ኣዲስ ስታንዳርድ ናይ 2026 ብልጫ ተቐቢላ

ኣዲስ ስታንዳርድ ናይ 2026 ብልጫ ተቐቢላ

ትካል ዜና “ኣዲስ ስታንዳርድ”  ናይ 2026 ዲሞክራሲያዊ ብልጫ፡ ካብ “ሃገራዊ ውህብቶ ንዲሞክራሲ” ዝተባህለ ትካል ከም ዝተቐበለት ኣብ መርበባ ብዘውጸኣቶ ጸብጻብ ሓቢራ። መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ነዚ ብልጫ ዝተቐበለት፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዝምልከት ከተቕርቦ ንዝጸንሐት ጋዜጣዊ ጸብጻባትን ሓበሬታን ኣፍልጦ ንምሃብ እዩ።

ናይቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ናይ ሎሚ ዳይረክተርን ናይ ቅድም ሪፖርተርን ጋዜተኛ ጸዳለ ለማ ነቲ ብልጫ፡ ብስም ናይቲ ትካል ጋዜጠኛታት፡ ኣንበብትን ደገፍትን ኣብቲ ብ10 መስከረም 2026 ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣብ ጆርጅ ዋሽንግተን ከም ዝተቐበለት እቲ ዜና ሓቢሩ። ሕትመታት ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍልጦን ተቐባልነትን ዝረኸበ፡ ካብቶም 5 መትከላት ፕረስ ብምኽባር፡ መበል 250 ዝኽሪ ናጽነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምኽንያት ብምግባር ብዝተዳለወ መዕቀኒ እዩ። እቲ ብልጫ ዝሃበ ትካል ብእኩብ ኮነ ብውልቂ ምእንቲ ዲሞክራሲ ንዝተቃለሱ ኣካላት ኣፍልጦ ዝህብ ምዃኑ ከኣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ከም ዝተሓበረ ተገሊጹ።


ጋዜጠኛ ጸዳለ ለማ፡ ኣብቲ ብልጫ ዝተቐበለትሉ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እቲ ብልጫ ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ክብሪ ዝህብን ንናጻ ፕረስ ዘተባብዕን እዩ ክትብል ገሊጻቶ።  ኣተሓሒዛ ከኣ ትካል ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ተጽዕኖ ከጋጥሞ ከም ዝጸንሐ ከም ዘቃለዐት’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ 2026 ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ኣዲስ ስታንዳርድን ጋዜጠኛታታን ብዛዕባ ዝተፈጸመ ከቢድ ተጽዕኖ ከኣ ኣስፊሓ ምሕባራ ተገሊጹ።

.

ብዓልቲ ሃብታም ተመኩሮ ጋዜጠኛ ጸዳለ ለማ፡ ኣተሓሒዛ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናጻ መዲያታት ካብ መድረኽ ንምውጻእ ዘይተኣደነ ርእሰማል መዲቡ ከም ዝሰርሕ ጠቒሳ፡ ናብ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩ ቅኑዕ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፡ ካብ ተጽዕኖ መንግስቲ ናጻ ምዃን መሰረታዊ ምዃኑ ኣብሪሃ። ኣዲስ ስታንዳርድ ናይ ህዝቢ ናይ ሓበሬታ ድሌት ንምምላእ ዝተሰለፈት ነባር  መዲያ ከም ዝኾነት ኣብቲ ቃላ ኣስፊራ። ነቲ ኣፍልጦ ሂቡ ዝሸለመ ኣሜሪካዊ ትካል ከኣ ኣመስጊና።