ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝጥቀማለን ወደባትን

ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝጥቀማለን ወደባትን

ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ፡ 16 ምስ ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ርክብ ዘየብለን  ሃገራት ኣለወኣ። ስለዚ ናይዘን ሃገራት ናይ ወጻኢ ንግዲ  ምስ ናይ ገረባብተን ኣፍደገ ባሕርን ውደባትን ጥቡቕ ዝምድና ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ብመሬት ዝተኸባ እየን።

እተን 16 ናተን ወደብ ስለ ዘየብለን ናይ ጐረባብተን ወደባት ዝጥቀማ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኡጋንዳ (ሞምባሳ ኬንያን ዳርአሰላም ታንዛንያን)፡ ኢትዮጵያ (ዱራህለ ጅቡቲ)፡ ሩዋንዳን ቡሩንድን (ሞምባሳ ኬንያን ዳረአሰላም ታንዛንያን)፡ ደቡብ ሱዳን (ሞምባሳ ኬንያ)፡ ቦትስዋናን ለሴቶን (ደርባን ደቡብ ኣፍሪቃን ወደባት ናሚቢያን)፡ ኢስዋቲኒ (ወደባት ደቡብ ኣፍሪቃን ሞዛምቢክን)፡ ዛምቢያን ማላውን (ዳርአሰላም ታንዛንያን በይራ ሞዛምቢክን)፡ ዚምባብወ (በይራን ማፑቶን ሞዛምቢክን ደርባን ደቡብ ኣፍሪካን)፡ ቡርኪናፋሶ (ወደባት ኮትዲቭዋር፡ ጋናን ቶጎን)፡ ማሊን ኒጀርን (ወደባት ኮትዲቭዋር፡ ጋናን ቶጎን)፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፑብሊክን ቻድን (ዱዋላ ካሜሩን)፡ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ (ሞምባሳ ዝኣመሰላ ወደባት ምብራቕ ኣፍሪቃ) እየን። 

ኣፍሪቃ ካብተን ካለኦት ክፍሊ ዓለማት ዝበዘሓ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣለወኣ። ብስፍሓት ካብዘን 16 ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ማሊ፡ ኒጀርን ቻድን ቅድሚት ዝስረዓ  እየን። ደቡብ ሱዳን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ዝኾነት ድሕሪ ናጽነታ ምርግጋጻ እዩ። ኢትዮጵያ ከኣ ድሕሪ ኤርትራ ብቃልሲ ህዝባን ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ናጽነት ምስ ኮነት እያ ምስተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ተሰሪዓ።  ሌሰቶ ድማ ምሉእ ብምሉእ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸበበት ሃገር እያ።

ናይ ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው ካብ ቁጠባ ዓለም ይንጸላ ማለት ኣይኮነን። ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ዘይብላ ሃገር ናብ  ወጻኢ ዝለኣኽ ይኹን ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ንብረት፡  ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ንምብጻሕ ዝሰግሮ ናይ ሃገራት  ዶብ ኣለዎ። ኣብቲ ምጉዕዓዝ ከኣ ሃገራት ጽርግያታትን መንገዲ ባብቡርን ክጥቀማ ይኽእላ።  ጀኦግራፊያዊ ርሕቀት ናይ ሃገራት ካብቲ ዝጥቀማሉ ውደባት ኣብ ዋጋ መጐዓዝያ ጽልዋ ኣለዎ። ኣብ ኣፍሪቃ ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን እታ ዝሃብትመት ሃገር ቦትስዋና ክትከውን እንከላ፡ ካብ ዓለም ድማ ሉክሰምበርግ እያ።

“እቲ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ከምዚ እናሃለወ ደኣ፡ ኢትዮጵያ ስለምንታይ እያ ተዕገርገር ዘላ? ዝብል ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኢትዮጵያ ገዛኢት ኤርትራ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ዝነበራ ባሕሪ ድሕሪ ናጽነት ክትስእን ከኣ ንቡር እምበር ኣብኣ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ደቡብ ሱዳን እውን ናጻ ትጥቀመሉ ዝነበረት ኣፍደገ ባሕሪ፡   ኩነታት ተቐይሩ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምስ ኮነት፡ እያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኮይና። ኢትዮጵያ ዕድለኛ ኮይና ልዕሊ 10 ናይ ጐረባብታ ሃገራት ወደባት ስለ ዘለዋ ብዝመረጸቶም ወደባት ክትጥቀም ትኽእል እያ። ካብዚ ሓሊፉ መራሕቲ ኢትዮጵያ “ዘዝሃረፍካዮ ኩሉ ናትካ ክኸውን ከምዘይክእል” ምርዳእ ከድልዮም እዩ።

 ሓደሓደ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየለን ሃገራት፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣለወን፡ ኣገልግሎቱ ግና ናይ ካልእ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ መንዚዕካ ምስፋር ዘይኮነ፡ ነናይ ሃገሮም ሩባታት፡ ቀላያትን ካልእ ማያዊ ኣካላትን ድሕነት ምሕላው ጥራይ እዩ። ላኦስ፡ ኣዘርባጃን፡ ፓራጉዋይን ቦሊቪያን ናይዚ ኣብነት እየን።