Latest News

ኣብ ከተማ መቐለ ናይ መጓዓዝያታት ምንቅስቓስ ገደብ ተወሲኑ

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ መቐለ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ ዘሎ ሓፈሻዊ ጸጥታዊ ኩነታት ድሕሪ ምግምጋም ኣብታ ከተማ ናይ ምሸት ምንቅስቓስ ሞቶራዊ መጓዓዝያታት ገደብ ከም ዝወሰነ ኮርፖሬሽን ፈነወ ትግራይ ሓቢሩ። በቲ ወጺኡ ዘሎ ገደብ መሰረት ካብ 6 ሕዳር 2026 ጀሚሩ ምሸት ድሕሪ ሰዓት 8ን ንግሆ ድማ ቅድሚ ሰዓት 6ን ዝኾነ ናይ  መጓዓዝያታት ምንቅስቓስ ክልኩል ይኸውን።

እቲ ገደብ ምንቅስቓስ ናይ ሞተር ሳይክልን ዓበይቲ መካይንን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተኸልከለ ሰዓታት ንብረት ጽዒነን ናብታ ከተማ ናይ ዝኣትዋ ዓበይቲ መካይን ጉዳይ  ብፍሉይ ከም ዝረአ ተጠቒሱ። ኣብ ርእሲኡ ዝኾነት መጓዓዝያታት ሕጋዊ መለለይ ቁጽሪ (ታርጋ) ክህልዋን ዘይሕጋዊ ስቲከራት ምልጣፍ ከምዘይፍቀድን በቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ ብሰራዊት ኢትዮኦጵያ ዝወጸ መግለጺ ኣተሓሒዙ ኣካላት ጸጥታ ሕጋዊ ሰነድ ኣማሊኦም ካብ ሰዓት 6 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኣባይቲ ጐርጎራ (ተፍትሽ)  ከም ዘካይዱ ጠቒሱ ካብ ዘይሕጋውያን ፈተሽቲ ክጥቀቕ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ድሕሪ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2026 ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ውግእ ምጅማሩ፡ ኣብ 3 ሰሙናት ዳርጋ ኩለን ከተማታት ትግራይ ብሰራዊት ምክልኻ ኢትዮጵያን ሓይሊ ሰላም ትግራይን ምትሓዘን፡ ኣብታ ክልል ተመስሪቱ ዘሎ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ቀንዲ ተግባሩ ሰላምን ምርግጋእን ምውሓስ ምዃኑን ምእንታኡ ይሰርሕ ከም ዘሎን እውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡ ዝኾነ ነባሪ ከተማ መቐለ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ኢዱ ዘሎ ብረትን ካልእ መንግስታዊ ንብረትን ኣብ 3 መዓልታት ከረክብ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ብምፍታሽ ዝተታሕዘ ዕጥቂ ኮነ ካልእ ንብረት ከም ዘቕጽዕ’ውን ንነበርቲ መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህበ፡ ኮርፖሬሽን ፈነወ ትግራይ ኣፍሊጡ። ተዋሂቡ።

ኣብ ከተማ መቐለ ናይ መጓዓዝያታት ምንቅስቓስ ገደብ ተወሲኑ

ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም

ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ብ28 ጥቅምቲ 2026፡ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ውግእ ዝያዳ ከይሰፍሕ ዘጠንቅቕ ምሕጽንታ ናብ ጸሓፊ ውጻኢ ጉዳያት ኣሚሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣቕሪቦም።  እቶም ቸሊየ ፒንግረ፡ሳራ ጃኮብ፡ ጀምስ ፒ ምጎቨንን ማደለይንን ዝተባህሉ ኣርባዕተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዘቕረብዎ መጠንቀቕታ እቲ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥርን ጋት ዘኽእል ህጹጽ ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዐሞ።

 እዞም ሻቕሎት ዝሓደሮም ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኣብቲ መጠንቀቕታኦም፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ውግእ ናብቲ ኣዝዩ ዝፍራሕ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ  ናብ ደረጃ ዞባ ከይልሕም ዘለዎም ስግኣት ኣስፊሮም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም ብመንግስቲ ኣመሪካ ብህጹጽ ክውሰዱ ኣለዎም ካብ ዝበልዎም ስጉምታት ነዞም ዝስዕቡ ጠቒሶም። 1) ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ፍሉይ ልኡኽ ኣሚሪካ ምምዳብ፡ 2) ህውከት ምቁራጽን ነቲ ዝተቋረጸ መስርሕ ሰላም ናብ ቦታኡ መሊስካ ንተግባረኡ ዓቕሚ ዘለዎ ተቖጻጻሪ ኣካል ምምዛዝ፡ 3) ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ወጥሪ ዝለዓለን ምሉእ ሓላፍነት ዘለዎን ዲፕሎማሲያዊ ኣካል መዲብካ ምዕጋት፡ 4) ሃገራት እቲ ዞባ፡ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ መስርሕ ሰላም  ምስታፈንን ኢድ ኣእቲኻ ውግእ ዘጋድድ ሓገዝ ካብ ምሃብ ከም ዝቑጠባ ምግባረንን፡  5) ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ተጽዕኖ ብምፍጣር ውሑስ ሰብኣዊ ቀረብ ናብ ጽጉማት ከም ዝበጽሕ ምርግጋጽ፡ 6) ድሕነት ሲቪል ሕብረተሰብ ምዕቃብን ኣብ መስርሕ ሰላም ንክሳተፍ ምኽኣሉን፡ 7) ኣብ ልዕሊ ናይ ውግእ ጠንቂ ዝኾኑ ናይ ኩሉ ወገናት ባእታታት ብመንግስቲ ኣመሪካ ተላዒሉ ዝነበረ እገዳ ቪዛን ካልእ ሓለፋታትን ናብቲ ዝነበሮ ምምላስ፡ 8) ኣብቲ ከባቢ ዲፕሎማሲያዊ ዓቕምን ርክብን ኣሜሪካ ዝያዳ ምሕያል።

ኣብ መወዳእታ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ እንተተኸፊቱ፡ ከም ግብጽን ሱዳንን ከምኡ እውን ካለኦት ዞባዊ ሓይልታት ዝሳተፍዎ ክኸውን ስለ ዝኽእል ብምጥቅስ፡ ኣብ ዝሓጸረ  ግዜ በቲ ማርኮ ሩቢዮ ዝመርሖ ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ብዛዕባቲ ከባቢ ንባይቶ መግለጺ ክወሃብ ሓቲቶም።

ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም

ድምጺ ወያነ ትግራይ ስሙ ተሰሪዙ

በዓል መዚ ፈነወ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣጊድዎ ዝጸንሐ፡  “ድምጺ ወያነ ትግራይ” ዝጽዋዕ ዝነበረ  ትካል ዜና ክልል ትግራይ፡ ዝጸንሐ መጸዊዕኡ ተሰሪዙ፡ ካብ 29 ትቅምቲ 2026 ጀሚሩ “ኣገልግሎት ፈነወ ማእዶት”  ተባሂሉ ክጽዋዕ ዕላዊ ፈቓድን ኣፍልጦን ከም ዝሃበ  ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢራ።  ምስዚ ብምትሕሓዝ ነቲ “ትግራይ መዲያ ኤጀንሲ” ዝበሃል ዝነበረ ንኩሉ መዲያታት ትግራይ ከመሓድ ዝጸንሐ ከኣ “ትግራይ ፍነወ ኮርፖራሽን”  ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዝተወሰነ እውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ገልጹ።

እቲ በዓል መዚ ፈነወ ኢትዮጵያ፡ ብኣዋጅ 1238/2013 መሰረት ብዝተዋህቦ ሓላፍነት ክገብሮ ብዝጸንሐ ምክትታል፡ እቲ ዝተሰረዘ “ድምጺ ወያነ ትግራ”፡ ብኣዋጅ መዲያታት ኢትዮጵያ ካብ ዝተዋህቦ ፈቓድን ሓላፍነትን ወጻኢ ናይ ውግእን ህውከትን ምልዕዓላት የካይድ ስለ ዝነበረ ኣጊድዎ ከም ዝጸንሐ ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ምምሕዳር በዓል ሕድሪ፡ እቲ ዝተኣገደ ኣገልግሎት ሬድዮን ተለቪዥንን ህዝባዊ ኣገልግሎት ምእንቲ ክህብ “ማእዶት” ብዝብል ሓድሽ መጸውዒ ፈቓድ ንክወሃበሉ ሕቶ ከም ዘቕረበ እውን እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ብሓድሽ ስምን ኣፍልጦን ዝረኸበ መዲያ ክተሓጋገዝዎ ጸዊዑ።

ድምጺ ወያነ ትግራይ ስሙ ተሰሪዙ

ዮሃንስ ኣብረሃ ከም ዝተፈትሐ ተሓቢሩ

ኣብ ምጅማርን ምምራሕን ማዕበላዊ ምልዕዓል ብሪጌድ ንሓመዱ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ኤርትራዊ  ዮሃንስ ኣብርሃ (John Black)፡ ካብቲ ኣብ ሃገር ሆላንድ ዝጸንሖ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ “ተፈታዊ ቶክ ሸው tefetawi talkshow” ዝተባህለት መርበብ ዩቱብ ሓዊስካ  ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ፌስብክ ገጻት  ተሓቢሩ። ዮሃንስ ኣብርሃ በቲ ምንቅስቓሳት ጉጅለ ህግደፍ ንምኹላፍ  ኣብዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓስ ብዝተሓሓዘ ሕጊ ጠቐስ ምኽንያት  እዩ ተኸሲሱ ተኣሲሩ ጸኒሑ።

ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሃገር ኔዘርላንድ ዝያዳ ክልተ ዓመት እዩ ተኣሲሩ ተፈቲሑ። ንምፍታሕ ዮሃንስ ብዝምልከት ዝወጹ ሓበሬታታት ከም ዘረድኦ፡ ካለኦት ናይቲ ማዕበል ኣባላት እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዘለዉ ንዓኣቶም  እውን ንክርህዎም ናይ ብዙሓት ሓይልታት ለውጢ ትጽቢት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ መቓልስቲ ዮሃንስ ሓጐሶም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ማሕበረ-ኮም ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከባቢ ሲያትል፡ ኣንጻር 13 ንጡፋት ዝበልዎም ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ኤርትራውያን መስሪትዎ ዝነበረ ክሲ፡ ከም ዝርታዕ ምስ ተረደአ ምስሓቡ፡  ንሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዓብይ  ዓወት ኣብ መድረኽ ፍትሒ ኮይኑ ምምዝጋቡ ዝዝከር እዩ።

ዮሃንስ ኣብረሃ ከም ዝተፈትሐ ተሓቢሩ

መግለጺ ሓዘን ብዕረፍቲ ሃጸይ ወ/ሚካኤል

ባሕቲ ጥሪ 1957 ኣብ ኣስመራ ዝተወልደት ሃጸይ ወ/ሚካኤል፡ ካብ ግዜ ንእስነታ ኣባል ውሽጣዊ ስርዒት  ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓአ) ዝነበረትን ድሕሪኡ ድማ ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይና ዝተቓለሰት ሓርበኛ ነይራ። ኣብቲ ጉዕዞ ቃልሳ ኣዝያ ጽንዕትን ንጥፍትን ሓርበኛ ዝነበረት ሃጻይ፡ ኣብ ኩሉ ሰውራዊ በዓላትን ፈስቲቫላትን ዕዙዝ ተሳትፎ  ዝነበራ እያ።

ድሕሪ  2003 ከኣ ቅድም ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ደሓር ከኣ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኮይና ክሳብ ግዜ ሕልፈታ ፈልከት ከይበለት  ናይ ቃልሲ ተሳትፎኣን ኒሓን ዘየጉደለት ሓርበኛ’ውን ነይራ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዝዜ ሕማምን ሕክምናዊ ምክትታልን ድማ ብ15 ጥቅምቲ 2026 ካብዛ ዓለም ኣብ ከተማ ሮማ ብሞት ተፈልያ፡ ኣብ ሳልስቱ ከኣ ኣብታ ዝዓረፈትላ ሃገር ኢጥልያ ከተማ ሮማ ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።

በዚ መሰረት ኣባላት ሰዲህኤ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልት ኣብቲ ቃልሲ ቀጸልትን ምዃኖም ብምግላጽ፡ ንመዋቲት መንግስተ ሰማያት ከዋርሳ ንስድራቤታ ከኣ ጽንዓት ክሃቦም ተመንዮም።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

መግለጺ ሓዘን ብዕረፍቲ ሃጸይ ወ/ሚካኤል

መግለጺ ሓዘን ኣብዚ ቀረባ ናይ ዝሓለፉ ኣባላት ሰዲህኤ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዝተሰውኡ ኣባላቱ ህብትዝጊ ዓንዱ ድራርን ምሉጌታ ኣብርሃን ዝተሰምዖ ሓዘን መሪር እዩ።  ሓው ህብትዝጊ ብ11 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ስዑድ ዓረቢያ ክዓርፍ እንከሎ፡ ሓው ምሉጌታ ኣብርሃ ከኣ ኣቐዲሙ ብ13 ነሃሰ 2026 እዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፉ።

ስዉእ ህብትዝጊ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ዝኾነ ጸገማት ተጻዊሩ ኣብ ግሁድን ምስጢራውን መድረኻት፡ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ  ኩሉ ግቡኣቱ ክፍጽም ዝጸንሐ ውፉይ እዩ ነይሩ።

ስዉእ ምሉጌታ ኣብርሃ ከኣ ብዘይካቲ ካብ ግዜ ውግእ ባድመ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘበርክቶ ዝነበረ፡ ድሕሪኡ እውን  ኣብ መደበር ስደተኛ ታት ኤርትራውያን ማይ ዓይንን ኣለምዋጭን ተዓቚቡ ኣብ ዝነበረሉ ግዚያት’ውን ካብ ቃልሲ ከይበኾረ ኣገደስ ናይ ቃልሲ  ሓበሬታ ዘስንቕ   ዝነበረ እዩ። ምሉጌታ ብሞያ ናይ ሕርሻ ክኢላ እዩ ነይሩ።

በዚ መሰረት መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ናይዞም ኣሕዋት ሓዘን ተኻፈልቲ ብምዃን፡  ንስዉኣት መንግስተሰማይ፡ ንስድራቤቶም ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይምነዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

13 ጥቅምቲ 2026

መግለጺ ሓዘን ኣብዚ ቀረባ ናይ ዝሓለፉ ኣባላት ሰዲህኤ

ዑመር ኣልበሺት ኣብ ወጻኢ ክሕከም መባእታዊ ስምምዕ ተበጺሑ

ወተሃደራዊ ሰብ መዚ ሱዳን ናይ ቅድም ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ዑመር ኣል በሺር ናብ ወጻኢ ከይዱ ክሕከም ኣብ መባእታዊ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ መወዳእታ ዘይበጸሐ ውሳነ ብ30 መስከረም 2026 መግለጺ ዝሃበ መራሒ ጉጅለ ጠበቓታት ዑመር ኣልበሽር እዩ።

እቲ ወዲ 82 ዓመት ዑመር ኣልበሽር ብ2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ብፍላይ ካብ 2023 ንደሓር  ንድሕነቱ ይሕለወሉ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ እዩ ተዓቚቡ ዘሎ። ጠበቓ መሓመድ ኢል-ሓሳን ኢል-ኣሚን ኩነታት ጥዕና  ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ኣስጋኢ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብቑዕ ናይ መርመራ መሳርሒ ከም ዘየለ ምጥቃሱ  እቲ ዜና ገሊጹ።

እቲ ጠበቓ ናይ በሺር ናብ ወጻኢ ተጓዒዙ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ መባእታዊ ተቐባልነት’ኳ እንተረኸበ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዘሎ ናይ መንግስቲ ሱዳን ኣሰራርሓ ናይቲ ፕረሲደንት ነበር ናይ ወጻኢ ጉዕዞ ናይ መወዳእታ ፈቓድ ንምርካብ፡ ክሳብ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝበጽሕ ናይ ብዙሓት ሲቪላውን ወተሃደራውን ስምምዕ ከም ዘድልዮ ኣፍሊጡ።

ፕረሲደንት ነበር ዑመር ኣልበሺርን ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበሩ ሰብ መዝን፡ በቲ ንሱ ናብ ስልጣን ዝደየበሉ ናይ 1989 ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ነይሮም።  ኣብ መንጎ ብጀነራል ኣልቡርሃንን ብጀነራል ሓምዳን ደጋሎን ዝምራሕ  ውግእ ሕድሕድ ምስተጀምረ ግና እቲ መስርሕ ፍርዲ ንዘይተወሰ ተባሂሉ ተቛሪጹ።

ኣብ 2024 ድማ ዑመር ኣልበሺር፡ ምስ ናይ ቅድብም መሳርሕቱ ምክትል ፕረሲደንት ባክሪ ሓሰን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዓብደል ራሒም ሓሰንን ጥሮተኛ ጀነራል ዩሱፍ ዓብደል ፋታሕ ካብ ወዲ ሰይድና ወተሃደራዊ መደበርን እዮም ካብቲ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ናብቲ ኣብ ከተማ መረዋ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም። በሺር ክሳብ ሎሚ እሱር ኮይኑ፡ ኣብ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ኣምዱርማን እዩ ጥዕናዊ ክንክን ዝረክብ ዘሎ። እቲ ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ብዛዕባቲ ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ተደላይ ምንባሩ ግና ዝተጠቕሰ የለን።

ዑመር ኣልበሺት ኣብ ወጻኢ ክሕከም መባእታዊ ስምምዕ ተበጺሑ

ህግደፍ ብዛዕባቶም ዝሰወሮም ጋዜጠኛታት ሓቀኛ ሓበሬታ ንክህብ፡ ደረስትን ጸሓፍትን፡ ጸዊዕም

ገለ ካብቶም  ናይቲ ደብዳበ ከተምቲ

ልዕሊ 118 ጸሓፍትን ደረስት ካብ መላእ ዓለም፡ ብዛዕባቶም ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ጀሚሮም ብሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ ምእሳሮም ተሰዊሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሓቀኛ ሓበሬታ ንክህብ ዝጸውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምጽሓፍ መጸዋዕታኦም ከም ዝሕደሱ ጋዜጣ ዘጋርዲያን ሓቢራ።

ካብቶም ኣብቲ መጸዋዕታ ዝኸተሙ ናይ ኖቤል ተሸለምቲ፡ ኦላጋ ቶካረዙክን ጂም ቾየትዚ ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ኮልም ቶይቢን፡ ኣሊፍ ሻፋክ፡ ኢሳበል ኣለንንደ፡ በን ኦክሪ፡ ያን ማርተል፡ ካሚላ ስሃሚዝን ጺንጺን ዳንጋረምበርግን ዝተባህሉ ፍሉጣት ደረስቲ’ውን ካብቶም ፈረምቲ ምዃኖም እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።

እቲ ደብዳበ ብ18 መስከረም 2026፡ መበል 25 ዓመት ናይቶም ድሕሪ ማእሰርቶም ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝኽሪ መሰረት ብምግባር፡ ፔን ኢንተርናሺናል (PEN International) ብዝተባህለ ትካል ዝተዳለዎ እዩ። እቶም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝተኣስርሉ ግዜ፡ ነጻ ፕረስን ድምጺ ህዝብን ኣብ ኤርትራ ከም ዝተዓጽወ፡ ኣብቲ ናብ ኢሳያስ ዝተላእከ  ደብዳበ ምጥቃሱ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። ኣብቲ ደብዳበ ናይቶም ቅድሚ 25 ዓመት ግዳይ ማእሰርቲ ዝኾኑ 12 ኤርትራውያን ጋዜጣኛታት  ተዘርዚሩ።

እቶም ግዱሳት ክኢላታት ፈረምቲ፡ ኣብቲ ዝለኣኽዎ ደብዳበ፡ “ዝኾነ ጸሓፊ ሓሳቡ ስለ ዝገለጸ ክስወር ኣይግበኦን” ክብሉ ጠቒሶም፡ ክሳብ ዝፍትሑ፡ ምስቶም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ዘለዎም ምሕዝነትን ደገፍን ቃጻሊ ምዃኑ ኣስፊሮም። ነዚ ደብዳበ ዘዳለወ ዓለምለኻዊ ትካል ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዕታ ናብ ሓለፍቲ ኤርትራ ዘቕርብ ዘሎ ናይ መጀምርያኡ ከም ዘይኮነ ከኣ ኣብቲ ደብዳበ ተሓቢሩ።

ፕረሲደንት ዓለም ለኻዊ ትካል ፔን ኢንተርናሺናል፡ ቡርሃን ሶንመዝ፡ ብወገኑ ንሓደ ስድራቤት ዝተኣስረ  ኣባል ቤተበሰቡ ኣብ ከይመ ኩነታት ከምዘሎ ዘይምፍላጥ ክትግምቶ ዘጸገም እዩ ክብል ገሊጽዎ። ስለዚ ድማ እዞም ዝተሰወሩ ጸሓፍቲ ካብ ኣእምሮና ኣይርስዑን እዮም ኢሉ፡ ናታቶም ኣስማቶም ካብ ምጽዋዕን ኩነታቶም ንክፍለጥ ካብ ምሕታትን ኣይከነቋርጽን ኢና ኢሉ።

ህግደፍ ብዛዕባቶም ዝሰወሮም ጋዜጠኛታት  ሓቀኛ ሓበሬታ ንክህብ፡ ደረስትን ጸሓፍትን፡ ጸዊዕም

 ግንባር ህዝባዊ ምትሕብባር ንህልውና ምምስራቱ ተገሊጹ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ህዝባዊ ምትሕብባር ንህልውና (ህዝባዊ ምትሕብባር)” ዝተባህለ፡ ሓድሽ ጸረ መንግስቲ ብልጽግና ግንባር ከም ዝተመስረተ፡ ብ20 መስከረም 2026  ብኣቶ ዘመነ ካሰ ብዝቀረበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ። ናይዚ  ብልጽግና ንምውጋድ ሓቢሩ ከም ዝቃለስ ዝገለጸ ህዝባዊ ግንባር ኣባላት፡ ኣምሓራ ፋኖ ብሄራዊ መንቅስቓስ፡ ሰራዊት ሓርነርት ኦሮሞን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝርከብዎም ሸውዓተ ጸረ ብልጽግና ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለዎም ውድባት ምዃኖም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሰልፊ ብልጽግናን ውልቀ መራሒ ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ምውዳቓ ጠቒሱ፡ ናይ ሰባት ህልቂት፡ ጸቢብ ዓሌታውነትን ድኽነትን መለለይኣ ኮይኑ ከምዘሎ  ኣስፊሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኢትዮጵያ ኣብ መሪሕነት ብምጽግና ሕግን ስርዓትን ዝተሓረማን ሚልዮናት ካብ ህዝባ ኣብ መከራ ዝወደቑላን ሃገር ኮይና ከምዘላ’ውን ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ኢትዮጵያ ናብ ከቢድ ቁጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ተመርሕ ከምዘላ ከኣ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተንጸባሪቑ።

እቲ ዝምስረት ዘሎ “ሰፊሕ” ዝተባህለ ግንባር፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ብልጽግና ናይ ኢትዮጵያ ጸጥታን ምርግጋእ ንምውሓስ ኣሳታፊ መሰጋገሪ ምምሕዳራዊ መስርሕ ከም ዝኽተል ሓቢሩ። ካብ ናይቲ ዝምስረት መሰጋጋሪ መምሕዳር ዕማማት ከኣ፡ ምዕቃብ ህልውናን ድሕንነት ህዝብን ምውሓስ መሰረታዊ ድሌት ህዝብን ከም ዝርከብዎም ጠቒሱ።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ናብ መላእ ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኢትዮጵያ፡ ናብ ላዕለዎት ሰብ መዝን ሰራዊትን መግስቲ፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕብረተሰብ ዓለምን ናይ ምትሕብባር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ዝተፈላለዩ ምስ ህወሓት ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎም መድያታት ከም ዝሓበርዎ፡ ናይቲ ግንባር ኣቦመንበር ዘመነ ካሰ ካብ ፋኖ ኣምሓራ ኣቦመንበር፡ ኩማ ደሪባ ካብ ሰራዊ ሓርነት ኦሮሞ ምክትል ኣቦመንበር፡ ደብረጼን ገብረሚካኤል ካብ ህወሓት ድማ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ኣብ ቅድሚት ዝመርሑ ሓለፍቲ ከም ዝኾኑን ናይተን ዝተረፋ ውድባት ሓለፍቲ ድማ  ኣባላት መሪሕነት ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እዚ ብናይ ቀረባ ምክትታል ምምሕዳር ህግደፍ መንግስቲ ግብጽን ከም ዝተመስረተ ዝንገረሉ ግንባር፡ ናይ ብልጽግና ብዓብይኡ ኮይኑ፡ ካብ ብዙሓት ኣንጻር ብልጽግና ዝቃለሱ ወገናት እውን ኣርሒቑ ዝጥምት ራኢ የብሎምን ብዝብል ሓያል ተቓውሞ እዩ ዝገጥሞ ዘሎ።

 ግንባር ህዝባዊ ምትሕብባር ንህልውና ምምስራቱ ተገሊጹ

ኢማራት፡ “ወደባት ክትግብት ብዘለዋ ህርፋን” ተኸሲሳ

ኤርትራ ብመንገዲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያ ዑስማን ሳልሕ ኣቢላ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት “ህርፋን ምግባት ወደባት ዘለዋ” ብዝብል ከሲሳታ። ዑስማን ሳልሕ ነዚ ክሲ ዘቕረበ “ሚልድል ኢስታ አይ (Middle East Eye)” ምስ ዝተባህለት ትካል  ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ እዩ። ዑስማን ሳልሕ ኣተሓሒዙ  ሕቡራት  ዓረብ ኢማራት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣብ ጉዳይ ባሕሪ እትገብሮ ወፍርታት ካብ ኣገልግሎት ወደብ ሓሊፉ፡ ናይ ፖለቲካዊ ስትራተጂ  ህርፋን ዘለዎ እዩ ኢልዎ።

ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ብኢማራት ዝድገፉ ንዋንነት ወደብ ዝምልከቱ ዲፒ ዓለምለኸን ኤዲ ምጥጣሕ ዋንነት ወደባት ብዝብል ኣብ ግብጺ፡ ታንዛንያ፡ ሶማሊላንድን ፑትላንድ ንምስፍሕፋሕ ዘካየደቶ ፈተነታት ዞባዊ ተቓውሞ ከም ዝገጠሞ’ውን ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ መዲያታት ዝተዘርግሓ እዋናዊ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ፡ ዲፒ ዓለም ለኻዊ ዝብል ወፍሪ ኢማራት ብ2018 እዩ ብጅቡቲ ተሰሪዙ። ሱዳን ብወገናት ምስ ኢማራት ብ6 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደብ ክትሃንጽ በጺሓቶ ንዝነበረት ስምምዕ፡ ምስቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ከም እትተሓጋገዝ ምስ ፈለጠን ብ2022 መደባት  ከም ዝሰረዘቶ ኣብቲ ጽሑፍ ሰፊሩ።

እቲ ሰፊሕ እዋናዊ ጽሑፍ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ኩሉ ወደብ ናይ ምውናን ፈተነታት ምዃን ምስ ኣበያ፡ ብ2016 ምስ እስራኤል ብሓባር ኣብ ደሴት ዳህላክ ወተሃደራዊ መደበር ክትምስርት ፈቲና ከምዘይቀነዓ ጠቒሱ። ናይቲ ኣብ ጉዳይ የመን ምስ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ምትህልላኽ ኣትያቶ ዘላ ዕላማ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን።

ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና፡ ድሕሪ’ቲ ውግእ ምቁራጹ ምስ ዛሕተለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምውራር ወደብ ኤርትራ ሕቶ ከቕርብ ዝጀመረ ካብ ኢመራት ብብዝሒ ኣጽዋር ክቕበል ምስ ጀመረ ምዃኑ እውን እቲ ጽሑፍ ኣቃሊዑ። ኢማራት በይና ዘይኮነት ምስ እስራኤል ብቐረባ እናሰርሓ ንሶማሊላንድ ምድጋፈን ብወገን ኢመራት ወደብ ካብ ናይ ምርካብ ድሌት ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነ።

እዚ ሎሚ ኢማራት ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባራ ዝኸሳ ዘሎ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ እቲ ኣብ ናይ መጀመርያ መገሻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ “ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና” ብዝብል ዘሻደኖ እዩ።

ኢማራት፡ “ወደባት ክትግብት ብዘለዋ ህርፋን” ተኸሲሳ