ባሕቲ ጥሪ 1957 ኣብ ኣስመራ ዝተወልደት ሃጸይ ወ/ሚካኤል፡ ካብ ግዜ ንእስነታ ኣባል ውሽጣዊ ስርዒት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓአ) ዝነበረትን ድሕሪኡ ድማ ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይና ዝተቓለሰት ሓርበኛ ነይራ። ኣብቲ ጉዕዞ ቃልሳ ኣዝያ ጽንዕትን ንጥፍትን ሓርበኛ ዝነበረት ሃጻይ፡ ኣብ ኩሉ ሰውራዊ በዓላትን ፈስቲቫላትን ዕዙዝ ተሳትፎ ዝነበራ እያ።
ድሕሪ 2003 ከኣ ቅድም ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ደሓር ከኣ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኮይና ክሳብ ግዜ ሕልፈታ ፈልከት ከይበለት ናይ ቃልሲ ተሳትፎኣን ኒሓን ዘየጉደለት ሓርበኛ’ውን ነይራ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዝዜ ሕማምን ሕክምናዊ ምክትታልን ድማ ብ15 ጥቅምቲ 2026 ካብዛ ዓለም ኣብ ከተማ ሮማ ብሞት ተፈልያ፡ ኣብ ሳልስቱ ከኣ ኣብታ ዝዓረፈትላ ሃገር ኢጥልያ ከተማ ሮማ ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።
በዚ መሰረት ኣባላት ሰዲህኤ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልት ኣብቲ ቃልሲ ቀጸልትን ምዃኖም ብምግላጽ፡ ንመዋቲት መንግስተ ሰማያት ከዋርሳ ንስድራቤታ ከኣ ጽንዓት ክሃቦም ተመንዮም።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

