እገዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራኸ ብመን’ዩ ክለዓል?

እገዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራኸ ብመን’ዩ ክለዓል?

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍን ሰብ መዛን ወሲናቶ ዝጸንሐት እገዳ ኣልዒላ ዝብል ሓበሬታ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ኣዛራብነቱ፡ “ስለምንታይ እያኸ ኣሜሪካ ነቲ እገዳ ወሲናቶ ነይራ?” ዝብል ብዙሓት ዝሓትዎ ዘለዉ  ኮይኑ ቀሪቡ። እንተኾነ ናይ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ  ህግደፍ ገለ ሓለፍቱን እገዳ ምጽዓንን ምልዓልን ዝነበረ እምበር ሓድሽ ብዘይምዃኑ እምብዛ ዘይተገረምሉ’ውን ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣብ ልዕሊኡ ብህግደፍ ዝተጻዕነ እገዳ ስለ ዘሎን፡ ብኣኡ ክሓልፍ ስለ ዝጸንሐን ዘይተገረምሉ ተመኩሮ እዩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ፡ ብ2021 ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻልን ትካላት ንግዲ ህግደፍን እገዳ ዝወሰነት፡ “ኣብ ውግእ ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመሓዚኹም ኣቲኹም ናይ ውግእ ገበን ፈጺምኩም” ብዝብል እዩ ነይሩ። “ሎሚ እቲ እገዳ ዝለዓል ዘሎኸ ናይቲ ጠንቂ እገዳ ዝነበረ ገበን ተሓታትነቱ ተጻርዩ፡ እቲ ጉጅለ ናጻ ስለ ዝኾነ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ከለዕል ከኣ ባህርያዊ ኢዩ። እንተኾነ እቲ ዝተኸሰሉን ናብ እገዳ ኣብጺሕዎን ዝተባህለ ጠንቂ፡ ኣይኮነንዶ ተጻርዩ መን ከም ዝሕተተሉ ክፍለጥ ዳርጋ ዝተረሰዐ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉን ከሰትን ተኸሰስትን ኣብ ዝተመሓዘውሉን’ዩ እቲ እገዳ ዝለዓል ዘሎ። እዚ ከኣ “እሞ ካብ ቅድም እውን እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይቲ ምእጋድን እገዳ ምልዓልን እቲ ገበን ውግእ ኣይነበረን” ናብ ዝብል መደምደምታ ዝወስድ እዩ ዝኸውን።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እገዳ ኣብ ዝወሰነትሉ ግዜ፡ ከም ቀንድን ቀዳማይን ምኽንያት ክትወስዶ ዝነበራ እቲ ብሰንኪ እገዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዝነበረን ዘሎን በደላት ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ናይ ግዳማዊ ዛዕባታት ቅድሚት ምስረዓ ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ ሰብኣውን ፍትሓውን ኣካላት ዝተነቕፈ ምንባሩ ይዝከር። ሎሚ እውን “ኣሜሪካ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘገድሳ  እንተዝኸውን፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ እቲ ጨቋኒ ጉጅለ፡ ተወሳኺ እገዳ ዘወስን እምበር፡ ዝነበረ እገዳ ዘልዕል ኣይኮነን”  ዝብል ናይ ብዙሓት ሚዛን ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ህግደፍ ብፍላይ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ኢህወደግ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ መድረኽ” ዝነበረሉ ዓመታት፡ ስለምንታይ ዘቤታዊ ሕቶታት ከምዘይምልስ  ክሕተት እንከሎ፡ ይሃድመሉ ካብ ዝነበረ ናይ ሓሶት መልስታት “ብሰንኪ እገዳ ኣሜሪካ ተዓጺና ኢደ እግርና ተኣሲርና እንዲና ዘለና” ዝብል ዘይመስል ምስምስ እዩ ነይሩ። ብግብሪ ግና እቲ እገዳ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ኣይነበሮን’ኳ እንተዘይተባሀለ፡ ክንድቲ ህግደፍ ዝበሎ ብዘለካ ውሱን ዓቕሚ ዘቤታዊ ዕማምካ ከይትዓምም ዓዲ ዘውዕል  ኣይነበረን። ገለ ወገናት’ውን ኣስናን ዘየብሉ እገዳ እዮም ዝብልዎ ነይሮም። ስለዚ እዩ ከኣ እቲ ቀንዲ ህይወት ኤርትራዊ ዘጸልመተ እገዳ ኣሜሪካን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ዘይኮነ፡ እገዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ምባሉ ቅኑዕ ዝኸውን። ደሓር ከኣ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ዝተጀመረ ዘይኮነን፡ ብእገዳ ኣመኽኒኻ ህዝቢ ኣፉ ለጒምካን ኢደ-እግሩ ኣሲርካን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምስቓይ ግና ፍሉይ መለለዪ ”ጉጅለ ህግደፍ” እዩ።

ህግደፍ ብ2018 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ምስ ኣተወ፡ ካብቲ ንምጥባሩ ተባሂሉ ብኢትዮጵያ ዝተገብረሉ ግነዖታት ሓደ፡ ናይ ሽዑ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበረ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ  ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ እገዳ ንክለዓል ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘቕረቦ ወግዓዊ መጸዋዕታ እዩ። ቤት መኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪቲ ጭካን እገዳ ህግደፍ ኣብ ከይመይ ኩነታት ከም ዝነብር ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ኢሳያስን ኣብይን ጸሚድካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምልኣኾም ምእንቲ ክጥዕሞ ነቲ እገዳ ኣልዒልዎ። ስለዚ እቲ ናይ ሽዑ ምልዓል እገዳ ካልእ መዘዝ ደኣ ሰሓበሉ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ዘቤታዊ ቅሳነትን ራህዋን  ኣይነብረን።   

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝጸዓኖ ብንውሓት ዕድመኡ  ኮነ ብምረቱ “ከምዚ እዩ” ኢልካ  ምግላጹ ዘጸግም እገዳ እዩ። ብሰንክቲ ዘቤታዊ እገዳ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላቱ ተገፊፉ ኣብ  ጉዳይ ሃገሩ ጓና ኮይኑ፡ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ወዲቑ። ክሳብ ብስእነት ዕለታዊ ዝስተ ማይ፡ ዝቕመስ መግብን ኣገልግሎት ሕክምናን ዝግለጽ ማሕበራዊ ጸገምን ድኽነትን ገጢምዎ ይሳቐ ኣሎ። እዚ ኹሉ ስቓዩ ከኣ ካብ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተሰወረ ኣይኮነን።

 ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘሳቕዮ ዘሎ ዘቤታዊ እገዳ ክለዓለሉ ክንድቲ ዝድለ ሰማዒ ዘይረኸበ፡ መጸዋዕታ ከቕርቡ ዝጸንሑ ኣህጉራዊ ትካላት፡ ሰብኣዊ ማሕበራትን ውዳበታትን ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ኣሜሪካ ካብቶም “ቀጻሊ ምሕጽንታ ህዝብና እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን ዘጽቀጡ” ኣካላት ሓንቲ እያ። እዚ ስቕታኣ ከኣ እገዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝለዓል፡ ብቃልሱን ጸረ ጭቆና ውዳበታቱን እምበር፡ ናታቶም ሕሳብ ብዘለዎም ናይ ግዳም ሓይልታት ከምዘይኮነ ዘርኢ እዩ። ስለዚ መልሲ ናይቲ “እገዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራኸ ብመንዩ ዝለዓል?”  ዝብል ሕቶ “ቃልሲ  ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ምስተዓወተ” እዩ ዝኸውን።

ኣሜሪካ ኣብ ሎሚ በጺሓ እገዳ ህግደፍ ተልዕል ዘላ እምበኣር፡ ምእንቲ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ኢላ ከምዘይኮነት ብተመኩሮ’ውን ዝተራእየ እዩ። ስለዚ ነቲ እገዳ ተልዕሎ ዘላ፡ ከምቲ እገዳ ክትውስን እንከላ ዝተኸተለቶ፡ ማእከላ ምእንቲ ናታ ዞባዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ናይ ምቁጽጻር  ረብሓ ሕሳብ እዩ።

ብፍላይ ናይዚ ብ18 መስከረም 2026 ብኣሜሪካ ዝተወስደ ስጉምቲ ምልዓል እገዳ ተልእኮ፡ ኣዝዩ ብሩህ እዩ። ካብ ውግእ ኢራን ዝጀመረ ስግኣት ዝወለዶ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ ናብቲ ጥቓ  ኤርትራ ዝርከብ መጻብቦ ባብኤል መንደብ ይልሕምለ ኣሎ። ኣሜሪካ ኣብዚ ሓድሽ ወጥሪ ዘገልግላ መራሕ መንገዲ ንምትብባዕ ተገዲዳ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ህግደፍ’ውን በቲ ኣገዳሲ እስትራትጅያዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ተሓቢኡ፡  ካብቲ ብኹሉ ኩርነዓት ዘባህርሮ ዘሎ ድምጽታት ንምድሓን ንኣሜሪካ ክለኣኽ ቅሩብ ካብ ምዃን ካልእ ምርጫ የብሉን። ስለዚ እዩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝጀመሮ ቃልሲ ከቐጽል እምበር፡ “እገዳ  ኣሜሪካ ተላዒሉልና” ኢሉ መዳመቒ ጓይላ ህግደፍ ክኸውን ዘይግበኦ።