ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ብ28 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ውግእ ዝያዳ ከይሰፍሕ ዘጠንቅቕ ምሕጽንታ ናብ ጸሓፊ ውጻኢ ጉዳያት ኣሚሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣቕሪቦም። እቶም ቸሊየ ፒንግረ፡ሳራ ጃኮብ፡ ጀምስ ፒ ምጎቨንን ማደለይንን ዝተባህሉ ኣርባዕተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዘቕረብዎ መጠንቀቕታ እቲ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥርን ጋት ዘኽእል ህጹጽ ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዐሞ።
እዞም ሻቕሎት ዝሓደሮም ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኣብቲ መጠንቀቕታኦም፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ውግእ ናብቲ ኣዝዩ ዝፍራሕ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ናብ ደረጃ ዞባ ከይልሕም ዘለዎም ስግኣት ኣስፊሮም።
ምስዚ ኣተሓሒዞም ብመንግስቲ ኣመሪካ ብህጹጽ ክውሰዱ ኣለዎም ካብ ዝበልዎም ስጉምታት ነዞም ዝስዕቡ ጠቒሶም። 1) ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ፍሉይ ልኡኽ ኣሚሪካ ምምዳብ፡ 2) ህውከት ምቁራጽን ነቲ ዝተቋረጸ መስርሕ ሰላም ናብ ቦታኡ መሊስካ ንተግባረኡ ዓቕሚ ዘለዎ ተቖጻጻሪ ኣካል ምምዛዝ፡ 3) ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ወጥሪ ዝለዓለን ምሉእ ሓላፍነት ዘለዎን ዲፕሎማሲያዊ ኣካል መዲብካ ምዕጋት፡ 4) ሃገራት እቲ ዞባ፡ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ መስርሕ ሰላም ምስታፈንን ኢድ ኣእቲኻ ውግእ ዘጋድድ ሓገዝ ካብ ምሃብ ከም ዝቑጠባ ምግባረንን፡ 5) ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ተጽዕኖ ብምፍጣር ውሑስ ሰብኣዊ ቀረብ ናብ ጽጉማት ከም ዝበጽሕ ምርግጋጽ፡ 6) ድሕነት ሲቪል ሕብረተሰብ ምዕቃብን ኣብ መስርሕ ሰላም ንክሳተፍ ምኽኣሉን፡ 7) ኣብ ልዕሊ ናይ ውግእ ጠንቂ ዝኾኑ ናይ ኩሉ ወገናት ባእታታት ብመንግስቲ ኣመሪካ ተላዒሉ ዝነበረ እገዳ ቪዛን ካልእ ሓለፋታትን ናብቲ ዝነበሮ ምምላስ፡ 8) ኣብቲ ከባቢ ዲፕሎማሲያዊ ዓቕምን ርክብን ኣሜሪካ ዝያዳ ምሕያል።
ኣብ መወዳእታ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ እንተተኸፊቱ፡ ከም ግብጽን ሱዳንን ከምኡ እውን ካለኦት ዞባዊ ሓይልታት ዝሳተፍዎ ክኸውን ስለ ዝኽእል ብምጥቅስ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ በቲ ማርኮ ሩቢዮ ዝመርሖ ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ብዛዕባቲ ከባቢ ንባይቶ መግለጺ ክወሃብ ሓቲቶም።

