በዓል መዚ ፈነወ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣጊድዎ ዝጸንሐ፡ “ድምጺ ወያነ ትግራይ” ዝጽዋዕ ዝነበረ ትካል ዜና ክልል ትግራይ፡ ዝጸንሐ መጸዊዕኡ ተሰሪዙ፡ ካብ 29 ትቅምቲ 2026 ጀሚሩ “ኣገልግሎት ፈነወ ማእዶት” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዕላዊ ፈቓድን ኣፍልጦን ከም ዝሃበ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢራ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ነቲ “ትግራይ መዲያ ኤጀንሲ” ዝበሃል ዝነበረ ንኩሉ መዲያታት ትግራይ ከመሓድ ዝጸንሐ ከኣ “ትግራይ ፍነወ ኮርፖራሽን” ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዝተወሰነ እውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ገልጹ።
እቲ በዓል መዚ ፈነወ ኢትዮጵያ፡ ብኣዋጅ 1238/2013 መሰረት ብዝተዋህቦ ሓላፍነት ክገብሮ ብዝጸንሐ ምክትታል፡ እቲ ዝተሰረዘ “ድምጺ ወያነ ትግራ”፡ ብኣዋጅ መዲያታት ኢትዮጵያ ካብ ዝተዋህቦ ፈቓድን ሓላፍነትን ወጻኢ ናይ ውግእን ህውከትን ምልዕዓላት የካይድ ስለ ዝነበረ ኣጊድዎ ከም ዝጸንሐ ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ምምሕዳር በዓል ሕድሪ፡ እቲ ዝተኣገደ ኣገልግሎት ሬድዮን ተለቪዥንን ህዝባዊ ኣገልግሎት ምእንቲ ክህብ “ማእዶት” ብዝብል ሓድሽ መጸውዒ ፈቓድ ንክወሃበሉ ሕቶ ከም ዘቕረበ እውን እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ብሓድሽ ስምን ኣፍልጦን ዝረኸበ መዲያ ክተሓጋገዝዎ ጸዊዑ።

