ዑመር ኣልበሺት ኣብ ወጻኢ ክሕከም መባእታዊ ስምምዕ ተበጺሑ

ዑመር ኣልበሺት ኣብ ወጻኢ ክሕከም መባእታዊ ስምምዕ ተበጺሑ

ወተሃደራዊ ሰብ መዚ ሱዳን ናይ ቅድም ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ዑመር ኣል በሺር ናብ ወጻኢ ከይዱ ክሕከም ኣብ መባእታዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ መወዳእታ ዘይበጸሐ ውሳነ ብ30 መስከረም 2026 መግለጺ ዝሃበ መራሒ ጉጅለ ጠበቓታት ዑመር ኣልበሽር እዩ።

እቲ ወዲ 82 ዓመት ዑመር ኣልበሽር ብ2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ብፍላይ ካብ 2023 ንደሓር  ንድሕነቱ ይሕለወሉ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ እዩ ተዓቚቡ ዘሎ። ጠበቓ መሓመድ ኢል-ሓሳን ኢል-ኣሚን ኩነታት ጥዕና  ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ኣስጋኢ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብቑዕ ናይ መርመራ መሳርሒ ከም ዘየለ ምጥቃሱ  እቲ ዜና ገሊጹ።

እቲ ጠበቓ ናይ በሺር ናብ ወጻኢ ተጓዒዙ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ መባእታዊ ተቐባልነት’ኳ እንተረኸበ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዘሎ ናይ መንግስቲ ሱዳን ኣሰራርሓ ናይቲ ፕረሲደንት ነበር ናይ ወጻኢ ጉዕዞ ናይ መወዳእታ ፈቓድ ንምርካብ፡ ክሳብ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝበጽሕ ናይ ብዙሓት ሲቪላውን ወተሃደራውን ስምምዕ ከም ዘድልዮ ኣፍሊጡ።

ፕረሲደንት ነበር ዑመር ኣልበሺርን ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበሩ ሰብ መዝን፡ በቲ ንሱ ናብ ስልጣን ዝደየበሉ ናይ 1989 ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ነይሮም።  ኣብ መንጎ ብጀነራል ኣልቡርሃንን ብጀነራል ሓምዳን ደጋሎን ዝምራሕ  ውግእ ሕድሕድ ምስተጀምረ ግና እቲ መስርሕ ፍርዲ ንዘይተወሰ ተባሂሉ ተቛሪጹ።

ኣብ 2024 ድማ ዑመር ኣልበሺር፡ ምስ ናይ ቅድብም መሳርሕቱ ምክትል ፕረሲደንት ባክሪ ሓሰን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዓብደል ራሒም ሓሰንን ጥሮተኛ ጀነራል ዩሱፍ ዓብደል ፋታሕ ካብ ወዲ ሰይድና ወተሃደራዊ መደበርን እዮም ካብቲ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ናብቲ ኣብ ከተማ መረዋ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም። በሺር ክሳብ ሎሚ እሱር ኮይኑ፡ ኣብ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ኣምዱርማን እዩ ጥዕናዊ ክንክን ዝረክብ ዘሎ። እቲ ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ብዛዕባቲ ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ተደላይ ምንባሩ ግና ዝተጠቕሰ የለን።