ኤርትራ ሃገርና እትርከበሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ውግእን ወረ ውግእን ዘይፍለዮ ዞባ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ እዩ። እቲ ዘይምቕሳን ከኣ ብኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ምዕባለታት ዝጽለው ጥራይ ዘይኮነ፡ ብውሽጣዊ ቅልውላው ናይተን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ክብን ለጠቕን ክብል ዝጸንሐን ዘሎን ማዕበል እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ እቲ ኣሻዂ ኲነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ኣብ ዝበልሓሉ ደረጃ ከም ዝርከብ ባዕላቶም ዝዛረቡ መርተዖታት ኣለዉ።
ከም መርኣያ ናይቲ ኣስጋኢ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጥቀሱ ኣብነታት ብዙሓት እዮም። ዕረፍቲ ዘይህብ ውግኣት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዘቤታዊ ዕጡቓት ተቓወምቱን ገረቤቱ ሱዳንን፡ ሓሓሊፉ ዶብ ዝሰግር ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ሱዳን፡ ናይ ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ናይ ሱዳን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ውግኣት ናይ ምስዋር ላዕልን ታሕትን፡ ወትሩ ዘየቕስን ኩነታት ሶማሊያን ኣብ የመን ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ካብቶም ብዙሓት እቶም ውሑዳት እዮም።
እቲ ዝያዳ ዘስግእ ከኣ፡ ኩሎም እዞም ናይቲ ውግኣት ተሳተፍቲ ነብሶም ክኢሎምን ውሳነን ኣፍልጦን ህዝቢ ኣማእኪሎምን ዝጐዓዙ ዘለዉ ዘይኮኑ፡ ብድሕሪ ነፍሲ ወከፎም ብዝተሰለፉ ናይ ግዳም ዘወርቲ ሓይልታት ዘለዉዎም ምዃኖም እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት፡ በቲ ሓደ ወገን ኢማራት፡ ቱርክን እስራኤልን፡ በቲ ካልእ ከኣ ኤርትራ፡ ግብጽን ስዑዲ ዓረብያን “ኣለናልኩም” ዝብልዎም እዮም። እቶም “ኣለናልኩም” ዝብሉ፡ ነቶም ዘስንቕዎምን ዘዕጥቕዎም ስለ ዝሓልይሎም ዘይኮኑ፡ ነናቶም ሕሳባት ዘለዎም እዮም። ግብጺ ናብ ዓብዪ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ኢማራት ከኣ ናብ ምውናን ወደብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብመንገዲ ዓሰብ ካብ ምቁማት ዘየቋርጹ እዮም።
ኣብ ትግራይ ብ2020-2022 ዝተኻየደ ውግእ፡ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምቁራጹ ህውከት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከህድእ’ዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ። እንተኾነ እቶም ከተግብርዎ ትጽቢት ዝተገብረሎም ፈረምቲ ብዘይምብቀዖም፡ እቲ ስምምዕ ግዜ ንምርካብ እምበር፡ ካብ ልቢ ዝተኸተመ ከምዘይነበረ እናተሃግደ መጺኡ፡ ኣብ ዘስግእ ደውታ ወዲቑ’ሎ። ናይቲ ግዜ ውግእ ኣሰላልፋ ተቐይሩ፡ ናይ ሰላም ተስፋ ጸልሚቱ፡ ኣብ ሕድሕድ እቶም ዝኸተሙ፡ “ህልውናይ ብናትካ ምጥፋእ’ዩ ዝረጋገጽ” ክሳብ ምብህሃል በጺሖም ኣለዉ።
ኣብ ርእሲ’ዚ በቲ ሓደ ወገን እቶም ንውዕል ፕሪቶርያ ከበራብሩ ዝፈተኑ ብሓዲኦም ወገን ክንጸጉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዘይእዉጅ ናይ መሬትን ኣየርን ውግኣት ይካየድ’ሎ። ህግደፍከ ከም ልማዱ ናብቲ ሓድሽ ውግእ ትግራይ “ይኣቱ ዶ ኣይኣቱን?” ዝብል ከኣ መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ’ሎ። ነዚ ኩነታት ኣዕሚቑ ዘጽነዐ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብዚ ቀረባ 3ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ንምቕያር ብዝብል ሰበብ ደቁ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ክኣትዉ ከፍቅድ የብሉን። እቲ ዘዋጽእ ኣብ ክንዲ ንውግእ ንሰላማውን ዲሞክራሲያውን ፍታሕ ክስለፍ እንከሎ እዩ።” ዝበሎ መርኣያ ንድሕነት ህዝብታት ዘለዎ ሓልዮት እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣይተዓደለን እምበር፡ እንተደኣ ኤርትራዊ ትብዓትን ሓልዮትን ሃልይዎ፡ ቀዳማይ ዕማሙ ልኡላውነት ኤርትራ ምውሓስ መኾነ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ብቐዳምነት በቲ ሓደ ወገን ናይ ካለኦት ልኡልውነት ከኽብር፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዓለምለኻዊ ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ዘለዎም ስምምዓትን ቻርተራትን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ መድረኻት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ሕብረት ኤውሮጳን ቀጻሊ ዲፕሎማሲያዊ መኸተ ከካይድ ምተገበኦ።
እንተኾነ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንዘቕርብዎ ዕዉር ህርፋን ሓሓሊፉ ግብረ መልሲ ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ኤርትራ ኣባል ዝኾነትሉ መድረኽ ሕብረት ኣፍሪቃ’ኳ ብወግዒ ምሕጽንታ ከቕርብ ኣይተሰምዐን። ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ባዕሉ፡ “ኣብ መንጎ ክልቲአን ልኡላዊ ሃገራት” ብዝብል ኣብ ኣስመራን ጅዳን ዝኸተመሉ ስምምዓት ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ኣየቃለሖን። “ምምልካት ዶብ ኣብ መሬት ቀዳምነትና ኣይኮነን” ዝበሎ ከኣ ክሳብ ክንደይ ዘይምግዳስ ምዃኑ ከም ዘመልክት ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
ሎሚ ኣብዛ ዓለም በብኹርናዑ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ወጥርታት ኣብ ዝበዘሓሉ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ቆላሕታ ይረክብ’ሎ ኣዛራቢ እዩ። ኣብ ሕቑፊ ወሽመጥ ባብኤልመንደብ ስዊዝ ካናልን ስለ ዝርከብን ግና ኣይክዝንጋዕን’ዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምብጻሕ መራሒ ቻይና ናብ ግብጺ፡ ኦሊሶጎ ኦባሳንጆ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ጀሚርዎ ዝነበረ ምምልላስ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኢውሮጳን ወሲኽካ ናይ ብዙሓት ደገፍ ምርካቡ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲን ተሃዋስን ምህላዉ የመልክት።
ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ 7ይ ዙር ምርጫ ተመሪጹ፡ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት ዝሸባሸብ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ቀንዲ ባእታ ኣሳሳዪ ውግእ እዩ። ብልጽግና ንኤርትራ እንተዘይጐበጥኩዋ” ካብ ዝብል ጀሚርካ፡ ሒዝዎም ዘሎ ህውከተኛ ኣጀንዳታት ብዙሓት እዮም። ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ስሱዕ ኣጀንዳታት “ዋላ ሓደ ከየዕወተ ኣብ ማእከል ጐልጐል ክተርፍ ይኽእልዩ” ዝብል ከኣ፡ ናይ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ግምት ኮይኑ ዘሎ’ዩ።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይረአ ኣብ ዘሎ ፖለቲካዊ ውረድ ደይብ፡ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሓይልታት ኣጀንዳታቶም፡ ህዝብታት ዝፈልጥዎምን ዝርብሕሎምን ኣይኮኑን። ኣብ ኤርትራ ድሌት ህዝብን ጉጅለ ህግደፍን በበይኑ ኮይኑ፡ ሰማዒ ኣይረኸበን’ምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውግእ ተረባሒ ዘይምዃኑ ንምግላጽ ድምጹ ካብ ምስማዕ ዓዲ ኣይወዓለን። ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ናይ ውግእን ጽልእን ተጠቃሚ ከምዘይኮነን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ይገልጽ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ከኣ ናይዚ ቀረባ ግዜ ደሙ ከይነቐጸ ናብ ውግእ ምእታው ይቃወም’ሎ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ንኤርትራ መንእሰይ ኣልቦ ዝገበራ ግዱድ ውትህድርና ብሰፊሑ ኣብ ትግራይ ይትግበር ምህላዉ ድማ ክሳብ ክንደይ ድሌት ህዝቢ ትግራይን ናይቲ ዝመርሖ ዘሎ ኣካልን በበይኑ ምዃኑ የርኢ። ኩነታት ህዝብታት፡ ሱዳንን ሶማሊያን ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ዓፋር፡ ሶማሊን ጋንቤላን እውን ድሌቶም ውግእ ከምዘይከውን ርዱእ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልኡላውነቱ ዘይዋገ’ኳ እንተኾነ፡ ናይቲ ዝሓለፈ ኮነ ከይመጽእ ዝስጋእ ዘሎ ውግእ ግዳይ ንዘይምዃን ቅድሚት ዝሰርዖ እዩ። ምኽንያቱ ኢሳያስ ዘሳውሮ ውግእ ሒዝዎ ዝመጽእ ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ካብ ተመኩሮኡ ዝርደኦ ስለ ዝኾነ። ምስዚ ንዕዘቦ ዘለና ሓድሽ ሃዋህው ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኩነታት ኤርትራ ዘስግእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓውዲ ውግእ ናይ ምዃን ሓደጋ’ውን ዘስግእ’ዩ እሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓንተቦ ተረዲኡ ክቃለሶ ይግባእ።

