛእትን ብነዊሕ ሓርነታዊ ውግእን ዝወረዳ ቍጠባዊ ኣደራዕ ከይኣኽላ፡ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተወሲኹ፡ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ቍጠባዊ ሃለዋት ትርከብ። ነዚ ኵነታት’ዚ ንምቕያር ሰዲህኤ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት፡ ነቶም ፍሉይ ጉድኣት ወሪድዎም ዘለዉ ክፍልታት ህዝብና ብህጹጽ ምዕንጋልን ዳግመ-ህንጻ ሃገር ምክያድን ቀዳማይ ቦታ ከህቦ እዩ።
ዕላማ ሰዲህኤ ነቲ ወዲቑ ዘሎ ቍጠባዊ ኵነታት ሃገርና ክብ ምባል፣ ነቲ ዘይተመጣጠነ ናብራ ህዝብና ምምዕርራይ፣ ኣብ ዘተኣማምን ቍጠባዊ ባይታ እተሰረተት ብልጽግቲ ሃገር ንምህናጽ ምቅላስ እዩ። ኣብዚ ዕላማ’ዚ ክብጻሕ ዝከኣል፡ ብሓደ ወገን ነቲ ኣብ ድኽነትን ስቓይን ዝርከብ ዝበዝሐ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብና፡ ኣፍራዪ ዓቕምታቱ ክብ ኢሉ ተጠቃሚ ጻዕሩን ድኻሙን ዝዀነሉ ኵነታት ምፍጣርን ምጥጣሕን፤ ከምኡ’ውን፡ ነቲ ዘይምዕሩይ ኵነታት መነባብሮ ህዝብና ምምዕርራይን፡ ነቶም ህሱያት ወገናት ፍሉይ ትኹረት ዝህብን መደባት ምሕንጻጽን እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ቅኑዕ ቍጠባዊ ፖሊሲ ብምኽታልን ንሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ኣውፈርቲ ብምትብባዕን፤ ኣብ ዕብየት ቍጠባ ሃገርና ግዴኦም ንኽጻወቱ ዕድል ምኽፋትን እዩ። ምስ’ዚ ተተሓሒዙ’ውን ኣብ ዞናና ይኹን ኣብ ዓለምና ብኣወንታዊ ኣገባብ ከዋስእ ዘኽእል ንግዳዊ ፖሊሲታት ምትላም የድሊ። ነዚ ዕላማታት’ዚ ጋህዲ ንምግባር፡ ውድድርን መሃዝነትን ዘተባብዕ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ቍጠባዊ ፖሊሲ ክንክተል ኢና።
4.1 ፖሊሲ ልምዓት ሰዲህኤ
ፖሊሲ ልምዓት ሰዲህኤ ቍጠባ ሃገርና ቀጻልን ንጡፍን ዕብየት ምእንቲ ከርኢ፡ ንዅሉ ውሽጣዊ ሃገራዊ ዓቕምታት ብዝግባእ ዘንቀሳቕስ ንኽኸውን ክንቃለስ ኢና። ኵሎም እቶም ንውሽጣዊ ሃገራዊ ዓቕምታትና ከሕምሱ ዝጸንሑ ምምሕዳራዊ ውሳኔታትን ባህላውን ማሕበራውን ቀይድታትን ከምዘልግሱ ብምግባር፤ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ይኹን ዓለም-ለኸ፡ ኣብ ናይ ሓባር ንግዳዊ ረብሓ እተሞርከሰ ዕብየት ከይነረጋግጽ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ቅዋማትን ኣሰራርሓን ብምውጋድ ምእሙእ ኵነታት ዝፈጥር ክኸውን እዩ፤
4.1.1 ንጡፍን ቀጻልን ቍጠባዊ ምዕባለ ዝዕንቅፉ ድኽመት ትሕተ-ቅርጻ ምምላእን ምምዕባልን። ብፍላይ ከኣ ማይ፡ ሓይሊ ኢለትሪክን (ጸዓት) ዘመናዊ መራኸቢታትን ነቲ እንጽበዮ ደረጃ ምዕባለ ዝመጣጠን ከምዝኸውን ምግባር፤
4.1.2 ሞያዊ ትምህርቲ ክብ ዝብለሉ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ምስራዕ በዚ ኣቢልካ ከኣ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰራሕተኛ ህዝቢ ንምምዕባል ምጽዓር፤
4.1.3 ካብ ያታውን (ልማዳውን) ድሑርን ናውቲ ማእቶት ተገላጊሉ፡ ናብ ዘመናዊ ስነ-ኪነታዊ ኣሰራርሓ ንምስግጋር፣ ብባጀት ዝተሰነየ፡ ብስነ-ፍልጠትን ስነ-ኪነትን ዝስነ፡ መሃዝን ቀያስን ማእከል መጽናዕቲ ምቛም፤
4.1.4 ዝተመዓራረየን ዳይናሚካውን ዝዀነ፡ ንናኣሽቱን ማእከሎትን ከበድትን ኣብያተ-ዕዮ መሰረት ዝገበረ፣ ናይ ሕርሻ-እንዱስትርያዊ ምህርቲ ክምዕብል ምቅላስ። እዚ ድማ ንዅሎም ኣብ ሕርሻ፡ ምርባሕ ከብቲ፡ ምግፋፍ ዓሳን ኣብ ናይ ምስናዕ ሞያን ንዝተዋፈሩን ንነጋዶን ዘጠቓልል ይኸውን፤
4.1.5 ንስትራተጂያዊ ኣቀማማጣ ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ባሕሪ ዝተእሳሰረ ፖሊሲ ወፍሪን ንግድን ከምኡውን ናይ ወደብ ኣገልግሎት ምምዕባል
4.1.6 ኣብ ከተማታትን ገጠራትን፡ ንኣሽቱ ሓባራውን ውልቃውን ትካላት፤ ናብራ-ዕብየት (ኮኦፖራቲቫዊ) ማሕበራት ክቖማ ምትብባዕን ዘድሊ ሓገዛት ምግባርን፤
4.1.7 ኣብ መንጐ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ዝርከብ ዝምድና፡ ኣብ ኣወንታዊ ሃዋህው ክምስረት ምቅላስ። ደሞዝ ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ህሉው ኵነታት ናብራ ዝመጣጠን ክኸውን፤ ዝተሓተ ደሞዝ ሰራሕተኛ ብሕጊ ከም ዝውሰን ምግባር፤
4.1.8 ስእነተ-ስራሕ ንምክልኻል ምቅላስ፤ ናይ ስራሕ ዕድላት ምብዛሕን ንስራሕ ዘተባብዑ ስጕምታት ምውሳድን፤
4.1.9 ንውድድርን መሃዝነትን ዘተባብዕ ኣብ ነጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ቍጠባዊ ፖሊሲ ምኽታልን፡ ምስ ማሕበራዊ ፍትሒ ብዘሳኒ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ምግባርን፤
4.1.10 ብሕታዊ ክፋል ንኽዓቢ ኣተባባዒ ሃዋህው ምፍጣር፤
4.1.11 ብሰልፍታት ኮነ መንግስታዊ ኣካላት ዝውነኑ ናይ ንግዲ ትካላት ንብልሽውናን ግበታዊ ልምድን ዝዕድሙ ክንዲ ዝኾኑ ዘይምፍቃድ።
4.2 ፖሊሲ ሰዲህኤ ንምዕሩይ ቍጠባዊ ምዕባለ ኣውራጃታት ኤርትራ
4.2.1 እተን ብምዕባለ ድሒረን ዘለዋ ኣውራጃታት ፍሉይ ትዅረት ከምዝረኽባ ምግባር፤
4.2.2 ነፍስ-ወከፍ ኣውራጃ፡ ባዕላ እተመሓድሮ ምስቲ ሓፈሻዊ ኣንፈት ቍጠባዊ ፖሊሲ ሃገር ዝሰማማዕ ናይ ገዛእ ርእሳ ቍጠባዊ ምምሕዳር ከተማዕብል ምቅላስ፤
4.2.3 ኣብ መንጐ ኵሉ ጽፍሕታት ቅርጺ መንግስቲ (ኣውራጃ፡ ወረዳ፡ ዓዲ) ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ዝተሰረተ፡ ኵሉ መዳያዊ ዝምድናን ምድግጋፍን ንኽህሉ ምቅላስ።
4.3 ፖሊሲ ዕቤት ብሕታዊ ጽላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ
ሰዲህኤ ነቲ ንነጻ ዕዳጋ ዘይድግፍ ምጣነ-ሃብታዊ ኵነታት ቀይሩ ንውሽጣውን ግዳማውን ኣውፈርቲ ምእሙእ ኵነታት ዝፈጥር ነጻ ዕዳጋ ቅዋም ክምዕብል ኣብዚ ዝስዕብ ክጽዕር እዩ።
4.3.1 ብሕታውያን ኣውፈርቲ ኣብ ንሰደድ ዘቐንዐ ፍርያት ክተግሁ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር፤
4.3.2 ናብ ሰደድ ዘቐንዐ ንግዳዊ ፍርያት ብምድሃብ ተወዳዳሪ ኣቑሑት ከፍርዩ፡ መጠናዊ ወለድን ቀረጽን ብምትእትታው ምትብባዕ፤
4.3.3 ንሰደድ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ኣገልግሎት መጓዓዝያን መራኸብታትን ብዘመናውን ዝለዓለ ደረጃን ክህነጽን ንኽዝርጋሕ ምጽዓር፤
4.3.4 ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ወፍሪ ንምትብባዕ ሕጋውን ምምሕዳራውን ጸገማት ምእላይ ብልሽውና ምውጋድ፤
4.3.5 ኣብ ኤርትራ ቅልጡፍን ማዕባልን ዕብየት ንምርግጋጽ ኣብ ኣዝርእትን ሃብቲ እንስሳን ሃብቲ ባሕርን ማዕድንን ዘተኮረ ነኣሽቱ ኢንዲስቱሪታትን ፋብሪካታትን ከምዝቆሙ ምግባር፤
4.3.6 ሃገርና ኤርትራ ንቱርዝም ዝጥዕም ቅርጻ-መሬት ስለ ዘለዋ ሰዲህኤ ንቱሪዝም ኣብ ዘሐይሉን ዘገድሱን ፖሊሲታትን ሕግታትን ብምውጻእ ከማዕብሎ ክጽዕር እዩ።
5. ዕቤት ሕርሻ፡ ዓሳን፡ እንስሳን
ዝበዝሕ ኣካል ህዝብና መነባብርኡ ኣብ ሕርሻ፡ መጓሰን ምግፋፍ ዓሳን ስለ ዝኾነ ሰዲህኤ ንሓረስቶት፣ ጓሶትን ገፈፍቲ ዓሳን ማእቶቶም ንምድንፋዕን ንምሕያልን ድኽነት ንምውጋድ ኣብዞም ዝስዕቡ ፖሊሲታት መደባት ሓንጺጹ ክሰርሕ እዩ፥
5.1 ፖሊሲ ሕርሻ ሰዲህኤ
ሃገርና ብሕርሻ ብዝዓበየ ደረጃ ኣብ ነብሳ ንክትምርኮስ፡ ሓረስቶት ከኣ ውሕስነት ዝሓርስሉ መሬት ረኺቦም ብፍርያት ጻዕሮም ተጠቀምቲ ክኾኑ ሰዲህኤ ነዚ ዝስዕብ ፖሊሲ ሓንጺጹ ንምትግባሩ ክቃለስ እዩ፥
5.1.1 ልምዳዊ ሕርሻ ምምሕያሻት ክግበረሉን፡ ዘመናዊ ሕርሻ ክተኣታቶን በዚ ኣቢሉ ድማ መነባብሮ ሓረስታይ ህዝብና ክብ ንኽብል ምጽዓር፤
5.1.2 ሰዲህኤ ንወፍሪ ሕርሻ ንምሕያል ንውሻጣውን ግዳማውን ኣውፈርቲ ዘተባብዕ ፖሊሲ ሓንጺጹ ከተግብር ክቃለስ እዩ፤
5.1.3 ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ንሓረስቶት ናይ ምሩጽ ዘርኢ፣ መድሃኒትን ልቓሕን ኣገልግሎት ክህብን ንካብ ካልእ ዓድታት ንዝኣትዉ ፍርያት ሕርሻ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ርትዓዊ ዋጋታት ደገፍ ከም ክረኽቡ ክገብርን እዩ፤
5.1.4 ምስ ኵነታት ሃገርናን ባህሪያዊ ክሊማናን ዝኸዱ ስትራተጂካውያን ኣዝርእቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራትን መንግስታትን ዝጠልብዎም ወፍሪ ዘመናዊ ሕርሻ ምትብባዕ፤
5.1.5 ሕርሻ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክድገፍን መድሃኒታትን መሳርሕታትን’ውን ብዝተሓተ ዋጋ ክቐርብ ምጽዓር፤
5.1.6 ሓረስቶት ብባህሪያዊ ድዅዒ ክጥቀሙ ምትብባዕን ምቕራብን፤
5.1.7 ሓረስቶት ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ግደኦም ክጻወቱ ንኣሽቱን ፡ዓበይትን ዲጋታት ክሃንጹን ከማሓድሩን ክኽእሉ ኣድላዪ ምሳርሕታት ምቕራብን ምድጋፍን፤
5.1.8 ኣብ ምርባሕ እንስሳ ዝነብሩ ሓርስቶት ኤርትራ ንሕይወቶም ይኹን ንጥሪቶም ብቐዋሚ ኣገባብ ዝነብርሉ መደባት ሓንጺጽካ ንምትግባሩ ምቅላስ። ብጀካ እዚ ካብ ሃብቲ እንስሳ ዝርከብ ጸጋታት ንነብሶም ተጠቒሞም ኣብ ምንጪ እቶት ሃገርና ኣገድሲ ተራ ክጻወቱ መደባት ሰሪዕካ ምቅላስ።
5.2 ፖሊሲ ሃብቲ ዓሳ ሰዲህኤ
ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ቀይሕ ባሕሪ ንዅሉ ብዝጥዕም ዝተሰርዐ ዕድሎት ጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣ ስለዘለዎ፡ ሃብቲ ዓሳ ከም ቀንዲ ናይ ሰደድ ማእቶም ክንጥቀመሉን ኣብ ህዝብና ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ከነውዕሎ ዝከኣል እዩ። ስለዚ ድማ ሰዲህኤ ሃብቲ ዓሳ ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓል ዝሕግዙ ነዞም ዝስዕቡ ፖሊስታትን ፕሮግራማትን ንምትእትታው ክሰርሕ እዩ።
5.2.1 ምግፋፍ ዓሳ ሞያን ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ምንጪ እቶትን ምዃኑ ተራእዩ፡ ልምዳዊ ምግፋፍ ዓሳ ብዘመናዊ ኣገባብ ከምዝትካእ ምጽዓት፤
5.2.2 ሃብቲ ዓሳ ኣብ ምስናዕን ምስፋሕን ዝቀውም ናእሽቱ ይኹን ዓበይቲ ትካላት፡ ብቀዳምነት ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ህዝቢ ናይ ስራሕ ዕድል ዝኽስት ንኽኸውን ሰዲህኤ ክቃለስ’ዪ፤
5.2.3 ኣብ ደገ፡ ዓሳ ኤርትራ ንሰፊሕ ተደላይነቱ ቀጻልነቱን ዘጣዓዕም ዕዳጋ ምኽፋትን ምስፋሕን፣ ብውሽጢ ድማ ገፈፍቲ ዓሳ ኤርትራውያን ርትዓዊ መኽሰባት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ቅዲ ብምሽናን፤ ኣብ ሃገርና ሃብቲ ዓሳ ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንኽኸውን ምጽዓር፤
5.2.4 ንኤርትራውያን ብዘይካቲ ብኣካዳሚያዊ መልክዕ ዝዋሃብ ሱሩዕ ትምህርቲ ፍሉይ ምስ ሃብቲ ዓሳ ዝታሓሓዝ ተክኒካዊ መሰልጠኒ ማእከላት ብምቛም ስልጠናታት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ኣገባብ ምስራዕ፤ ገፈፍቲ ዓሳ ዘመናዊ መሳርሕታት ብቐጻሊ ንክረኽቡ ምጽዓር፤
5.2.5 ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ረብሓታቶም ንምክልኻልን ንምርግጋጽን ነጻ ሞያዊ ማሕበር ክምስርቱ ምቅላስ፤
5.2.6 ቐጻልነት ሃብቲ ዓሳ ንምርግጋጽ ኣብ ዓመት ክንደይ ዝኣክልን እንታይ ዓይነት ዓሳ ኣብ ኣገልግሎት ከምዝውዕል ብሕጊ ዝጸደቐ ክኸውን ምጽዓር፤
5.2.7 ነቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥራሕ እንተዘይኰይኑ ኣብ ካልእ ዘይርከቡ ዓይነት ዓሳታት ዘርኦም ንምዕቃብ ብሕጊ ውሕስነት ህልውናኦምን ምብዝሖምን ዝተሓለወ ክኸውን ምጽዓት።
5.3 ፖሊሲ ምሕደራ ገረብ ሰዲህኤ
ገረብ ኣብ ዕቀባ ከባብን ኣብ መነባብሮ ኣብ ገጠራትን በረኻታትን ዝነብር ህዝብና ኣገዳሲ ተራ ስለ ዝጻወት ሰዲህኤ ብፍሉይ ትዅረት ርእዩ ንዘሎ ዝተፈላለዪ ባህርያዊ ኣግራብ ምዕቃብ ጥራይ ዘይኮነ ሓደስቲ ምትካልን ንዝበረሱ ምትካእን ነዚ ዝስዕብ መደባት ሓንጺጹ ከተግብር ክቃለስ እዩ።
5.3.1 ምስ ኵነታት ኣየር ሃገርና ዝሰማምዑ ሓደስቲ ኣግራብ ካብ ኣባይትን ካብ ናይ መጓዓዝያ መስመራትን ናይ ጸዓት ቦታታትን ወጻኢ ቦታታት ምትካል፤
5.3.2 ዝትከሉ ኣግራብ ካብ ዝናም ብዝረኽቦ ጠሊ ክመዝዓቢ ምግባር፤
5.3.3 መደብ ምግራብ ሰዲህኤ፡ ብሕማም ተነካእቲ ዘይኰኑ ኣግራብ፡ ንኽዓብዩ ክንክንቲ ማይ ኮነ ንድዅዒ ዘየድልዮምን ካልእን ወጻእታት ዘይሓቱ ንኽዀኑ ምይጽዕር፤
5.3.4 ሓደስቲ ዝትከሉ ኣግራብ ብግምት ዘይኮነስ ብስነ-ፍልጠታዊ ቅዲ ብተጸንዐ ነቲ ባህርያዊ ጠባይ ተኽሊ ወይ ገረብ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ንኽጸድቁን ክዓብዩን ዝሕግዝ ቦታ ክህልዎምን ባህርያዊ መልክዕ ከምዝለብሱ ንምግባር ምጽዓር።
5.4 ምክልኻል ፍግረ-መሬት
ብውሓይዝን ብንፋስን ንዝጠፍእ ሓመድ ንምኽልኻልን ኣብ ጠቕሚ ቦታዊ ህዝቢ ከምዝውዕል ንምግባሩን ከበድቲ ጻርታት ዝሓትት ጕዳይ እዩ። እዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ሃገራዊ ሃብቲ ብተጠቃሚ ህዝቢ ክዕቀብን ክሕሎን ጥራይ ክደፍ ዘለዎ ዘይኮነስ፡ ብሰፊሑ መንግስቲ ቀዳምንታት ዝሰሪዑ ዝተጸንዐ ንኣተሓሕዛን ንኣጠቓቕማን መሬት ፖሊሲ ሓንጺጹ ክጽዕረሉን ክነጥፈሉን ስለ ዝግባእ፡ ሰዲህኤ ፍግረ-መሬት ንምክልኻል እዚ ዝስዕብ ፖሊሲ ከተግብር ክቃለስ’ዩ።
5.4.1 ሓመድ ብፍልዩነቱን ብኲነታት ኣየርን ነገራዊ ትሕዝታኡ ኮነ መበቈላዊ ክቀያየር ስለዝኽእል መሬትን ማይ-ክዖ ሃገርና ብግቡእ ምጽናዕን ምምርምርን፤
5.4.2 ሓደ ካብቶም ቀንዲ ፍግረ-መሬት እንከላኸለሉ ኣገባባት ምግራብ ስለዝኾነ፡ ኣብ ብዝሒ ዝናም ዘለዎ ክብብታትን ብቀሊሉ ዝፋሓቚ ሓመድ ዘለዎ ቦታን፡ ከሎ ጌና ጽፉፍ መጽናዕቲ ኣካይድካ ኣጠቓቕማ መሬት እቲ ቦታ ምድራት፣ ንፍግረ-መሬት ዝጻወሩ በብዓይነቶም ኣግራብን ምግራብን፣ ባህርያዊ ሳዕርን ዕንበባታት መሮርን ምዝራእ ወይ ምትካል፤ በብእዋኑ ድማ ምክንኻንን ንዝነቐጹ ብዳግም ምትካልን፤
5.4.3 ንፍግረ-መሬት ተነቓፊ ዝኾኑ ቦታታት ኣጽኒዕካ፣ ንፍግረ-መሬት ተጻዋርነት ዘለዎም ኣግራብ ብምትካል ምክልኻል፤
5.4.4 ኣብ ኣድላዪ ዝኾነ ቦታት ዛላታትን ሓጽብታትን ብምስራሕ ምግዳብ።
6. ምሕደራ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር
ሰዲህኤ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር ብግቡእ እንተድኣ ተማሓዲሩ ንዕቤት ሃገር ከደንፍዕ፡ ኣብ ሰላምን ርግኣትን እታ ሃገር ድማ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክህልዎ ከም ዝኽእል ብምግንዛብ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዘተኣታተዎ ብልሽውና ንምውጋድን፡ ህዝብና ብዘይኣድልዎ ብማዕረ ተጠቃሚ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገሩ ከም ዝኸውን ንምግባርን፡ ነዞም ዝስዕቡ ፖሊሲታት መሰረት ጌሩ ክሰርሕ እዩ።
6.1 ዋንነትን ምሕደራን መሬት
ሰዲህኤ ዋና መሬት ህዝቢ’ዩ ካብ ዝብል እምንቶ ይብገስ። ቀጻልነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ መሬት ንምርግጋጽን፣ ንድሌትን ረብሓን ናይ ሕጅን መጻእን ወለዶታት ብዘንጸባርቕ ንምቕያሱን ድማ፣ ነዚ ዘሎ ንመሬት ዝምልከት ገባትን ኣግላልን ፖሊሲን ኣዋጅን ህግደፍ ኣልጊሱ መጽናዕትን ምርምርን ብዘሰነዮ ፍትሓዊ መንገዲናብ ዋንነት ህዝቢ ይመልሶ። ብስርዓት ህግደፍ ዝተወስደ ግጉይ ዕደላ መሬት ንኸባብታትን ዓድታትን ጥቕምን ረብሓን ዘይየረጋግጽ፡ ንገጠራትን ከተማታትን ዘናቝት ብምዃኑ፡ ምሕደራ መሬት ንነዊሕ ዘማዕደወ ከም ዝኸውን ንምግባር ሰዲህኤ ነዞም ዝስዕቡ ሓፈሻዊ ፖሊሲታት ከተኣታቱ እዩ፡-
6.1.1 መሬት ንቍጠባዊ ዕቤትን ግስጋሰን ካብ ዘለዎ ዓቢይ ተራ ብምብጋስ፣ መሬትን ሃብቲ መሬትን ብግቡእ ተመዝጊቡ ኣብ ሃገራዊ ዕቤትን ምዕባለን ወሳኒ ተራ ከምዝህልዎ ይገብር፤
6.1.2 መንግስቲ ንመሬትን ሃብቲ መሬትን ንምምሕዳር ብደረጃ ሚኒስትሪ ዝሕንጽጾም ፖሊሲታት ብደረጃ ናይ መሬት ቦርድ ኣቢሉ ኣብ ምምሕዳራትን ከባታትን ወሪዱ የተግብር፤
6.1.3 ንዓበይቲ ወፍርታት ካብ ዝተዓደለ መሬት ዝተረኽበ ክራይ (lease) ኣታውታት፣ ዓድታት ተጠቀምቲ ክኾና መንግስቲ ንእቶት ክራይ የመሓድርን ኣብ ዓድታት የዋፍርን፤
6.1.4 ኣብ ልዕሊ መሬት ወይ ትሕቲ መሬት ዝግበር ዳህሳስን ወፍርን ከኣ፡ ንናብራ ናይቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝቕመጥ ህዝቢ ንምምሕያሽ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን መደብ ይሰርዓሉ። መንግስቲ ንስትራተጅያዊ መደባት ሃገር ዘድልዮ መሬት ምስ ቦታዊ ምምሕዳራትን ዓድታትን ወነንቲ መሬት ተረዳዲኡ፣ ነቶም ኣብ’ቲ ዝተደለየ መሬት ሕርሻ ዘዋፍሩ ዝነበሩ ሓረስቶት ኮነ ጓሶት ድማ ኣምሳያኡ ይክሓሱ ወይ’ውን ኣብ’ቲ ሓድሽ ወፍሪ ብርኪ ይኣትዉ።
6.2 ሃብትን ምሕደራን ማይ
ማይ ኣብ ቍጠባዊ ዕቤት ሃገርን ከባብን ዝለዓለ ተራ ከም ዝጻወት ብምግንዛብ፣ ሰዲህኤ ወሓዝቲ ሩባታትን፡ ኣፍላጋትን፣ ሓጽብታት፡ ቀላያትን፡ ባሕርን፣ ከምኡ’ውን ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ቦኽራታት ማይ፡ ምንጭታት ሃገር ክንዲ ዝኾኑ፣ ጽርየቶም ዝተሓለወ፡ ኣጠቓቕማኦም ዝተደላደለ ንኽኸውን ከም ማያት ሃገር ይፍለጡ፣ ባህርያዊ ረብሓታቶም ከኣ ተሓሊዉ ይነብር። ህዝብና ብሰንኪ ባህርራዊ ደርቅን፡ ግጉይ ፖሊስታት ገዛእትን መላኺ ስርዓት ህግዲፍን ናይ ማይ ጠለባቱ ተማሊኡ ኣይፈልጥን እዩ። ነዚ ሕይወት’ዚ ንምቕያር ሰዲህኤ ክልተ ኣፈታትሓ ሽግር ማይ ከተኣታቱ እዩ። ቀዳማይ፣ ንገጠራት ዝምልከት ብናይ ገጠር ዕቤት ማይ ኢንተርፕራይዝ (rural water development enterprise) መንገዲ ክዕመምን ኣብ ገጠራት ኤርትራ ናይ ማይ ጠለብ ዝማላኣሉ ፖሊሲ ኣውጺኡ ከተግብርን እንከሎ፤ ካልኣይ፡ ንኸተማታት ዝምልከት ናይ ማይን ፋኛቱራታትን ካብዚ ዘለዎ ምምሕዳር ተናጊፉ ብፍሉይ ናይ ከተማ ማይን ፋኛቱራታትን ትካል (urban water and sewerage agency) ዝትግብር ፖሊሲ ሃልዩ ዘድሊ ናይ ማይን ፋኛቱራታትን ትሕተ-ቅርጻ እንተላይ ጠለባት ማይ ከተማታት ንምምላእ እኹል ሓጽብታት ከም ዝህነጹ ብምግባር ብህጹጽነት ይሰርሓሉ። ነዚ ንምግባር ኣብዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ነገራት ኣተኲርካ ምስራሕ፡-
6.2.1 ንዘለዉ ሓጽብታት (ዲጋታት) ምምሕያሽን ሓደስቲ ዲጋታት ምህናጽን፣ ህዝቢ ካብ ዝናብ ዝርከብ ማይ ክእክብ ክኽእል ማዕከናት ማይ (water tanks) ምስ ቅዲ ገዛውቲ ተኣሳሲሩ ዝስራሓሉ ኣገባብ ምትእትታው፤
6.2.2 ትሕተ-መሬታዊ ማይ ንምድንፋዕ ራህያታት ኣብ ኵሉ ከባብታት ምህናጽን ዓድታት ጽሩይ ማይ ክረኽባ ክካኣል ዓሞቕቲ ዒላታት (boreholes) ምስራሕን ናብ ዓድታት ምዝርጋሕን፤
6.2.3 መንግስቲ ንዕቤት ማይ ካብ ውሽጥን ደገን ገንዘባዊ ትሕዝቶ ብምእካብ ሕርሻዊ ምህርትን መፍረ እንስሳን ክብ ንምባል ኣድላዪ ፖሊስታትን ፕሮግራማትን ሓንጺጽካ ምትግባር፤
6.2.4 ኣውፈርቲ ሕርሻ ዘመናውያንን ስትራተጂካውያንን ሓጽብታት ክጥቀሙ ንነዊሕ ዓመታት (30-40 ዓመታት) ዝዝርጋሕ ብትሑት ክራይ (lease) ፍቓድ ብምሃብ ደገፍ ምሃብ፤
6.2.5 ጽሬት ማያት ሃገር ምሕላውን ካብ ብክልና ምክልኻልን፣ ኣጠቓቕማን ኣተዓዳድላን ማይ ኣብ ገጠር ኮነ ከተማ ምምዕርራይ።
6.3 ምሕደራን ኣጠቓቕማን ማዕድናት
ሰዲህኤ ማዕድን ንዕቤት ሃገርና ብዝልዓለ ከበርክቱ ካብ ዝኽእሉ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር ሓደ ምዃኑ ይርዳእ። ብፍላይ ድማ፡ ካብ ፍቓድ ዕደና ምሃብ ጀሚርካ ግሉጽነት ብምትእትታው፡ ብልሽውና ብምውጋድ፡ ኣታውታት ማዕድን ብግቡእ ብምምሕዳር፡ ህዝብና ካብ ድኽነት ክገላገል ይኽእል እዩ ዚብል ቀንዲ ኣምር ሰዲህኤ እዩ። ብፍላይ ተመኩሮ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እንተድኣ ተገንዚብና፣ ብሰንኪ ዘይግሉጽነትን ብልሽውናን መራሕቲ ሃገር ማዓድናት ይኹኑ ካልኦት ዕቑራት ጸጋታት ሃገር ጠንቂ ውግእን ደም ምፍሳስን ኮይኖም ጸኒሖምን ኣለዉን። ከምኡ’ውን መለኽቲ ዘለውወን ሃገራት ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሃብቲ ሃገር ብሒቶም ይጻወትሉ። ኣብ ዝሃድሙሉ እዋን ከኣ ኣብ ስደቶም ንሕልፈት ዘነባብር፡ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ዘሚቶም ይሕክሉ።
ካብዚ ብምብጋስ ሰዲህኤ ባህሪያዊ ዕቑር ጸጋታት ሃገርና፡ ህዝብና ብዝደልዮን ብዝፈልጦን፡ ግሉጽነትን፡ ተሓታትነትን ብዘማልአ መንገዲ ክጥቀመሎምን ከማሓድሮምን እዩ። ነዚ ንምግባር ነዞም ዝስዕቡ ፖሊሲታት ብጽኑዕ መንገዲ ሓንጺጹ ከተግብር እዩ፡-
6.3.1 ንዕደና ዝከታተሉ ትካላት መንግስቲ ብዓቕሚ ሰብ ይኹን ብመሳርሕታት ዓቕሞም ሓፍ ኢሉ ናይ ምቁጽጻርን ምክትታትልን ስራሕ ብዝግባእን ሃገራዊ ሓላፍነትን ክዓሙ ምግባር፤
6.3.2 ወፍሪ ኣብ ዕደና እንተላይ ዘልማዳውን ናኣሽቱ ናይ ዕደና ትካላትን ምትብባዕን ብዝልዓለ ምቍጽጻርን፤
6.3.3 ማዕድናት ብዝተኻእለ መጠን ብጥረኡ ዘይኮነስ ተጻርዩን/ተመምዩን ንደገ ዝወጻሉ ወፍርታት ምትብባዕ፣ ምኽንያቱ ብጥረኡ ንወጻኢ እንተድኣ ተሰዲዱ ዋጋኡ ስለዝሓስር፡ ቍጠባዊ ረብሓኡ ስለዝጐድል፤
6.3.4 ናይ ዕደና ፍቓድ ክዋሃብ ቅድም ቀዳድም ናይ ግሉጽነትን ተሓታትነትን መስርሕ ምጥጣሕ፤
6.3.5 መሰል ናይ ዕደና ክዋሃብ እንተ ኾይኑ ብሕጋዊ መስርሕ ብዝወጽእ ሕጊ ዕደና (mining bill) ከምዝውሃብ ምግባር፣ ብዝልዓለ ሓላፍነት ምፍጻም።
6.4 ዕቤት ጽዓትን ምሕደራኡን
ህዝብና ብስነኪ ባህርያዊ ሓደጋታትን፡ ነዊሕ ኵናትን፡ ብልሹው ፖሊሲ ህግዲፍን ናብ ድኽነትን ስእነት ጽዓትን ተሳጢሑ ይርከብ። ሰዲህኤ ነዚ ንምቅላል ኮነ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ንምርካብ ነዞም ዝስዕቡ ፖሊሲታት ክኽተል እዩ።
6.4.1 ብሰንኪ ግዕዙይ ኣመሓዳድራ ህግዲፍን ቍጠባዊ ዝቕባበን ኣብ ሃገርና ዘዕግብ ሓይሊ ጽዓት የብለንን። ስለዝኾነ ቍጠባዊ ዕቤት ሃገርና ንድሕሪት ተረሚሱ ይርከብ። ሰዲህኤ ነዚ ናብ ንቡር ክመልስን፡ ኣገልግሎት ጽዓት ከስፍሕን እዩ፤
6.4.2 ኤርትራ እንታይ ዓይነት ጽዓት እንተ ተጠቕመት የርብሓ ዚብል ንመጽናዕቲ ክኢላታትን ሰብ ሞያን ዝተርፍ ድኣ ይኹን’ምበር፣ ባህርያዊ ጽዓት ጽሓይ ዝልዓለ ኣበርክቶ ስለዝህልዎ፣ ኣብ ወፍሪ ጽሓያዊ-ሓይሊ ጽዓት ፍሉይ ቈላሕታ ምግባር፤
6.4.3 ጸዓት ምስ ዝዓቢ ወፍሪ ይስሕብ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ነጻ ወፍሪ ዘምርሓሉ ምሃዝነት ትሕተ-ቅርጻ ሓይሊ ጽዓት ይግሃድ። ነዚ ኣምር’ዚ ብምርዳእ ሰዲህኤ ወፍርን ጸዓትን ዘይፈላለዩ ምንጪ ቍጠባዊ ዕቤት ክንዲ ዝኾኑ ንዕቤት ሃገርን ረብሓ ህዝብን ብዘበርክተሉ መንገዲ ንምግልጋል ዘብቅዕ ፖሊሲ ክሕንጽጽ እዩ፤
6.4.4 ዋጋ ጽዓት ኵሉ ግዜ ዝተመጣጠነ ንዕቤትን ማእቶትን ብዘይሃሲ መንገዲ በብእዋኑ ምምሕያሽ፡ ስዲ ዕዳጋ ንኸይዕብልል ወይ’ውን ኣፍረይቲ ንዘይኮኑ ትካላት ንምምዋል ተባሂሉ ዋጋ ጽዓት ንኸይዝንብዕ፡ ምቍጽጻርን ምክትታልን፤
6.4.5 መንግስቲ ብዝተኻኣለ መጠን ሓይሊ ጽዓት ንምፍራይ ካብ ነዳዲ ወጻኢ፡ ካልእ ሜላ ከናዲ ግዱድ ይኸውን፤
6.4.6 መንግስቲ ተኽእሎታት ዕደና ነዳዲ ካብ ምንዳይን ምምርማርን ከቋርጽ የብሉን።
6.5 ምክልኻል ከባቢ ካብ ብከላን ብርሰትን
ሰዲህኤ ምስ ኣህጕራዊ ሕግታት ዘሳንን ዝዛመድን ፖሊስታት ምክልኻል ከባቢ (environmental protection)፣ ብፍላይ ድማ ምስ ዕደናታትን ምምሕዳር ጓሓፍን ብዝተዋሃሃደ መንገዲ ክሰርሓሉን፣ ንመጻኢ ወለዶ ብዘውሕስ፡ ሃገርና ካብ ብከላን ብርሰትን ከባቢ ንምክልኻል ነዚ ዝስዕብ ጻዕርታት ከካይድን እዩ።
6.5.1 ባህርያዊ ሃብቲ ኤርትራዊ ቀይሕ-ባሕሪ ንምዕቃብ ፍሉይ ጻዕርታት ክግበር እዩ። ኵሉቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝግበር ወርፍርታት ንከባቢያዊ መምዘንታት ከምዘማልእ ምግባር፤
6.5.2 ምንጪ ብከላን ብርሰትን ዝኾኑ፡ ቀመማትን፡ ማዛጋጃ-ቤታውን (ፋኛቱራታት)፡ ኢንዱስትርያውን ርስሓትን፡ ብፍኑው ናብ ውሓይዝ፡ ሩባታት፡ ኣፍላጋት፡ ቀላያትን፡ ባሕርን፡ ከይከዓዉን ምእጋድ፤
6.5.3 ምንጪ ብከላን ብርሰትን ዝኾኑ፡ ቀመማትን፡ ማዛጋጃ-ቤታውን (ፋኛቱራታት)፡ ኢንዱስትርያውን ርስሓትን፡ ናብ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ቦኽራታት ማይ ከይዘርቁን ከይብክሉን ምእጋድ፤
6.5.4 ዝተበላሸወ ወይ ዝተበከለ ምንጪማይ ይኹን መሬት ብኣጋኡ ምጽራይን ናብ ባህርያዊ/ንቡር ኵነታቱ ንኽምለስ ምሕዳስን፤
6.5.5 ኵለን’ተን ናይ ምዕዳን ፍቓድ ዝተዋሃበን ትካላት ይኹና ፋብሪካታት ወይ’ውን ውሃብቲ ኣገልግሎት ሃገራውን ኣህጕራውን መለክዕታት ምክልኻል ከባቢ ብዝግባእ ከማልኣ ብቐስበን ክሕተታን ቁጽጽር ክግበረለንን የድሊ፤
6.5.6 ኣብ ጠቕሚ ዝወዓሉ፡ መሳርሒታት፡ ንብረት፡ ወረቓቕቲ፡ ክዳውንቲ ኮነ ፕላስቲክ፡ እንደገና ናብ ጠቕሚ ንምውዓልን ፡ ናይ ብከላ፡ ምንጭታት ንምውሓድን፡ ናይ ዳግም ምጥቃም መደባት ብስሩዕን ንጡፍን መንገዲ ምፍጻም።
7. ፖሊሲ ሰዲህኤ ኣብ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን፡ ካልእ ማሕበራዊ ጕዳያትን
ሰዲህኤ ንህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ጸጋታት ብምስራዕ፡ ብቑዕን ዘመናውን ትምህርቲ ይኹን ጥዕናዊ ኣገልግሎት ንኽወሃብ ዝቃለስ ሰልፊ እዩ። ህዝብና መሰረታዊ ማሕበራዊ ሽግራት ስኢኑ ብድንቍርናን ብሕማምን ክሳቐ ስለ ዘይግብኦ ሰዲህኤ ማሕበራዊ ሽግራት ህዝብና ፍታሕ ዝረኽበሉ መደባት ሓንጺጹን ኣማዕቢሉን ምቅላስ ቀንዲ ዕማሙ ገይሩ ይርኢ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ነዞም ዝስዕቡ ፖሊሲታት ክኽተል እዩ፡-
7.1 ፖሊሲ ትምህርቲ
ሰዲህኤ ናይ ነዊሕን ሓጺርን ረብሓ ህዝብና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ደረጅኡ ዝሓለወ ትምህርቲ ንምብርባርን ንምሕያልን፡ ምዕሩይ ዝርጋሐ ትምህርቲ ኣብ ኵሉ ከባብታት ንምርግጋጽ ኣብዞም ዝስዕቡ ፖሊሲታት ተሞርኵሱ ክሰርሕ እዩ፡-
7.1.1 ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ ትምህርቲ ህግደፍ ተዳኺሙ ንዘሎ ንያት ህዝብን መማህራንን ብምብርባር ንስድራ-ቤታት ዘሳተፈ ኣገባብ ፖሊሲ ትምህርቲ ኣውጺእካ ምትግባር፤
7.1.2 ዝምድና ተመሃሮን መምሃራንን ምድልዳልን፣ ሞራል መምህራን ንምብራኽ ዶሞዝ መማህራን ምስ ክብሪ ናብራ ዝተመዓራረየ ከምዝኸውን ምግባር፤
7.1.3 ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኮለጃት ኮነ ዩኒበርሲቲ ብተመጣጣኒ መንገዲ ንታሕተዎት ደረጃታት ትምህርቲ ክቕበል ብዝኽእል ኣገባብ ከምዝዳሎ ምግባር፤
7.1.4 ኣብ ሃገርና ቋንቋታት ዓውደ-ትምህርቲ ትግርኛ፡ ዓረበኛን፡ እንግሊዘኛን ይኾኑ። መባእታዊ ትምህርቲ ትግርኛን ዓረበኛን ኮይኖም፣ ካብ ማእከላይ ደረጃ ንላዕሊ ድማ መምሃሪ ቋንቋ እንግሊዘኛ ይኸውን። ኣብ መባእታዊ ደርጃ እቶም ብትግርኛ ዝመሃሩ ንዓረበኛ ከም ቋንቋ ይመሃርዎ፤ እቶም ብዓረበኛ ዝመሃሩ ድማ ንትግርኛ ከም ቋንቋ ይመሃርዎ።ኣብ ማእከላይን ላዕለዋይን ደረጃታት ትግርኛን ዓረበኛን ከም ቋንቋ ይውሃባ፤
7.1.5 ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ዝብል ሕቶ ኣብ ዝተላዕለሉ ከባቢ፡ ብምርጫ ናይ’ቲ ከባቢ ህዝቢ ይውሰን። ብቃንቋኦም ክመሃሩ ዝመረጹ ከባቢታት፡ ትግርኛን ዓረብኛን ከም ሃገራዊ ቋንቋታት ክመሃርውን ምእማንን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ምጽዓትን። ትግርኛን ዓረብኛን ከይጽቀጣ፡ ዝተረፋ ቛንቋታት ድማ ንኸይዝንጋዓ፡ ንምምዕባለንን ዝኣክል ቅድመ ባይታን ትሕተ ቅርጻን ክዳለወሉ ምጽዓት
7.1.6 ማሕበራዊ ብዝሑነት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው ሰዲህኤ መሰል ምምዕባል ቋንቋታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ይኣምንን የተባብዕን፤
7.1.7 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣድላዪ ናይ ሓበሬታን ርክብን ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ይማላኣለን፤
7.1.8 ዓቐንን ብቕዓትን መማህራ ንምርግጋጽ ናይ መማህራን መሰልጠኒ ትካላት የቕውም፤ ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ንምምሕያሽ ድማ ተግባረ-እድ (ቮከሽናል) ትምህርቲ ብብዝሕን ብዓይነትን ይኸፍት፤
7.1.9 ተሳትፎ ደቀ-ንስትዮ ኣብ ዓውደ-ትምህርቲ ንምርግጋጽ፡ ደቀ-ንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንኸይሳተፋ ዝዕንቅፉ ነገራዊ፣ ባህላዊ፣ ስነ-ኣእምራውን፡ ካልእ ዕንቅፋታትን ዘወግዱ ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ይሕንጽጽን የተግብርን፤
7.1.10 ብሕጽረት ትሕዝቶ ተማሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንኸይበዅሩ ጽጉማት ስድራ-ቤት ዝሕገዝሉ መደባት ምስራዕ፤
7.1.11 ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቀለማዊ (ኣካዳምያዊ) ኣበርክቶአን ናይ ምርምርን መጽናዕትን ማእከላት ኮይነን ንዕቤትን ምዕባለን ሃገርና ከገልግላ ኣድላዪ ወፍርን ደገፍን ይገብር፤
7.1.12 ብሕታውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ትምህርቲ ወፍሪ ከካይዱ የተባብዕን ኵሉ ሕጋዊ ባይታ የንጽፍን፤ትምህርታዊ ትካላት ምስ ብሕታዊ ጽላት ብምሽራኽ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ንጠለባት ኣውፈርቲ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውንን ጻዕርታት የካይድን የተግብርን።
7.2 ፖሊሲ ክንክን ጥዕና
ብእምንቶ ሰዲህኤ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተሓታትነትን ግሉጽነትን ብዘለዎ ስርዓተ-ምሕደራ ዝካየድ ንጹር ፖሊሲን ኣሰራርሓን ክኽተል ዘለዎ ተሃዋሲ ክፍሊ ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብ ዞም ዝስዕቡ ሓፈሻዊ ፖሊሲታት መሰረት ጌሩ ክሰርሕ እዩ።
7.2.1 ሰዲህኤ ኣገልግሎት ሕክምና መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ምዃኑ ይኣምን። ስለዝኾነ ከኣ ኵሉ ዜጋ ማሕበራዊ ይኹን ቍጠባዊ ቦታኡ ብዘየገድስ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብቐረባ ዝረኽበሉ መደብ ይሰርዕ፤
7.2.2 ኣገልግሎት ጥዕና ኤርትራ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ብምድሃብ ነቶም ንህዝብና ዘሳቕዩ ሕማማት ቀዳምነት ሂቡ ኣድላዪ መደብ ምክልኻል ክሕንጽጽን ከተግብርን እዩ፤
7.2.3 ሃገርና ውሕስነት ዘለዎ ስሉጥ ኣገልግሎት ጥዕና ንኽትህብ፡ ውሽጣዊ ዓቅሚ-ሰብ ምዕቃብ፣ ብሕክምናዊ ሞያ ብዝለዓለ ደረጃ ዝተመረቑ ዜጋታት ኣብ ክንዲ ናብ ስደት ዘምርሑ ኣብ ሃገሮም ቀሲኖም ኣገልግሎት ንኽህቡ ግቡእ ዓስበ-ጻማኦም ምኽፋልን፡ ምስ ሞያኦም ዝነጻጸር ሓለፋታት ምሃብን፡ ዝሰረቱ፣ ንጹርን ነዊሕ ዝጠመተን ፖሊሲ ምሕንጻጽን ምትግባርን፤
7.2.4 ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት፡ ኣድላዪ መድሃኒታት ኮነ ብቑዕ መሳርሒታት ንኽህልዎም ምቕራብ። ብተወሳኺ መድሃኒታት ብተማጣጣኒ ዋጋታት ክሽየጡን፡ ዓቕሚ ንዝሓጽሮም ዜጋታት ከኣ ብውሑድ ዋጋ ወይ ብሓገዝ ዝረኽብሉ መንገዲ ምፍጣርን ምትግባርን፤
7.2.5 ሰዲህኤ ኣብ ኤርትራ ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎት ሕክምና ብዝተዋሃሃደ ንኽውሃብ ሃገራዊ ስትራተጂያዊ ፕላን ሓንጺጹ ኣብ መላእ ሃገር የተግብር፤
7.2.6 ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ኣብ ሕክምናዊ መዳይ መርመራዊ መጽናዕትን ኣበርክቶን ክገብራን፣ ልዑል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህባን ምትብባዕን ምሕጋዝን፤
7.2.7 ሕጻናት፡ ኣዴታትን፡ ኣረገውትን ንዝተፈላለየ ዓይነት ሕማምን ሓደጋን ዝተቓልዑ ክንዲዝኾኑ ፍሉይ ሕክምናዊ ረድኤትን ኣገልግሎትን ይግበረሎም፤
7.2.8 ኣብ ኤርትራ ኣካዳሚያውን ሕክምናውን ድርብ ኣገልግሎት ዝህብ ላዕለዋይ ሕክምናዊ ትምህርቲ ይህሉን፡ ኣድለይቲ ዘመንዊ መሳርሒታት ይቕረበሉን፤
7.2.9 ብሰንኪ ኵናትን ባህሪያዊ ሓደጋን ዝሰንከሉ ዜጋታት ብቑዕ ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡን፡ ከም ኣድላይነቱ ኣብ ደገ ብናይ መንግስቲ ወጻኢ ኮነ ብፍሉይ ሓገዛት ወይ ብዓቕሞም ዝሕከምሉ ፖሊሲን መምርሕታትን ይወጽእን ይትግበርን።
7.3 ፖሊሲ ፍቕዲ ህዝቢ
ሰዲህኤ ኣብ ፍቕዲ ህዝቢ ዝተመርኰሰ ፍትሓውን ምዕሩይን ኣዘረጋግሓ ጸጋታትን ኣገልግሎትን ኣብ መላ
እ ህዝቢ ንኽረጋገጽ፣ ዝተጸንዐ ንሰሰን ህዝቢ ዝምልከት ፖሊሲ ክሕንጽጽ እዩ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ጽፉፍን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ንምሃብን፡ ምስሳን ህዝብና ንምፍላጥን፡ ፍቕዲ ህዝቢ በብእዋኑ ክካየድ ክጽዕት እዩ።
7.4 ፖሊሲ ክንክን ሕጻናት፡ ኣዴታትን፡
ሰዲህኤ ነቶም ናይ ጽባሕ ሃነጽቲ ሃገር ዝኾኑ ሕጻናት፡ ኣፍረይትን ትጉሃትን መንእሰያት ኮይኖም ንኽዓብዩ ብጥዕና ኮነ ብትምህርቲ ፍሉይ ቈላሕታ ንኽግበረሎም ክጽዕት እዩ። ኣደ ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምፍጣር ዘለዋ ተራን ሓላፍነትን ብምግንዛብ፣ ሰዲህኤ ጥዕናኣ ዝተሓለወ፣ ዝተማህረት፣ ብሕብረተ-ሰባ ዝኸበረት፣ ማዕርነታ ዝተረጋገጸ፣ ኣደ ክትከውን ፍሉይ ፖሊሲታትን ሕግታትን ክሕንጽጽ እዩ። ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣዴታት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝግባእ ስልጠናታት ብምሃብ ምስ ኵነታተን ዘሳኒ መደባት ክሰርዕ እዩ።
7.5 ፖሊሲ ኣረገውትን ጡረተኛታትን
ሽማግለታትን ጡረተኛታትን ኣብ ዕብየት ሃገር ንዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ ኮነ ብተመኵሮ ዘጥረይዎ ልቦና ኣብ ግምት ብምእታው ሰዲህኤ ፍሉይ ሓልዮትን ክንክንን ከረጋግጸሎም እዩ።
7.6 ፖሊሲ ክንክን ኣካለ-ጽጕማን
7.6.1 ሰዲህኤ ነቶም ኣብ ሓርነታዊ ኵናት ዝሰንከሉ ሓርበኛታት ይኹን ብባህርያዊ ምኽንያት ንዝሰንከሉ ኣካለ-ጽጕማን ብቐዳምነት ንዅነታቶም ብዝጥዕም ኵሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ መንገዲ ይሰርዕ፤
7.6.2 ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ ዝትንክፎም ወይ ዝጸልዎም ውሳነታት ክሳተፉ ኵሉ ሕጋውን ነገራውን ባይታ የጣጥሕ፤
7.6.3 ተወዲቦም ንረብሓታቶም ክሕለቝ ምሉእ መሰል ይህልዎም፤
7.6.4 ኣካለ-ጽጉማት ካብ ሕብረተ-ሰብ ተጸበይቲ ኮይኖም ንኸይተርፉ፡ ምስ ኵነታቶም ዘሳኒ ትምህርትን ስልጠናን ተዋሂቡዎም ኣብ ናይ ስራሕ መኣዲ ተዋፊሮም ነብሶም ዝኽእልሉ መደብ ይስርዓሎም።
7.7 ፖሊሲ ስፖርት፡ ባህልን፡ ማሕበረ-ሰባዊ ዕብየትን
ሰዲህኤ ንብዙሕነት ባህልን ልምድን ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስፖርት፡ ባህልን፡ ማሕበረ-ሰባዊ ዕብየትን ንሓደ ሰልፊ ዘገልግል ወይ’ውን ብራእይ ሓደ ሰልፊ ዝብሓት ከምዘይኮነ ይኣምን። ስለዝኾነ ከኣ ስፖርት፡ ባህልን፡ ማሕበረ-ሰባዊ ዕብየትን ሃገርና ብተበግሶ ከባቢታትን፡ ብደገፍ መንግስትን፡ ዝዓብን ዝሕይልን ኮይኑ ንሃገራዊ መንነትና ብስነ-ጥበብ፣ ስነ-ጽሑፍ፣ ስነ-መሃዝነት፣ ስነ-ሙዚቃ፣ ትልሂት፣ ድራማ፣ መደረን ንምስሳን ኣድልዪ ፖሊሲታት ክሕንጽጽን ኣድላዪ ምወላታት ክግበረሉ ጻዕርታት የካይድ።
ሰዲህኤ ስፖርት ከም ሓደ ኣገዳሲ ጽላት ኣብ ሕይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብዘይካ’ቲ ኣብ ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን ዕቤት ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ኣብ ኤርትራዊ መንነት’ውን ዓቢይ ተራ ከምዘለዎ ይኣምን። ስለዚ፡ ስፖርት ንምሕያልን ስፖርታዊ ዓቕሚ-ሰብ ንምምሕያሽን ኣካዳሚያውን ሞያውን ትምህርትታት ክሰርዓሉን ሃገርና ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ክህልዋ ብዘኽእል መኣዝን ንስፖርት ብተገዳስነት ክሰርሓሉን፡ ስፖርት ማሕበረ-ሰባዊ ሰረት ንኽህልዎን ክጽዕት እዩ።
8. ዘመናዊ ትሕተ-ቅርጻ
ሰዲህኤ ንዘመናዊ ትሕተ-ቅርጻ ብዝምልከት ዝሕንጸጹ ፖሊሲታትን መምርሕታትን ኣብ ቅዋም ዝተመርኮሱን፣ ግሉጽነት ዘማልኡን ንኽኾኑ ክጽዕት እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ነዞም ዝስዕቡ ሓፈሻዊ ፖሊሲ የቐምጥ።
8.1 መጓዓዓዝያን መራኸብታትን
ሰዲህኤ ትሕተ-ቅርጻ መጓዓዓዝያን መራኸብታትን ከም ስፍሓቱን ኣገዳስነቱን መጠን ንጹርን ዝተወሃሃደን ፖሊስታትን ፕሮግራማትን ኣውጺኡ ክሰርሕ እዩ። ንምዕዋቶም ድማ ምስ ብሕታዊ ኣውፈርትን፣ ኣህጉራዊ መንግስታትን ትካላትን ብምትሕብባር በዚ ዝስዕብ ቀዳምነታት ሰሪዑ ንኽሰርሕ ይእምት።
8.1.1 ንመጓዓዓዝያ ብዝምልከት ጐደናታት/መንገድታትን መካይን፣ መንገዲ ባቡር፣ መስመር ነፈርትን መሳለጥያ ኣየር ፖርትታት፣ መስመር መራኽብን ወደባትን፣ ገለርያታትን፣ ቢንቶታትን፣ ዘጠቓለለ ይኸውን። ዕላምኡ ከኣ ሰብን ንብረትን ንምጉዕዓዝ ጽፉፍን ቅልጡፍን ኣገግሎት ንምሃብ እዩ። ቍጠባዊ ሃገር ንምኽዕባትን ዓለም-ለኻዊ ተፈላጥነት ንምርካብን ንምውድዳርን ብሉጽ ትሕተ-ቅርጻ ከምዘድሊ ብምግንዛብ መንግስቲ ኣብዚ ጽላት’ዚ ሰፍ ዘይብል ወጻኢታት ኣብ ምብጋስ ኮነ ቀጻሊ ምትዕርራይን ምምሕያሽን ክገብር ክድለ እዩ። ምኽንያቱ መጓዓዝያ ጐድኒ-ጐድኒ ወፍሪ ስለ ዝኸይድ ወፍሪ ንምስሓብን ሕጋዊ ሰረት ዘለዎ ዝተመዓራረየ ውድድራት ንምትእትታውን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሓጋዚ ክንዲ ዝኾነ፤
8.1.2 ንመራኸብታት ዝምልከቱ ትሕተ-ቅርጻታት ቴሌ-ኮሙኒከሽ - ቡስጣ፡ ምድራዊ ቴሌፎን፡ ማዕከናት ራድዮን ቴሌቪዥንን፣ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎንን (ሞባይል)፣ መርበብ ኢንተርነትን ኮይኖም፤ ኣብ መላእ ሃገር ተመዛዛኒ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምሃብን፣ ዝተማዓራረየ ቍጠባዊ ዕብየትን ኣሳልጦን ንምስፋን ኣብ ኵሉ ክፋላት ኤርትራ ብዝቀልጠፈ ከምዝዝርግሑ ምግባር። ንመበገሲ ኮነ ኣብ ቀጻሊ ምትዕርራይን ምምሕያሽን ብመንግስቲ ብዙሕ ወጻኢታት ከም ዝድለ ምግንዛብ። ኣብዚ ተራ-ብሕታውያን ኣውፈርቲ ክበራታዕ ስለዘለዎ ኣገልግሎት ሞባይላት፣ ቴሌ-ፎናትን፣ መርበባት ኢንተርነትን ንብሕታውያን ኣውፈርቲ ሕጋዊ ደረት ብዝሓለወ ናጻ ዕዳጋ ከካይዱ ምፍቃድ፤
8.2 ገጠራዊ ልምዓትን ምውጋድ ድኽነትን
8.2.1 ብመጓሰን ሕርሻን ምግፋፍ-ዓሳን ዝነብር ህዝብና፡ ስርዓተ-ቍጠባኡ ንምምሕያሽ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ከምኡውን ነዚ ጽላት’ዚ ንምሕያል ዝሕግዙ እንተላይ ወሓዝቲ ሩባታት ዓጊትካ ምንጭታት ማይ ምስሳን፣ ብመልክዕ ቱቦታትን ሰብ-ስርሖ ዛላታትን/መስኖታትን ገዲብካ ናብ ኣገልግሎት ዝውሃበሉ ቦታታት ምዝርጋሕን፣ ክሳብ ሕጂ ህዝብና ብሰንኪ ተደጋጋሚ መግዛእትን ናይ ህግደፍ ግጉይ ፖሊሲን ነብሱን ንብረቱን ኣብ ዝደለዮ እዋን፡ ካብ ዝደለዮ፡ ናብ ዝደለዮ ክንቀሳቐስ ኣይጸንሐን። ሰዲህኤ ነዚ ክውንነትዚ ብምርዳእ ዓድታት ንምርኻብን ገጠራዊ ልምዓት ንምንህሃርን ምስ ኣብ ከባቢአን ዝርከባ ከተማታት ንምርኻብን፡ መንገድታት ናይ ርኽክብ ኣገልግሎትን ንክዝርጋሕን ክቃለስ እዩ።
8.2.2 ኣብ ገጠራት ናይ ልቓሕ ማሕበራት ብምስፍሕፋሕ ናይ ልቓሕን ገንዘባዊ ኣገልግሎትን ቀዳምነት ሰሪዑ ክሰርሓሉ እዩ። ብዘይካ’ዚ ናይ ሕርሻ ማሕበራት ብተበግሶታት ሓረስቶትን ብመጓሰን ምርባሕ እንስሳን ዝነብሩን ብሕጊ ተፈላጥነት ዘለዎም ኮይኖም ንፖሊሲ መንግስቲ ንረብሐኦም ዝቕይሩሉን ንዕቤት ከባቢኦም ዝሰርሑሉን ሕጋዊ ባይታ የንጽፍን ገንዘባውን (ፋይናንሳውን) ተክኒካውን ሓገዝ ከበርክትን እዩ፤
8.2.3 ዛጊት ዝበዝሕ ህዝብና ብሕልፊ ድማ እቲ ኣብ ገጠር ብሕርሻን መጕሰን ዝናበር ዝጥቀመሉ ሓይሊ ጽዓትን መብራህትን ምንጩ ካብ ኣእዋም ብመልክዕ ዕንጨይትን ፍሓምን ላንባን እዩ። እዚ ዓይነት ኣጠቓቕማ ሓይሊ ጽዓት ድማ ከባቢያዊ ብከላ ኣብ ልዕሊ ምኽታሉ፣ ብምኽንያት ድሩት ዝህቦ ረብሓ ሓይሊ መብራህቲ ብርሰት ኣእዋምን ፍግረ-መሬትን ስለዘስዕብ ብጽሩይ ሓይሊ መብራህትን (ኤለክትሪክን)፣ ባህርያዊ ነዳድን (natural gas): ንምትካእ ዘረጋግጽ ፖሊሲ ምሕንጻጽ።
8.3 ዕቤትን ልምዓትን ከተማታት
8.3.1 ኣብዚ እዋንዚ ኵለን ከተማታት ኤርትራ ናይ ማይ፣ መብራህቲ፣ ዕዳጋታት፣ ኣገልግሎት ደረቕ ጓሓፍን ፋኛቱራታትን፣ መጓዓዝያ፣ ጽርግያታት፣ መራኸብታት (ቴሌ፣ሞባይል፣ኢንተርነት)፣ ሜዳታት ስፖርት፣ መሐምበሲ ቦታታት፣ ናይ እግረኛ መንገድታት፣ ምልክታት ትራፊክ፣ ንኣገልግሎት ንግዳዊ ንጥፈታት ዝኾኑ እኹል ህንጻታትን ዘመናዊ ዕዳጋታትን ፣ የብለንን። ብሰንኪ ግጉይ ኣተሓሕዛ መሬት ህግደፍ ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝብና ምስ ኣታውታቱ ብዘይመጣጠን ክራይ ኣባይትን፣ ብሕጽረት ገዛውትን ክሳቐ ይርከብ።
ዕቤት ከተማታት ብቀጥታዊ መንገዲ ምስ ዋንነትን ኣተዓዳድላ መሬት ዝተታሓሓዘ ክንዲ ዝኾነ፣ ሰዲህኤ ንዕቤት ከተማታት፡ ንናብራ ህዝቢ ምምሕያሽን ኣብ ኵሉ ከባብታት መሬት ብርትዓውን ፍትሓውን መንገዲ ዝዕደለሉን ዕንቅፋታት ዝውገደሉን ፖሊሲታትን ሕግታትን ኣጽዲቑ ከተግብር እዩ። ኵሎምቶም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ኣገልግሎታት ንምትግባርውን ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ኣውጺኡ ምስ ብሕታውያንን ኣህጉራውያን ኣውፈርቲ ብምትሕብባር፡ ከተግብር እዩ።
9. ኣህጕራዊ ዝምድናንታት ሰዲህኤ
ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ። ሰዲህኤ ነቲ ንሃገርና ካብ ዓለም ነጺሉ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታትና ዝሰርሕ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲታት መላኺ ስርዓት ጨሪሱ ብምሕካኽ ምስ፡ ኣህጕራት ዓለም ኣውራ ድማ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን መንግስታትን፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ምርድዳእን ዝተሰረተ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ክኽተል እዩ።
ብፍላይ ድኽነትን ድንቁርናን ሕማማትን ንምቁጽጻርን ንምስዓርን፣ ንጽጉም ህዝቢ ዓለም ንምርዳእን ዝግበር ዓለም-ለኻዊ ንጥፈታት፡ ምስ መሰረታዊ ዕላማና ስለ ዝተኣሳሰር በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ብምሉእ ዓቕሚ ክተሓባበር እዩ።
9.1.1 ምስ ፕሮግራም ሰልፊ፡ ዘሳኒ ፕሮግራም ዘለወን ዞናውን ኣህጕራውን ሰልፍታት፡ ጥቡቕ ሕውነታዊ ዝምድናታት ከምዝፍጠርን ከምዝምዕብልን ምግባር፤
9.1.2 ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፤
9.1.3 ምስ ኵለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን፡ ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤
9.1.4 ንሽግራት እንፈትሓሉ ቀንዲ መሳርሕና ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መስርሕ ይኸውን፤
9.1.5 ምስ ዝዀነት ሃገር ዝግበር ንግዳዊ ውዕላትን ኵሉ መዳያዊ ዝምድናታትን ፍትሓውን ሃናጽን ክኸውን ምቅላስ፤
9.1.6 ኣንጻር ዝዀነ ይኹን ዓሌታዊ ኣድሉዎን ጭቆናን ዝቃለስ ፖሊሲ ምኽታል፤
9.1.7 ኣህጕራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ተገዳስነት ዘርእዩ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣህጕራውያን ትካላት፡ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት ብሕልፊ ድማ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት፣ ጸረ ድኽነት፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ጽገናታት፣ ምምላስ ስደተኛታት፣ ክንክን ህጻናት፣ ምሕያል ዓቕሚ-ሰብ፣ ምክልኻል ከባቢ፣ ወዘተ ኣተኵሩ ክሰርሕ እዩ።
10 ስትራተጂ ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ
መእተዊ
ዕላማን ተልእኾን ሰዲህኤ፡ ኣብ ተግባር ከይውዕል ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ እዚ ኣብ ሃገርና ተወጢሑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ዘለናዮ መድረኽ ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ምቕያር ቀንዲ ናይ ቀረባ ዕላማና እዩ። ዕላማና ኣብ ተግባር ንምርግጋጽ ካብ ምልኪ ናብ ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንሰጋገር፡ እንኽተሎ ኣገባብ ከኣ ዘይዓመጻዊ መንገዲ እዩ።
ንምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ደሞክራያዊ ስርዓት ምትካል ዕላማ ሰልፍና ኮይኑ ዘሎ: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ካልእ መተካእታ ምርጫ ስለ ዘየለ እዩ። ሰዲህኤ እቲ ቃልሲ ብዓብይኡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምኻኑ’ዩ ዝኣምን፤ ኣመላኽታ ንግድኡን ተልእኽኡን ከኣ ካብ’ዚ ገፊሕ ግንዛበ’ዚ ዝብገስ እዩ። በዚ ምኽንያት ኵሉ ጻዕርታቱ ህዝብና ሓይሉ ኣብ መስርሕ ለውጢ ንጡፍ ተራ ክጻወት ከምኡ’ውን ኣብ ምቕያስ መጻኢ ዕድሉ ዋና ክኸውን እዩ። ካብ ከምዚ ዝበለ ዕግበት ዝብገስ፡ ቀዳማይ ዕማም ስትራተጂ ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ንህዝብና ብጻዕቂ ምብርባርን ምውዳብን እዩ።
ሰዲህኤ ካብ ዕላምኡን ተልእኽኡን ነቒሉ ግድኡ በቲ ዝድለ መንገዲ ክፍጽም እናተቓለሰ ምስ’ቶም ኣብ ምቕያር ስርዓት ህግደፍን ኣብ ምህናጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ጠቕሚ ዘለዎም ሓይልታት ንቐረባን ንርሕቑን ዝጥምት ምሕዝነት ምግባር ክሳዳዎ ተደላይነት ከምዘለዎ ይርእዮ። ከምዚ ዝመስል ምሕዝነት ኣብ ምእካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲ ተራ ከምዝጻወት ይኣምን። ትርጉምን ዕላማን እቲ ምሕዝነት ከኣ ህዝብና ልቡ ከይተኸፋፈለ ብሓደ መንፈስ ኣብ ምልጋስ መላኺ ስርዓትን ኣብ ምህናጽ ዲሞክራስን ክጽመድ ንምሕጋዝ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ብዘካየዶ ሓባራዊ ቃልሲ ስርዓት ህግደፍ ተቐይሩ ሓዲሽ ኵነታት ኣብ ዝጋሃደሉ እዋን፣ እቲ ድሕሪ ስርዓት ህግደፍ ክህሉ ዝኽእል ኵነታት ብብቕዓት ንምምላሽን፣ ውሕስነት ዘለዎ መሰጋገሪ መድረኽ ንምኻፍትን ክንቃለስ ኢና። መሰጋገሪ መድረኽ፣ ነቲ ኵሉ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ፖለቲካዊ ዝምባለታትን ማሕበራዊ ውክልናን ብዘዕግብ ክቕረጽ ክንጽዕት ኢና። መሰጋገሪ መድረኽ ብዕውት ክፍጸም እናተቓለስና፡ ዕላማን ተልእኾን ሰልፍና መሊኡ ክረጋግጽ ምስ ኵሎም እቶም ርግኣት ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክትህንጽ ዝጽዕቱ ሓቢርና፡ እታ ህዝቢ ኤርትራ ዝምነያ ዲሞክራያዊት ኤርትራ ኣብ ጽኑዕ መሰረት ክትከል ክንቃለስ ኢና።
10.1 ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ
ሰዲህኤ፡ ስትራተጂ ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ብዘይጐነጻዊ ኣገባብ ብሓይሊ ህዝቢ ክፍጸም ከምዝኽእል ይኣምን። ካብ’ዚ ነቒሉ ኵሉ ዓቕምና ኣብ ምብርባርን ምውዳብን ህዝብና ምውዓሉ ዕምሪ መለኽቲ ዘሕጽር መንገዲ ገይሩ ይርእዮ።
10.2 ምውዳብ ህዝባዊ ናዕቢ
ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ደው ኣቢልዎ ዘሎ ዓንድታት ጽኑዕ ኣይኮነን። እቶም ኣብ ስራዊትን ኣብ ጸጥታን ተወዲቦም ነቲ ስርዓት ክሕልዉ ተመዲቦም ዘለው ረብሓኦም ኣብ ለውጢ ዝኾነ እቲ ዝኸፍአ በደል ዝወርዶም ዘሎ ኣካላት ህዝብና እዮም። እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንግዜኡ ንስርዓት ህግደፍ ዝደጋገፍ ዘሎ ህዝቢ’ውን፡ ኣብ ነብሱን ኣብ ሓይሉን እምነት ዘሕድረሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን። ካብዚ ዕግበት እዚ ነቒልና ኣብ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ኣሕዲርን ክንቃለስ ወሲንና ኢና። ንሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣበራቢርካን ወዲብካን ንህዝባዊ ናዕቢ ምድላው ከኣ ቀንዲ ዕማምና እዩ።
ጽኑዕ ምቁጽጻር መለኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንግዜኡ እምበር ንቐጻሊ ካብ ድልየቱ ደው ከብሎ ከምዘይክእል’ዩ ዕግበትና። ህዝቢ ኤርትራ ንመለኽቲ ኣልዩ ንሃገርና ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘሰጋግርን ሓይልን ብቕዓትን ከምዘለዎ ጽኑዕ እምነት ሰዲህኤ እዩ። በዚ ምኽንያት ነቲ ንግዜኡ ደስኪሉ ዘሎ ኵነታት ንምብርባርን ለውጢ ንምቅልጣፍን ኵሉ ዝከኣልና ጻዕርታት ክንገብር ኢና።
10.2.1 ለውጢ ንምቅልጣፍ እቲ ቀንዲ መንገዲ ንህዝብና ምልዕዓልን ምውዳብን እዩ። ኵሉ ዓቕምና እምበኣር ኣብ’ዚ ቀንዲ ጕዳይ ዘተኰረ ክኸውን እዩ። ነቲ ኣብ ግዳም ይኹን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ካብ ቃልሲ ዝዕንቅፎ ዘሎ ኵነታት እናእጽናዕና ኣብ ነብሱ ተኣማሚኑ ንህዝባዊ ናዕቢ ክዳሎ ብዅሉ ዝከኣለና ዓቕሚ ክንስርሕ ኢና፤
10.2.2 መንእሰያት ግደኦም ኣብ መስርሕ ለውጢ ክነጥፉ ንማሕለኻታት ህግደፍ በጣጢሶም ብግንባር-ቀደም ዋናታት ለውጢ ንኽኾኑ ከየተሓለልና ክንሰርሕ ኢና፤
10.2.3 ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ንደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ሓይሊ ዝህብ ነጢፈን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክዋስአ ዘተባብዕ ክኸውን ክንስርሕ ኢና።
10.2.4 መንእሰይ ኤርትራ ብስም ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣብ ሰራዊት ተጸሚዱ ኣሎ፤ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ንምቁጽጻር እተመደበ ሜላ፡ ንመለኽቲ ናብ እንቆጻጸረሉ ሜላ ክቕየር ክንቃለስ ኢና። ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ዘሎ መንእሰይ ህዝቡ ኣብ ምድሓን ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ልሉይ ተራ ክጻወት ብዅሉ ዝከኣልና ሜላ ክንሰርሕ ኢና፤
10.2.5 ኣምርን ሜላን ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ኣብ ህዝብና ክሰርጽ ክንቃለስ ኢና፤
10.2.6 እተፈላለየ ህዝባዊ ውደባታት ክህሉ እናእተባባዕና ንህዝብና ዝጥርንፍ ሓባራዊ ጭርሖ ክህሉ ክንቃለስ ኢና፤
10.2.7 ኣብ መንጐ ውድባት ኤርትራ ዘሎ ጐድናዊ ቃልሲ ሃዲኡ ኵሉ ትዅረት ኣብ ምልዕዓልን ምውዳብን ህዝብና ክነቕንዕ ኵሉ ዝከኣለና ጻዕሪ ክንገብር ኢና፤
10.2.8 ብግዝያዊ ጥቕሚ ተታሊሎም ጥቕሚ ህዝቢ ስሒቶም ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሒታት ሰራዊት ኮይኖም ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ ዘለዉ፡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ብትብዓት ኣብ ጐድኒ ውጹዕ ህዝቦም ተሰሊፎም ኣብ ምውዳቕ እቲ መላኺ ስርዓት እጃሞም ንኸበርክቱ ከይተሓለልና ጸዋዒት ክንበር ኢና፤
10.2.9 ዋና ለውጢ ህዝብና ምኾኑ ምስ ዝኣምኑ ጐረባብትን ኣካላት ዓለም-ለኻዊ ማሕበረሰብን ጽኑዕ ዝምድና ክንገብር ኢና።
10.3 መራኸቢ ብዙሓት
ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግደ ዜናዊ መዳይ (መድያ) ልሉይ ብምዃኑ ሰዲህኤ ፍሉይ ትዅረት ክገብረሉ እዩ። ብቐዳምነት እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወረድ ዘሎ ግፍዕታት ብደቂቅ መጽናዕቲ ብጭቡጥን ኣብ ብመራኸቢ ብዙሕን ንህዝብናን ንዓለምን ብተባላሓቲ ኣገባብ ንምቕራብ ብዝለዓለ ደረጃ ክንሰርሕ ኢና። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምብርባርን ምውዳብን ህዝብና በቲ ዝድለ መንገዲ ግደኡ ከበርክት ምእንቲ ኣድላዪ ጻዕርታት ክግበር ክንቃለስ ኢና።
10.3.1 ምብርባራዊ ዕዮ
ህዝብና ኣብ ቃልሲ ብንጡፍ ምእንቲ ክሳተፍ፡ ተቓሊሱ እንታይ ከረጋግጽ ምዃኑ ብዝግባእ ክፈልጥ ይግብኦ። ህዝብና ተሳትፎኡ ክሕይል ዝኽእል እቲ እንኽተሎ ዘሎና ኣንፈት ንረብሕኡ ዝውክል ምዃኑ ክነዕግቦ ከሎና እዩ። በዚ ምኽንያት ምንቕቓሓዊዊ ዕዮና ንህዝብና ብዝርድኦ ቋንቋ ብንጹር ኣገባብን ዝራኸቦ ክኸውን ኵሉ ኣድላዪ ጻዕርታት ክንገብር ኢና።
ምብራባራዊ ዕዮና ቀንዲ ዕላምኡ ህዝብና ምሕያል ክኸውን እዩ። ህዝብና መሰረታዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላቱ ኣለልዩ ኣብ ፖለቲካ ሕይወት ሃገርና ክዋሳእ ዘብቅዖ ክኸውን እዩ። ዓወት ሰዲህኤ መሰሎምን ግቡኦምን ዝፈልጡ ኣብ ነብሶም ዝተኣማምኑ ዜጋታት ክበዝሑን ክብርክቱን ከለው እዩ። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዜጋታት ከኣ እዮም ኣብ’ቲ እንካይዶ ዘሎና ቃልሲ ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክስያዊ ስርዓት መሪሕ ግደ ክጻወቱ ዝኽእሉ።
10.3.2 ውደባ
ሰዲህኤ ህዝብና ብኣድማዒ ኣገባብ ክቃለስ፡ ንውጽኢት ቃልሱ’ውን ካብ ኢዱ ከይወጽእ ክቆጻጸር ድልዱል ውደባ ከምዘድልዮ ይኣምን። ብቑዕ ውደባ ዝሰኣነ ህዝባዊ ናዕቢ ዕላምኡ ብጕሒላታት ክስረቕ ይኽእል እዩ። ስለዚ ህዝብና ይንቃሕ ይወደብ ንመጻኢ ዕድሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ የእትዎ ዝብል ጽኑዕ እምነትና እዩ።
10.3.3 ጽዑቕ ድፕሎማሲ
ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እንገብሮ ዘለና ዘይሕለል ቃልሲ ዓለም-ለኻዊ ደገፍ ክረክብ ከይተሓለለና ክንቃለስ ኢና። ዓለም እቲ ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታት ክትፈልጥ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ክትድግፍ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ኢና። ብፍላይ ከኣ ጐረባብቲ ሃገራት ነዚ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከተባብዑን ከሐይሉን ኣድላዪ ጻዕርታት ክንገብር ኢና።
10.4መደብ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ
ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወረድ ዝግድዶ ኵነትት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ሰላምን ርግኣትን ዝሕሉ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ጥጡሕ ባይታ ዘንጽፍ ግዝያዊ መንግስቲ ብህጹጽ ክቕውም ክንቃለስ ኢና። እቲ ዝቐውም መንግስቲ ካብ ወከልቲ ህሉዋት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ካብ እተፈላለየ ማሕበራዊ ክፍልታት ህዝብና ካብ ኣካላት ሰራዊትን ክኸውን ኣድላዪ ጻዕሪ ክንገብር ኢና። እዚ ንጹርን ሓጺርን ዕድመ ዝህልዎ መንግስቲ ጥጡሕ መሰጋገሪ ኵነታት ምፍጣር ቀንዲ ዕማሙ ክኸውን እዩ።
10.4.1. ምብርባር ቍጠባ ሃገር ኣብ እዋን ምስግጋር
እዋን ምስግጋር ህዝብና ብቍጠባ ከይህሰ፡ ንውሽጣዊ ዝጸሐ ዓቕምታትን ቀጻልነት ክረክብ ምእሙእ ኵነታት ምፍጣር። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነጋዶ ብዝተሓተ ቐረጽ ክነግዱ ኣተባባዒ ሃዋህው ምኽፋት። ምስ ጐረባብትን ዓለምን እናተረዳዳእካ’ውን ሕማቕ ኵነታት ንኸየጋጥም ኵሉ ጻዕርታት ምግባር። ብተወሳኺ ቑጠባ ሃገርና ኣየናይ ኣቕጣጫ ይሓዝ ዝብል ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ ክኢላታት ዝሳተፍዎ ሰሚናራትን ኮንፈራንሳትን እናዳሎኻ ጌጋታት ስርዓት ህግደፍ ምምዛንን ንመጻኢ ዝሕግዝ ሓሳባት ክቐርብ መድረኻት ምኽፋት።
10.4.2 ምጥጣሕ መስርሕ ዲምክራሲያዊ ምስግጋር
ሰዲህኤ መስርሕ ምስግጋር ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈኖ ክኸውን ኵሉ ዝከኣሎ ጻዕሪ ክገብር እዩ። ኣብ’ዛ ንዘመናት ፍትሒ ስኢና ሰላም ተሓሪማ ዝጸንሐት ሃገርና ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ምስግጋር ቀሊል ዕማም ከመይዘኮነ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ መድረኽ ምስግጋር ንህዝባዊ ዕርቂ ዝድግፍ መንፈስን ሃዋሃውን ክሕዝ ከይተሓለልና ክንቃለስ ኢና። መሰጋገሪ መድረኽ ብዓወት ክዛዘም ከኣ ነዚ ዝስዕብ ስጉምታት ክውሰድ ክንጽዕር ኢና።
10.4.2.1 ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኩሎም ተቓወምትን፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን፡ ብፍትሓዊ ኣወኻኽላ ዝሳተፍዎ ሃገራዊ ዋዕላ ዕርቅን ስኒትን ብምክያድ፡ ናብ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ስምምዓት ንምብጻሕን፡ ኩሉ ዝሳተፎ ዲሞክራስያዊ ቅዋም ንምንዳፍን (ምምሕያሽ) ብወከልቲ ህዝቢ ንምጽዳቑን፤ ክቃለስ እዩ።
10.4.2.2 ሃገራዊ ሕጊ-ምርጫ ምስ ህልው ክውንነትን ሕሉፍ ተመኵሮ ኤርትራን ብዘሳኒ መንገዲ ምንዳፍን ብግዝያዊ ባይቶ ክጸድቕ ምግባርን፤
10.4.2.3 ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተነዲፉ ብግዝያዊ ፓርላማ ኤርትራ ይጸድቕ፡ ሰልፍታት ብመሰረት ሓዲሽ ሕጊ ይምዝገባ፤
10.4.2.4 መጀመርታ ምርጫ ኣህጉራውያን ተኦኣዘብቲ ኣብ ዘለዉሉ፡ ብነጻን ርትዓውን መንገዲ ክግበር ኮሚሽን ምርጫ ምቛም ኣድላዪ ምቅርራብ ምግባር፤
10.4.2.5 መራኸቢ ብዙሓን ንዕዉት ምስግጋር ዝድግፍ መደባት ክሕዝ ምቅላስ። ሕጊ ፕረስ ብቕልጡፍ ኣውጺእካ ጋዜጠኛታት ሃናጺ ግደኦም ክጻዎቱ ዕድል ምኽፋት፤
10.4.2.6 ንሰላማዊ ምስግጋር ዝምልከት ኣስተምህሮታትን ሰሚናራት ኮንፈረንሳት ምድላው፡ ስልጠናታት ከምዝወሃብ ምግባር፣
10.4.2.7 ኣብ እዋን ምስግጋር ፍትሒ ከይሰኣን ንነጻነት ቤት ፍርዲ ፍሉይ ትኽ1ረት ምሃብ፣ ኣብ’ቲ ክፍሊ ዘሎ ሕጽረት ንምምላእ ምስራሕ። ብተወሳኺ ንሰብኣዊ መስላት ዝጣበቓ ማሕበራት ዝቖማሉ ሕጊ ብቕልጡፍ ጸዲቑ ስርሐን ክጅምራ ምፍቃድ፤
10.4.2.8 ኣብ እዋን መሰጋገሪ መድረኽ ዝርአ ኣካታዒ ፖለቲካዊ ሕቶታት ኣተዓራቒ ፍታሕ ንምግባር ዝሕግዝ ነጻ ኮሚሽን ምቛም፤
10.4.2.9 ፖለቲካዊ ሰልፍታት በቒዐን ኣብ ዲሞክራስያዊ ውድድር ክቐርባ ዓቕሚ ዘኻዕብታሉ (political parties capacity building) መደባት ክዳሎ ምቅላስ፤
10.4.3 ጸጥታ ኣብ እዋን ምስግጋር
ሓይሊ ምልኪ ምስ ፈረሰ፡ ናብ ቀጥዒ ዝሰኣነ ፍንውነት ከይንኸይድ ስላምን ጸጥታን ዝሕሉ መንገዲ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ። ርግኣትን ጸጥታን ከይሰፈነ ዕውት ምስግጋር ክተካይድ ዘይሕሰብ እዩ። በዚ ምኽንያቲ ነቲ ዝጸንሐ ትካላት ኣወንታዊ ጐድኑ ኣዕቁብካ ካልእ ዓቕምታት ወሲኽኻ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ግዝያዊ መንግስቲ ጸጥታ ክኸበር ኣድላዪ ጻዕርታት ምግባር ከድሊ እዩ። ሰራዊት ኤርትራ’ውን ነቲ ሓዲሽ ኵነታት ብዝሰማማዕ ተወዲቡ ቀጻልነት ክረክብ ክንቃለስ ኢና። ብጀካ እቶም ንህሉው ኵነታት ተቐቢሎም ክስርሑ ፍቐዳኛታት ዘይኮኑ፣ ካልኦት ኣካላት ኵነታቶም እናተጸንዐ ኣብ እዋን ምስግጋር ኣገዳሲ ኣወንታዊ ተራ ክጻወቱ ክነተባብዕን ክንቃለስን ኢና። ኣብ ሞንጎ ህዝብን ሰራዊትን፡ ፖሊስን ቀጻሊ ርኽክባት እናተኻየደ ሓባራዊ ምርድዳእ ክግበር ክንጽዕር ኢና።
11. ምትግባርን ምምሕያሽን ፖሊቲካዊ ፕሮግራም
11.1 እዚ ፖለቲካዊ ፕሮግራም’ዚ፡ ካብ ዝጸደቐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ይውዕል።
11.2 ኣብ ፖሊቲካዊ ፕሮግራም፡ ተጠቒሱ ዘሎ ዓንቀጻት፡ ብመላኡ ጾታዊ ኣድልዎ የብሉን። ብተባዕታዊ ቋንቋ ዝተጠቕሰ፡ ዓንቀጻት እንኮላይ ንኣንስታይ ጾታ ከምዘጠቓልል ምግንዛብ።
11.3 ነዚ ፖሊቲካዊ ፕሮግራም’ዚ፡ ብመላኡ፡ ክቕይር፡ ክልቅብ፡ ክትክእ፡ ወይ’ውን ብኸፊል ዓንቀጻቱ ከመሓይሽ ዝኽእል ስልጣን፡ ናይ ሰዲህኤ ጕባኤ ጥራሕ እዩ።
11.4 እዚ ፖሊቲካዊ ፕሮግራም’ዚ ንጹርን ዘየከራኽርን ኮይኑ ክቐርብ ዝሃቀነ እኳ ይኹን’ምበር፡ ኣብ ገለ ዓንቀጻቱ፡ ቀደም-ተኸተሉ፡ ወይ ገለጻ ቃላቱ፡ ወይ ኣቀራርባ ምሉእ ሓሳቡ፡ ናይ ኣረዳድኣ፡ ወይ ኣተረጓጕማ፡ ፍልልይ ምስ ዝርከብ፡ ናይ ምትርጓም መሰል ዘለዎ ስልጣን፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ጥራሕ እዩ። ትርጕም ማእከላይ ባይቶ ድማ፡ ብተራ ብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ።
11.5 ኣብዚ ፖሊቲካዊ ፕሮግራም’ዚ ከይተጠቕሰ፡ ዝሓለፈ፡ ወይ እዚ ፕሮግራም’ዚ ኣብ ዝጸደቐሉ፡ ዘይተራእየ ሓድሽ ጕዳያት ምስ ዝርከብ፡ ማእከላይ ባይቶ ብሰብዓን-ሓሙሽተን ሚእታዊት (75%) ብዝሒ ድምጺ፡ ክውስነሉን፡ ምስ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይዚ ፕሮግራም’ዚ ዘይጻረር፡ መደባት ክሰርዓሉን ይኽእል።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ቀዳማይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
31 ሓምለ - 04 ነሓሰ 2011


