መግለጺ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2026
ክቡራት ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ክቡራት ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ
ክቡራት ኣሰናዳእቲ ፈስቲቫል
ክቡራት ወከልቲ ሃገራውያን ውድባት
ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ
ዕድሜና ኣኽቢርኩም ምምጻእኩም ብስም ፖሓኤ ልባዊ ሰላምታን ምስጋናን አቕርበልኩም።
ንፖለቲካዊ ሓይልታት ወኪለ፣ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፣ ነዚ ቃልዚ ከስምዕ ክብሪ ይስምዓኒ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫልን ተሓባበርታን ብዝገበርዎ ኩሉ ሸነኻዊ ምስንዳእን ህቡብ ሙዚቀኛ ዓንዲት ዑቕባይን ብጾቱን ከዘናግዑና መዲበሞ ዘለዉ ብዓወት ክዛዘም እንዳተመነኹ ልባዊ ሰላምታይን ምስጋናይን ክቕርብ ደስ ይብለኒ።
ፈስቲቫልና ኣብ አዚዮም ተሃወስትን ተለዋወጥትን ኣህጉራውን ዞባውን ምዕባሌታት ኣብ ዝኽሰቱሉ፣ ኩነታት ህዝብና ድማ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝብኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእ’ዩ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እስራኤልን እተጀመረ ውግእ 5 ወርሒ ኣሕሊፉ ገና መዓልቦ አይተገብረሉን። ብኣንጻሩ ናብ ባብ ኣል መንደብ ገጹ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ይመስል። ከምኡ’ውን አብ መንጎ ሩስያን ኡክራንያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ሰሙናት ክውዳእዩ እተባህለ ዓመታት ኣቕጺሩ አሎ። እዚ ፍጻሜታትዚ አህጉራዊ ሕጊ ትርጉም ዘይብሉ ኰይኑ ሓያላት ድላዮም ዝገብሩሉ እዋን ኣቲና ምህላውና የመልክት።
ዞባና ካብ ሱዳን ክሳብ ኢትዮጵያ ብውግእ ሕድሕድ ተረሚሱ ኣሎ፡፡ ጎድኒ ንጎድኑ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ትግራይን ኣምሓራን ብጽምዶ ዝፍለጥ ዝምድናታት ብገለ ሸነኻት ከም ንሓባራዊ ምዕባለን ሰላምን ክግለጽ ከሎ ብኻልእ ሸነኽ ብፍላይ ብስርዓት ኢትዮጵያ ከም ንጸጥታን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዝፈታተን ተርኽቦታት እዩ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ። ብዕሊ እውን ጥርዓናት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት መንግስታትን ጸለውቲ ዝብልዎም ትካላትን መንግስታትን ከቕርቡ ጸኒሖም። ስለዚ ሕጂ እውን ናይ ውግእ ሃዋህው አብ ልዕሊ ሃገርና ይዝንቢ ኣሎ። ኣብ መንጎ አብ ዶባት ዝነብሩ አህዛብ፡ ብተብግሶኦም ንሓባራዊ ጠቕምታት ዘገልግል ዝምድናታት ቅቡል እዩ። ብሽፋን ህዝባዊ ዝምድና ንኣህዛብ ናብ ውግእን ህልቂትን ዘእቱ ጽምዶ ግን ተቐባልነት ክህልዎ ኣይክእልን። ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ህግደፍን እተደገፈ ጽምዶ ነዚ ዳሕረዋይ ይመስል። ዕለት 01 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሸሞንተ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ውግእ ከም እተጀመረ መግለጺ ወጺኡ ኣሎ። ብኣጋ እንተዘይቆይሙ ባህሪ ናይቲ ጽምዶ ዝገሃደሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኰነን።
መርገጽ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኩሉ ውግኣት ደው ክብል፣ ጉዳያት ድማ ናይ አህዛብ ረብሓታት ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ብዕቱብ ልዝብ ክፍታሕ እዩ ዝጽውዕ።
ኩነታት ሃገርና ካብ ኩላትና ስዉር ከም ዘይኮነ ዋላ ሓንቲ ዝልለ ምምሕያሽ ዝተገብረ የልቦን። አብዚ ቅንያትዚ ኩሉ ገንዘብኩም ክሳብ 31 ሓምለ 2026 ናብ ባንክ ኣእትውዎ ዝብል ትእዛዝ ስለ ዝተዋህበ ነዚ መስርሕዚ ብብቕዓት ከመሓድር ዝኽእል ትካላውን ሰብኣውን ጉልበት ስለዘየልቦ፣ ህዝቢ ዝገብሮ ጠፊኡዎ አብ ከቢድ ሰሃሮ ይርከብ። ገሊኦም ገንዘቦም አብ ኢዶም ከይሓሮም ስለዝሰግኡ ዘድልዮምን ዘየድልዮምን ወርቂ፡ ሰዓት፡ ኤልክትሮኒክ አቑሑት ወዘተ… ኣብ ምሽማት ተጸሚዶም ቀኒዮም። ኣብ ባንክ ካብ ዝኣተወ ገንዘብ 5,000.00 ናቕፋ ጥራሕ ንወርሒ ክውጽኡ ዘፍቕድ ስርዓት፣ ኩሉ ናቕፋ ናብ ባንክ ይእቶ ክብል ከሎ ገቢቱ ኣብ ዝደለዮ ከውዕሎ እንተዘይኰይኑ፤ ንህዝቢ ዝጠቅም መደብ ከም ዘይኰነ ርዱእ እዩ። እንተዝነብሮ ምኽንያት መእከቢኡ ግልጺ ምገበሮ ነይሩ።
ኣብ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝብና ዝተመሓየሸ ነገር ከም ዘየለ ዶክ/ መሓመድ ዓብድሰላም ባብክር ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብፍሉይ ክከታተል ብቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ላዕለዋይ ኮምሽነር፣ ሕቡራት መንግስታት ካብ 2020 ክሳብዚ እዋንዚ ተመዚዙ ዝዓዪ ዘሎ፣ ሎሚ እውን ከም ዓሚ፣ ኣብ ኢርትራ ዋላ ሓንቲ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከም ዘየለ ምጭዋይ፡ ምእሳር፡ አብ ፍርዲ ዘይምቕራብ፡ ሃለዋት እሱራት ዘይምሕባር፡ ምስቓይ፡ ፖለትካውን ሃይማኖታውን ምስጓግ ቀጻሊ ከም ዘሎ ከምኡ’ውን ስግረ ዶባዊ ዓመጽ ከም ዘሎን ሓያሎይ ኤርትራውያን ስደተኛታት በተን ዝተዓቕቡለን ሃገራት ይብደሉ ከምዘለዉ ጠቒሱ መሰሎም ክሕለወሎም አብቲ መበል 62 አኼባ ሕቡራት መንግስታት፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብ15 ሰነ 2026 ዝሃቦ ጸብጻብ ገሊጹ። ኢርትራ ቀጻሊ ራፖርተር ከይምደብ እኳ እንተጸዓረት አይተዓወተትን።
በዚ አጋጣሚ'ዚ ኣብ ልዕሌኹም ወይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት እትፈጸመ ግፍዒ እትፈልጥዎ እንተልዩ፣ ንዝምልከቶ ኣካል ክትሕብርዎ ንላበወኩም። ከመይ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ማለት ቅዋማዊ ስርዓት ምስ ተተኽለ ተሰኒዱ ምጽንሑ ጠቓሚ እዩ።
ሃለዋትና፡ ፖሓኤ 2ይ ዋዕላኡ ኣብ መውዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2026 ከካይድ ወሲኑ ነይሩ፤ ግን ክሳለጡ ዝነበሮም ዘይተወድኡ ነገራት ስለ እተረኽቡ ማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ ብ26 ሰነ 2026 አብ ዘካየዶ ህጹጽ አኼባ ግዜ ዋዕላ ክናዋሕ ወሲኑ፡፡ እቲ ብሰለስተ ጽላላት ማለት ፖሓኤ ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝካየድ ዝነበረ ሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ቀጻሊ ኣሎ። ንሰላም ዝጽውዕ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ዝከላኸል፣ ሓያሎይ መዘክራት ናብ ጸለውቲ ሃገራትን ትካላትን ክልኣኽ ጸኒሑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተስ ብፍቶት እንተስ ብሓይሊ ኣፍ ደገ ባሕሪ ክውንን እየ ወዘተ እንዳበለ ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተን መግለጺታት ንዝሃቦ፣ ፖሓኤ አብቲ ብ ዕለት 23 ወርሒ መስከረም 2025 ዝወጸ መግለጺ ብሰፊሑ መሊሱሉ ስለ ዘሎ አብዚ ምድጋሙ ኣድላዪ ኰይኑ ኣይርኣየናን።
ዝሰፍሐ ጽላል ንምቛም ዝዓለመ ልዝብ ንክጅመር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ናይ ዘተ ሽማግለታት አቚመን ከም ዘለዋ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ተስፋ ንገብር ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀረባ ሰሙናት ስርሐን ክጅምራ።
ንሃገራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ንምቅርራብ ብኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምርምርን ሓበሬታን እተወስደ ተበግሶ ቀጻሊ አሎ። አብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ 4ይ አኼባ ከይተጋብኤ ኣይክተርፍን እዩ።
ኣብ መደምደምታ ናብቲ ከርሰ-ነገር ናይ መልእኽትና ክሰግር፡ ን35 ዓመታት ዝኣክል ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ፣ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝኸፍኤ ኣገባብ እንዳ ኣሳቐዮ እንከሎ ስለምንታይ እዩ እዚ ንናጽነቱ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ነዚ ዘይንቡር ኩነታት ከም ንቡር ጌሩ ዝነብር ዘሎ? ስለምንታይ እዩ ግፍዕታት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ እንዳተፈጸም ከም ዘይርኣየ ዓገብ ከይበለ ዝነብር ዘሎ? ብፍላይ ኣብ ገሊኦም ወጻኢ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶም ናይ ጣዕሳ ወረቐት ክመልኡን ንመላኺ ስርዓት ገንዘብ ክኸፍሉን ይርኣዩ ስለምንታይ ?
እምብኣርከስ ናይ ሎም ዓመት ዘተና፡
ምልኪ ስዒርና ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል ኣነ እንታይ እገብር ኣሎኹ? ከም ህዝቢኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና? ብዝብል ኣርእስቲ ን30 ደቓይቕ ብወለንታና ኣብ ጉጅለታት ተመቒልና ነናይ ጉጅለና ብሓደ/ ሓንቲ ወካሊ/ት ንኣዳራሽ ክንሕብር ኢና። ከም ውጸኢቱ ሓቢርና ክንምድቦ እንኽእል እንተልዩ ክንርኢ ኢና።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ሃገርና!!
ብሓድነት ንሓርነት!!
08 ነሓሰ 2026 ፍራንክፈርት፣ ጀርመን
Degiga
Tigrinya Articles