ህዝቢ ምስ ኩሉ ዝህልዎ ብዙሕነት ፡ እቲ ኣብ ጉዳያት ሃገሩ ዝለዓለ ወሳኒ ግደን ሓላፍነትን ዝውንን እዩ። መንግስቲ ድማ እቲ ዝሰፈሐን ንኹሎም ዜጋታት ዘሳትፍን ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘለዉዎን ውዳበ እዩ። ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝተፈላለዩ ኣረአእያታት ክህልውዎ ውሁብ እዩ። ኣረአእያታቱ ኣብ ምትግባር ድማ ተመሳሳሊ ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት ናይቲ ህዝቢ ሓባራዊ ዓቕሚ ንምጥራይ ይቀራረቡን ይውደቡን። ከም ውጽኢት ናይዚ ምቅርራቦም ከኣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ውደባዊ ብዙሕነት ይህልው።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓፈሻዊ መስርሕ ጉዕዞኡ ዘሰማምዑን ዝፈላልዩን ኣተሓሳስባታት ከም ዝህልዉዎ የርኢ። ኣብቲ ውዱብ ጉዕዞ ኣተሓሳስባኻ ተዓዋታይ ንክኸውን ምውድዳር ክህሉ ርዱእ ይኸውን። እዚ ውድድር ነቲ ከም ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ዘሰማመዓካ መሰረታዊ ኣዕኑድ ዘይጥሕስ፡ ብሕጊ ዝምራሕን ምክብባር ዘይተፈልዮን ክኸውን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ መስተውዓሊ፡ ሓላፍነታዊ፡ ኣርሑቑ ዝርእን ፍልልይ ጸጋ እምበር፡ መጻልኢ ከምዘይኮነ ዝርዳእ ንቑሕ ሕብረተሰብ ምህናጽ መሰረታዊ እዩ። ኣብዚ ናጽነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ሓደ ካብ መሰረታዊ መሰላት ስለ ዝኾነ፡ ሓደን ፈቓድ ሓታቲ እቲ ካልእ ከኣ ፈቓድ ወሃቢ ዝኾነሉ ኣይኮነን።
ዝኾነ ውዳበ ብዙሓት ተሳቲፎም ዝዋስእሉ ናይ ምዃን ባህጊ ክዝህልዎ ርዱእን ቅቡልን እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ውዳበ በቲ ሓደ ወገን ኣባላትካ ምብዛሕን ዘይምብዛሕን፡ በቲ ካልእ ከኣ ብግቡእ ምብቀዖምን ዘይምብቀዖም መሰረታዊ መዕቀኒ ኮይኑ ዝቐርብ። ሓደ ውዳበ እንታይ ከም ዘዕውት ዝእምቱ፡ ኣባላቱ ዘመሓድረሉን ዝቆጻጸረሉን ብተሳትፎ ናይቶም ዝምልከቶም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝጸደቑ መወከሲ ሰነዳት ክህልዎ መባእታዊ ኣገዳስነት’ዩ። በዞም ሰነዳት ዝቕየዱን ኣብ ቅድሚ እቲ ሕጎም ተሓተቲ ዝኾኑን ከኣ እቶም ኣባላት ናይቲ ውዳበ እምበር ሓፋሽ ህዝቢ ኣይኮነን።
ሓደሓደ ዓመጸኛ ውዳበታት ግና፡ ነቲ ኣባሎም ዘይኮነን ብውደባዊ ሕጎም ክቕየድ ዘይግደድን መላእ ህዝቢ፡ ብፍላይ ንህልወነኦም ከድልዮም እንከሎ፡ “ንሕናን ንሱን ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጽ ኢና” ብዝብል ሸፈጥ ጀሆ ክሕዝዎ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ኣብ ርሑቕ ከይከድና ከምዚ ዝኣመሰለ በደል ኣብ ሃገርና ህግደፍ መንቀሊኦምን መዓርፎኦምን ብዘይፍለጡ ኣዋጃት ዓፊኑ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ ኣሉታዊ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ።
እቲ ንመላእ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ናይ ምምሕዳርን ምግዳድን ስልጣን ዘለዎ ሰነድ፡ ናይ ገለ ውሱናት ካብቲ ህዝቢ ብኣባልነት ዝተሰለፍሉ ውዳበ ሕግታት ዘይኮነ፡ መላእ ህዝቢ ብዘሳትፍ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ዝጸደቕ ሃገራዊ ቅዋም ጥራይ እዩ። ናይ ሓደ ውዳበ ውሽጣዊ ሕጊ፡ ሃገራዊ ሕገመንግስቲ ንምትካእ ክደናደን እንከሎ ግና ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ናይ ዘይወዓለሉ ሕጊ ግዳይ ከም ዝኸውን ዘርኢ እዩ። ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ እቲ ብተሳትፎ ህዝቢ ከም ዝጸደቐ ዝንገረሉ ዝነበረ ሕገመንግስቲ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ሕጽረታት “ከይሰርሐ ዝሞተ” ተባሂሉ ካብ ዝቕበር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ’ሎ። ናይቲ ውሱናት ዝኣባላቱ ውዳበ ህግደፍ ሕግን መደባትን’ውን ብዘይእዉጅ ደሃዩ ካብ ዘጥፍእ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ዊንታን ድሌትን ሓደ ውልቀ መላኺ ዝወደቐትሉ ግዜ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ተግባር ዝምስክሮ’ዩ።
ሓደ ውዳበ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ዝኽእል፡ ኣብ ስሩዕ መድረኻት ዘውጸኦ መደባትን ዝምረሓሉ ቅዋምን ናይ ህዝቢ ባህጊ ኣብ ግምት ዘእተዉ ኣብ መስርሕ ምትግባር ድማ ትካላዊ ተሓታትነት ዘንጸባርቕ መስርሕ ዝኽተል ክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ንህዝቢ ብዘይምግዳድ ብድሌቱ “ደጋፊየይ እዩ” ምባል ይከኣል ይኸውን። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ውዳበታት ህዝባዊ ባህጊ ከንጸባርቕ እንከሎ፡ ገለ ዜጋታት ንኣባልነት ናይቲ ውድብ’ውን ክመርጽዎ ይኽእሉ። ወይ ድማ ብዘይኣባልነት ደገፍን ኣፍልጦን ይህብዎ። ካብዚ ሓሊፉ ናይቶም ብኣባልነት ዘሰለፍካዮም ዜጋታት ሕቶ’ኳ ከይመለስካ፡ “ህዝቢ ናተይ ጥራይዩ” እናበልካ ጓዕጺጽካ መሳርሒ ኢደወነናዊ ውሳነታትካ ንክኸውን ከተገድዶ እንከለኻ፡ ኪኖ ክቱር ምልኪ ካልእ ኣይከውንን።
ሓደ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣብ ነብሱ ዘይተኣማመን ጠላምን ስሱዕን ውዳበ፡ ጥራሕ ኢዱ ከይተርፍ ስለ ዝሰግእ፡ ዘለዎ ግዝያዊ ዓቕምን ሓይልን ተጠቒሙ፡ ኣብቲ ፖለቲካዊ ሜዳ ዝወዳደሮ ኣተሓሳስባ እግሪ ንከይተክል እዩ ዝሰርሕ። ድሕሪኡ ነቲ መተካእታ ዝሰኣነ ህዝቢ እውን ናቱ ጥራይ ኣምሲሉ ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ይፍትን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብኣንጻር’ዚ፡ ኣብ ዓንቀጽ ራኢን ዓላማን ሰልፊ ንኡስ ዓንቀጽ 1.1.1፡ “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ተሳትፎ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፡ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፡ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ዝብል ኣገዳሲ ሓሳብ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ኣስፊሩ’ሎ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓደ ግዜ ብጋዜጠኛ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ “ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ድሕሪ ናጽነት ዘሎ ዝምድና ከመይ ይመስል?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ “ንውድብናን ህዝቢ ኤርትራንከ መንዩ ክልተ ኣካላት ገይርዎም?” ብዝብል ዘስመዖ ናይ ምጉጣጥን ቁጠዐን መልሲ ሓደ ካብ መርኣያታት ገባቲ ባህሪኡ ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓምጣሪ ኣካይዳ ኣብ ህግደፍ ዝገደደ ይኸውን እምበር፡ ናይ መለኽቲ ጠባይ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ዓመጽቲ ውዳበታት ዝረአ፡ ግህሰት ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ መሰል ህዝቢ እዩ።
ስለዚ ከምቲ ሰነዳት ሰዲህኤ፡ “ወሳኒ ተሳትፎን ተራን ህዝቢ ኣብ ጕዳይ ሃገሩ ብሕግን ብግብርን ውሕስነት ምእንቲ ክረክብ፡ ፖለቲካዊ ማዕርነት፡ ምዕሩይ ምክፍፋል ፖለቲካዊ ስልጣንን ዝተማልአ ህዝባዊ ተሳትፎ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገር፡ ነንሕድሕዱ ዝተሓሳሰብ፡ ግሉጽነት ዝመልኦ፡ ነጻ መንግስታዊ ትካላት ምቛም መሰረታዊ ዕላማ ገይሩ ይርእዮ።” ዝብሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብኢደወነኑ “ህዝቢ ናተይ ጥራይ’ዩ” እናበለ ናጽነቱ ገፊፉ መሳርሒ ዝገብሮ ዘሎ ጉጅለ ኢሳያስ፡ “ኣነ ናይ ሃገርይ እምበር ናይ ውድብካ መጋበርያ ኣይኮንኩን” ክብሎ ከም ወትሩ ነዘኻኽሮ።

