ኣብ ኢትዮጵያ 600 እሱራት ብምሕረት ተፈቲሖም

ኣብ ኢትዮጵያ 600 እሱራት ብምሕረት ተፈቲሖም

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምድጋፍ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ፡ ብዝተተሓሓዘ ንዝያዳ 3 ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ፡ ኣቐዲሞም ብደረጃ ፈደራልን ክልልን ኣብ ዝለኦኣለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም፡ 600 እሱራት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 2019 ከም ዝተፈትሑ ናይታ ሃገር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሓቢሩ። እዞም ዝተፈትሑ፡ ገሊኦም ጉዳዮም ናይ መወዳእታ ፍርዲ ተዋሂብዎ ዝነበረ፡ ናይ ገሊኦም ድማ ኣብ መስርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ፋይላቶም ብቤት ፍርዲ ንክዕጾ ዘተወሰነ እዮም።

ናይቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽነር ኣቶ ብርሃኑ ኣዴሎ ነቲ መስርሕ ምፍታሕ እሱራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ በቶም እሱራት ዝቐረበሉ ናይ ይቕረታ ሕቶ መሰረት ገይሩ እቶም ክፍርምሉ ንዘቕረቦ ሰነድ ክፍርሙ ፈቓደኛታት ዘይኮኑ፡ 28 ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ከምዘይተፈትሑ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽ ነዚ ኩነታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣስታት 5 ኣዋርሕ ከም ዝወሰደሉ ድማ ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ።

ካብቶም ዝተፈትሑ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት፡ አቶ ክርስቲያን ታደለ፡ ዶ/ር ካሳ ተሻገር፡ ዶ/ር ጫኔ ከበደን ረ/ፕሮፌሰር ማረጉ ቢያዝን ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ካብቶም “ገበነኛታት ኢና ኢልና ፈሪምና ኣይንፍታሕን” ዝበሉ 28 ድማ፡ አቶ ዮሐንስ ቧያለው፡  ዶ/ር ወንድወሰን፡ ዶ/ር ሲሳይ ኣውግቸው፡ ጋዜጠኛ መስከረም ኣበራ፡ ጋዜጠኛ ገነት አስማማው፡ ጋዜጠኛ ጎበዜ ሲሳይን ጋዜጠኛ ዳዊት ጋሻውን ከም ዝርከብዎም እቲ መንጎኛ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኮሚሽን ሓቢሩ።

እዞም ዝተፈትሑ ኣቐድም ኣቢሉ ድሕሪ ምፍተሖም ክገጥሞም ብዛዕባ ዝኽእል ብደሆታትንን ንሳቶም ብኸመይ ኣብቲ ሕብረተሰብ ተጸንቢሮም ከም ዝዋስኡን ኣብ ዝምልከት መግለጽታት ክወሃቦም ከም ዝጸንሐ’ውን እቲ ኣብ ምፍተሖም ክሰርሕ ዝጸንሐ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

እቶም እሱራት ነቲ ብፈደራል መንግስቲ ዝቐረበ “ግጉያት ኔርና” ዝብል ሰነድ ምፍራሞም ብገለ ወገናት ብትሪ ክንቀፍ እንከሎ፡ ገለ ወገናት ግና ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገም፡ ነቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ደገፎም ገሊጾም።

ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ኩነታት ምስዚ ክወዳደር እንከሎ፡ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍካ፡ እቶም ብ2001 ዝተፈልየ ርኢቶ ስለ ዝሓዙ ጥራይ ብብዝሒ ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣይኮነንዶ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ይቕረታ መስርሕ ክፍትሑ፡ ብቤተሰቦም ኮነ ብሰብኣዊ ትካላት ዘይብጽሑን ብህይወት ምህላዎም ዘይምህላዎምን ዘይፍለጡ ምዃኖም  ዘሕዝን እዩ።